ኣብ ሆርሙዝ ንኣዋርሕ ዝተዓግተት መርከብ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Shipping and Logistics
ኤጀንሲ መጓዓዝያን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ተቐርቂራ ዝነበረት መርከብ ጽዕነት'ታ ሃገር - 'ኤምቪ ጊቤ' ኣመልኪቱ ንቢቢሲ መብርሂ ሂቡ።
ኣብ መወዳእታ ለካቲት፡ ምጅማር ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ስዒቡ፡ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ድሕሪ ምዕጻዋ፡ እታ መርከብ ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ተቐርቂራ ደው ኢላ ከምጸንሐት፡ ሓላፊ ክፍሊ ዕዳጋን ሓላፊ ርክባት ህዝብን ኣቶ ደምሰው በንቲ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣቶ ደምሰው ከም ዝበሎ፡ እታ መርከብ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ንኢራን ምጥቃዕ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ 21 ለካቲት 2018 [ግ]፡ ካብ ወደብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ - ሻርጃ ጕዕዞኣ ጀሚራ።
እታ 23 ኣባላት ሰራሕተኛታት ጽዒና ዝነበረት መርከብ፡ ናውቲ ሕክምናን ፍረታትን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ "ኣብ ኮንተይነር ዝተዓሸጉ" ነገራት ጽዒና ከም ዝነበረት እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ።
"ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ እቲ ኵነታት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ኣብ ሓደ ቦታ ክትዓርፍ ተገዲዳ" ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል፡ "ኣርባዕተ ኣዋርሕ ንኽመልእ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልታት ጥራይ ከም ዝተረፎ" ተዛሪቡ።
እታ መርከብ ኣብ ዝዓረፈትሉ ኣዋርሕ፡ ኣብ መንጎ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያን "ሰራሕተኛታት ጊቤ"ን ቀጻሊ ርክብ ከምዝነበረ ገሊጹ።
"ርክብና ኣይተቛረጸን፣ ብቐጻሊ ንራኸብ ኢና ነይርና፣ ዘድልዮም ነገራት ሒዞም እዮም ከይዶም። ንሕና ግን ዝዀነ ዘድልዮም ክረኽቡ ኵሉ ዝከኣለና ክንገብር ጸኒሕና ኢና።"
ብመሰረት እቲ ወሃቢ ቃል፡ እታ መርከብ "መግብን ካልእ ኣገዳሲ ነገራትን" ሒዛ ስለ ዝነበረት፡ "ኣብቲ ንኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ ዝነበረ ደውታ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ዘጋጠመ ርኡይ ጸገም ኣይነበረን።"

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Shipping and Logistics
ይዅን'ምበር ኣብ ከምዚ ዝበለ ጽንኩር ኵነታት ምጽናሕ ንርእሱ "ከቢድ" ምዃኑ ኣረዲኡ።
ንሱ ወሲኹ፡ እታ 'ጊቤ' ብዝብል እትፍለጥ መርከብ ሕጂ፡ "ብሰላም ካብቲ ከባቢ ወጺኣ" ብወሽመጥ ዖማን ኣቢላ ጕዕዞ ጀሚራ ከምዘላ ሓቢሩ።
ንሱ፡ እታ መርከብ "ኣብ ባሕሪ ዝዀነ" ዕንቅፋት እንተዘይኰይኑዋ፡ ድሕሪ ኣስታት ክልተ ሰሙን ማለት ከባቢ 30 ሰነ ናብ መዕረፊኣ - ኣብ ጅቡቲ - ክትበጽሕ ትጽቢት ከምዝግበር ሓቢሩ።
እታ መርከብ፡ ኣብዚ እዋን፡ ብኸመይ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክትሓልፍ ከምዝኸኣለት ምስ ተሓተተ፡ ኣቶ ደምሰው፡ "እዚ ጉዳይ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ 'ዩ" ብምባል ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ።
ኣመሪካን ኢራንን፡ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ምኽፋት ዝርከቦ፡ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ካብ ዝበጽሑ ንደሓር፡ ብቐዳም ጥራይ 42 መራኽብ ከምዝሓለፋ፡ ካብ ትካል ስለያ ጸጥታ 'ኬፕለር' ዝተረኽበ መረዳእታ ኣመልኪቱ።
ቅድሚ ምዕጻዉ፡ እቲ 20 ሚእታዊት ካብ ነዳድን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዓለምና ዝመሓላለፈሉ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 138 መራኽብ ይጥቀማሉ ነይረን።
ኢራን ነቲ መጻብቦ ድሕሪ ምዕጻዋ፡ 1150 ናይ ጽዕነት መራኽብን ልዕሊ 20 ሽሕ ሰራሕተኛታትን ንኣዋርሕ ኣብኡ ክጽበዩ ተገዲዶም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
