ኤርትራዊ ብዝመበቈሉ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝተመዝግበት ቀዳመይቲ ሸቶ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ምድብ ሽዱሽተ ዝርከባ ቱኒዝያን ሽወደንን ኣብ ዘካየዳኦ ጸወታ፡ ሽወደን ብዘአምን ብቕዓት ንቱኒዝያ ሓሙሽተ ብሓደ ብምስዓር መራሒት እቲ ምድብ ኰይና።

እታ ምስ ኔዘርላንድስ ኣብ ውዱእ ግዜ ማዕረ ዝገበረታ ሸቶ ብምምዝብ ክልተ ንክልተ ዝተፈላለየት ጃፓን ብነጥብን ብጸብለልታ ሸቶን ምስ ኔዘርላንድስ ማዕረ ኰይና ኣብ ካልኣይ፡ ጃፓን ሳልሰይቲ ብሽወደን ኣርባዕተ ሸቶ ዕዳ ዝተሰከመት ቱኒዝያ ከኣ ኣብ ራብዓይ ተቐሚጠን ንዝቅጽል ግጥመን የማዕድዋ ኣለዋ።

ንዓወት ሽወደን ዝያዳ ናብ ኤርትራውያን ዘቕርቦ ከኣ ኤርትራዊ ዝመበቖሉ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ መበል 30 ደቂቕ ሸቶ ከመዝግብ ምኽኣሉ'ዩ።

በዛ ሸቶ እዚኣ ኣቢሉ እቲ ቀዳማይ ኣብ ዋንጫ ዓለም ኤርትራዊ ትውልዲ ዘለዎ ሸቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ።

ኤርትራዊ ዝመበቖሉ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክጻወት'ውን ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ናይ ፈለማ'ዩ።

ብዘይካ'ዚ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ክልተ ንሸቶ ዝዀና ውዱኣት ኵዓሳሱ ብምቕባል'ውን ኣብተን ጆከርስን ስቫንበርግን ዘመዝገብወን ሸቶታት እግሩ ሓዊሱ'ዩ።

ብድምር ከኣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ካብተን ሓሙሽተ ሸቶታት ሽወደን ብሓንቲ ሸቶ ብክልተ ቀረባትን ክደምቕ ክኢሉ።

ሽወደን ኣብዚ ምስ ቱኒዝያ ዝገበረቶ ጸወታ፡ ካብ ምጅማሩ ኣትሒዛ'ያ ጸቒጣ ክትጻወት ጀሚራ።

ሸቶ ከተመዝግብ ድማ ሸውዓት ደቒቕ ጥራይ'ዩ ወሲዱላ፡ ኣያሪ ብዘመገባ ሸቶ መሪሓ ድማ ነቲ 50 ሽሕን 987 ሰባት ሒዙ ዝነበረ ስታድዮም ሞንተሪ ብብጫ ሕብሪ ኣድሚቓቶ።

ኣያሪ ኣብ ልዕሊ ቱኒዝያ ሸቶ ምስ ኣመዝገበ ንሸቶኡ ኣይጸንበላን፤ ምኽንያቱ ብኣቦኡ ቱኒዝያዊ ብምዃኑ ኣብ ልዕሊ ዓደ'ቦኡ ዘመዝገባ ሸቶ ክጽንብላ ኣይመረጸን።

ኣሌክሳንደር ኣብ መበል 16 ደቂቕ ሸቶ ክትከውን ትኽእል ዝነበረ ዕድል'ኳ እንተረኸበ ተኸላኸልቲ ቱኒዝያ ስለ ዝተወተፍዎ ክትኮነሉ ኣይከኣለትን።

ሽወደን ከኣ ክሳብ እዚ ሰዓት እዚ ንጸወታ ብ68 ሚእታዊት ዓብሊላ ካልኣይቲ ሸቶ ንምምዝጋብ ኣብ ምህዳን ተጸመድት። ተወሳኺ ሸቶ ከይተመዝገበ ከኣ ናብ ናይ ማይ ዕረፍቲ ኣምሪሖም።

ኣብ መበል 30 ደቂቕ ኣሌክሳንደር ካብ መልሰ መጥቃዕቲ ብዝመጽኣቶ ኵዕሶ ውሕሉል ክእለት ሓዊሱ ንዕኡ ነታ መበቈሉ ዝዀነት ኤርትራን ኣብ ዋንጫ ዓለም ናይ መጀመርታ ሸቶ ኣመዝጊቡ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ከኣ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንሸቶ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ክጽንብልዋ ተራእዮም።

ዕረፍቲ ኣብ ምእካሉ ኣብ መበል 43 ደቂቕ ሃገራዊት ጋንታ ቱኒዝያ ብመንገዲ ረኪኪ ሸቶ ስለዘመዝገበት 2 ብ 1 ናብ ዕረፍቲ ኣምሪሐን።

ድሕሪ ዕረፍቲ ሽወደን ኣብ መበል 59 ጆኮረስ ካብ ኣሌክሳንድ ዝተቐበላ ሸቶ ከመዝግብ እንከሎ ኣብ 84 ደቂቕ'ውን ደጊሙ ኣሌክሳንደር ንስቫንበርግ ዝሃቦ ኵዕሶ ሸቶ ሰሪሑዋ።

ነታ ፈላሚት ሸቶ ዘመዝገበ ኣያሪ ከኣ ኣብ ተወሳኺ ግዜ ኣብ መበል 96 ደቂቕ ንዕኡ ካልኣይቲ ንጋንታኡ ሓምሸይቶ ሸቶ ብምምዝጋብ ነቲ ጸወታ ብቂሐ- ጽልሚ መዛዘሚ ገይሩሉ።

ኣሌክሳንደር ከኣ ዝበለጸ ተጸዋታይ ናይቲ ግጥም ተባሂሉ ክሽለም ክኢሉ ኣሎ።

ካልኣይ ናይ ምድብ ጸወታ ሽወደን 20 ሰነ ኣንጻር ኔዘርላንድስ'ዩ ክኸውን።

ኣብ ታሪኽ ፕሪሚየርሊግ ብዝኸበረ ዋጋ ካብ ኒውካስል ናብ ሊቨርፑል ዝተሰጋገረ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ መስበርቲ ተሓዊስዎ ናብ ንቡር ብቕዓት ስለዘይተመለሰ፡ ናብታ ጋንታ ካብ ዝጽንበር ኣርባዕተ ሸቶታት ጥራይ'ዩ ከመዝግብ ክኢሉ።