ትግራይ፡ እቲ ተቓውሞ ዝገጠሞ ኣዋጅ ክትግበር ትእዛዝ ተመሓላሊፉ

ኣብ ትግራይ ንሰሙናት ከካትዕ ዝቐነየ ኣዋጅ ግዱድ ወተሃደራዊ ግልጋሎት፡ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትእዛዝ ተመሓላሊፉ።
ቁፅሪ 366/218 ዝብል መፀውዒ ዝተውሃቦ እዚ ሓድሽ ኣዋጅ 46 ገፅ ዝሓዘ ዀይኑ፡ ኣብ ውሽጡ ክሳብ ብሞት ዘቕፅዑ ብርክት ዝበሉ ኣንቀፃት ዝሓዘ እዩ።
ብዙሓት ተጋሩ ነቲ ኣዋጅ ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራውን፡ ስሩዕን ሚድያት ተቓውሞ ከስምዑ ዝቐነዩ ዀይኖም፡ ካብ ተሪር ትሕዝቶ እቲ ኣዋጅ ጀሚሩ ክሳብ ግዜ ተፋፃምነት ይንቀፍ፤ ገለ ተረርቲ ኣንቀፃት'ቲ ኣዋጅ፡ ኲናት ትግራይ ዝተጀመረሉ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም [ግ] ንድሕሪት ተመሊሱ ግብራዊ ከምዝኸውን ይድንግግ።
ነዚ መሰረት ብምግባር ዓለምለኸ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ኣዋጅ 'መዝማዝን ኣሰካፍን' ብምባል ክኽለስ ወይ ድማ መሊኡ ክስረዝ ጸዊዑ።
ኣብ ኢድ ቢቢሲ ትግርኛ ዝኣተወ፡ ብረቡዕ 17 ሰነ 2018 ዓ.ም.ግ ዝወፅአ ደብዳበ፡ እቲ ንሕገ-መንግስታዊ መትከላት ዝጥሕስ ተባሂሉ ዝንቀፍ ኣዋጅ፡ ካብቲ ዝተጠቐሰ ዕለት ጀሚሩ ግብራዊ ክኸውን ከምዝተወሰነ የመልክት።
"ኣብ ዝሓለፈ ጉባኤና ዝፀደቐ 'ኣዋጅ ህላወን ድሕነትን ህዝቢ ትግራይ' ገፅ 46 ዝሓዘ ኣዋጅ ክሳብ ብነጋሪት ጋዜጣ ዝሕተም፡ ብግዝያውነት እንዳሰራሕኹምሉ [ክትፀንሑ] ነተሓሳስብ" ይብል።
እቲ ናብ ቢሮ ፍትሒ ዝተፅሓፈ ደብዳበ፡ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ናብ ኮምሽን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ቅዳሕ ዝተገብረ ዀይኑ፡ ብምክትል ኣፈጉባኤ እቲ ክልል፡ ምሕረት በርሀ ሓጎስ ተፈሪሙ ዝወፅአ ትእዛዝ ምዃኑ ተመልኪቱ ኣሎ።
እቲ ሓድሽ ክልላዊ ቤት ምኽሪ፡ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተኪኡ፡ ስልጣን ዝተቘፃፀረ ኣካል ነቲ ሰነድ፡ 24 ግንቦት 2018 [ግ] ከም ዘፅደቘ እዩ ዝገልፅ። እንተዀነ እዚ ሰነድ ከም ዝፀደቐ ኣብቲ እዋን ብዝዀነ መንግስታዊ ኣካል ኰነ ክልላዊ ሚድያ ኣይተገልፀን ነይሩ።
ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣዋጅ ዝስማዕ ዘሎ ተቓውሞ
ሰብመዚ ትግራይ፡ ዘጽደቕዎ ንዜጋታት ብግዲ ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘእቱን ንተቓወምቲ ድማ ከቢድ መቕጻዕቲ ዝውስንን ዝበሎ ሓድሽ ኣዋጅ ክስርዝዎ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ጸዊዑ።
"ተጋሩ ገና ካብ በሰላታት እቲ ኣዕናዊ ኲናት ክልተ ዓመት ኣየሕወዩን ዘለዉ፡" ክትብል ዝገለጸት ኣብ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች ምክትል ዳይረክተር ኣፍሪቃ ዝዀነት ላቲሽያ ባደር፡ "ሰበስልጣን እቲ ክልል ነቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ውጥረት ንምፍታሕ፡ ንሲቪላውያን ብግዲ ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብምእታውን ነዚ ተግባር ንዝነቕፉ ብምቕጻዕን ክኸውን የብሉን፡" ኢላ።
እቲ ንዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሪሱ ስልጣን እታ ክልል ብሓይሊ ዝመንዝዐ ህወሓት ዝመርሖ ቤት ምኽሪን መንግስትን ትግራይ ነዚ ኣዋጅ ወተሃደራዊ ክተትን ጻውዒትን ዘጽደቐሉ ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል ዘንጸላሉ ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣት ንምምካት ከም ዝዀነ እዩ ዝገልጽ።
ህወሓት፡ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብ5 ግንቦት 2026 ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ በጀት እቲ ክልልን መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስትን ብምኽላእ፡ ከምኡ'ውን ዕድመ ስልጣን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ፕረዚደንቱን በይናዊ ብዝዀነ መንገዲ ብምንዋሕ ንሓድሽ ዕጥቃዊ ግጭት ይለዓዓል ኣሎ ክብል ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።
በዚ መሰረት ድማ፡ ብዕድመን ቍመናን ብቝዕ ዝዀነ ኵሉ ትግራዋይ ነዚ ዝተገልጸ "ህላወኣዊ ሓደጋ ክከላኸል" ፡ ግዱድ ምልመላ ይካየድ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።
ይዅን እምበር፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ እቲ ሓድሽ ኣዋጅ "ዘይንጹርን ንተመዝማዝነት ክፉት ዝዀነ ሰፊሕ ትርጕም ዝህብን" ቋንቋ ዝተጠቕመ ምዃኑ ብምግላጽ ብትሪ ነቒፉ።
ብመሰረት ጸብጻብ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሰብስልጣን'ቲ ክልል፡ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ዝነበሩ ናብ ኣሃዱታቶም ክምለሱ ይእዝዙ ከም ዘለዉን፡ ገዛ ገዛ እናዞሩ ድማ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ዜጋታት ብግዲ ይምልምሉን ኣለዉ።
ኣብ ርእሲኡ፡ ካብቲ ወተሃደራዊ ምልመላ ንዘምልጡ መንእሰያት፡ ስድራቤቶምን ደቆምን ብሓይልታት ጸጥታ ይቕጽዑ ከም ዘለዉ፣ በዚ ዝተረበሹ ዜጋታት ድማ ነቲ ግዱድ ምልመላን ስግኣት ሓድሽ ኲናትን ብምፍራሕ ካብቲ ክልል ይሃድሙ ከም ዘለዉ እቲ ጸብጻብ የረድእ።
ቢቢሲ ትግርኛ እውን ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነዚ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ግፋን ማእሰርትን ዝምልከት ጸብጻብ ዘርጊሑ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ምክትል ኣቦ መንበር ህወሓት ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወተሃደራዊ ምልመላ፡ ብዓቢኡ "ኣብ ወለንታዊ ኣገልግሎት ጥራይ ዝተመስረተ" ከምዝዀነ፡ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል ተዛሪቡ።
ኣስገዳድ ብሄራዊ ፃውዒት
ብመሰረት እቲ ዝፀደቐ ኣዋጅ፡ ስትራተጂያዊ ናውቲ ምክልኻል ንዘበላሹ፡ ንሰላምን ጸጥታን ትግራይ ኣብ ሓደጋ ንዘውድቕ፡ ምስ ጸላኢ ንዝተሓባበር ወይ ንሓድነትን ግዝኣትን ትግራይ ንዘፍርስ - ዜግነቱ ብዘየገድስ - ብሞት ይቕጻዕ።
በዚ ድማ እቲ ትካል ሰብኣዊ መሰላት፡ መቕጻዕቲ ሞት ብዝዀነ ይዅን ኵነታት ከም ዝቃወሞ ኣዘኻኺሩ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ኣዋጅ፡ ነቲ ወተሃደራዊ ክተት ንዝነቕፉን ተቓውሞ ንዘለዓዕሉን ክሳብ 25 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ይውስን።
ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንዝሃድሙ ወይ ጻውዒት ንዘየኽብሩ ወይ ድማ ንኽሃድሙ ዝተሓባበሩ ... ክሳብ 50,000 ብር ኢትዮጵያ መቕጻዕቲ የንብር።
እቲ ኣብ ሽድሽተ ምዕራፍ ዝተወደበ አዋጅ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ዘይተለምዱን ካብቲ ስሩዕ ክልላዊ ይዅን ሃገራዊ ሕገ-መንግስቲ ወፃኢ ትርጓመታት ዝወሃቦም ገለ ድንጋታት ዝሓዘን ኰይኑ ይረአ።
ህወሓት፡ ነቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምፍራስ፡ በቲ ቅድሚ ኲናት ዝተመርፀ ቤት ምኽሪ ክትካእ ገይሩ እዩ።
እዚ ድማ ምስ መንግስቲ ፈደራል ዘሎ ወጥሪ ከየዕርጐ ተሰጊኡ ኣሎ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ እዩ፡ እዚ ንእዋን ኲናት ተሓሲቡ ዝወፅአ ዝመስል ኣዋጅ ግብራዊ ኰይኑ ዘሎ።
ኣብ ክፍሊ ሓደ፡ ዓንቀፅ 5 ከምዝተጠቕሰ፡ ዝዀነ ዕድመኡን ጥዕናኡን ዝፈቐደሉ ተወላዲ ትግራይ፡ ብመንግስቲ ትግራይ ንዝቐርበሉ ፃውዒት ክተት ተቐቢሉ ግቡእ ናይ ምፍፃም 'ብሄራዊ ግቡእ ኣለዎ' ይብል።
ኣብ ክፍሊ ሰለስተ፡ ኣብ ትሕቲ "ተሓታትነት ገበን" ኣብ ዝብል ድማ፡ ዝዀነ ኣብ ሰራዊት ትግራይ ክኣቱ ወይ ክጋደል ዘይከኣለ፡ ኣብ ደጀን ይዅን ኣብ ግንባር ግቡኡ ክፍፅም ፃውዒት ቀሪብሉ ዘይፈፀመ እንተዀይኑ፡ ካብ ዓሰርተ ሽሕ ክሳብ ሓምሳ ሽሕ ብር ተቐፂዑ፡ ግቡኡ ክፍፅም ከም ዝግደድ ይድንግግ።
ኣብ ልዕሊ መሰረተ-ልምዓት፣ ትካላት ህዝብን መንግስትን ዕንወት ምፍፃም፡ ምስ ፀላኢ ምትሕብባርን ምሽጥር ምብኻንን ብማእሰርትን ገንዘብን ዘቕፅዕ ከምዝዀነ ዝተገልፀ ዀይኑ፣ እቲ ተግባር ኰነ ኢልካ ዝተፈፀመ እንተዀይኑ ግን፡ ክሳብ ብዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ወይ ብሞት ከቕጽዕ ይኽእል - ይብል ዓንቀፅ 29-30።
ከምኡ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ሕግን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰብ-መዚ፡ ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ ጉድኣት ምብፃሕ፡ ብፍላይ ድማ እዚ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምንጋዕ ዝፈጠር እንተዀይኑ፡ ክሳብ ብዕድመ ልክዕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ወይ ድማ ክሳብ ብሞት ከቕፅዕ ዝኽእል ካልእ ገበን ኰይኑ ሰፊሩ ኣሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
