ኢትዮጵያ፡ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም 17 'ሓደገኛታት' ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፈደራላዊ ፖሊስ ኢትዮጵያ፡ ንሞት "ልዕሊ 60" ስደተኛታትን "ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮ" ብምዕማጽን ተሓተትቲ ምዃኖም ዝጠርጠሮም 17 "ሓደገኛታት ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት" ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ገሊጹ።

እቶም ኣብ የመን፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት "ኣዝዩ ኢሰብኣዊ ተግባራት" ከም ዝፈጸሙ ዝእመነሎም ጥርጡራት፡ "ካብ ግዳያት ልዕሊ 1 ቢልዮን ብር" ከም ዝኣከቡ'ውን ፖሊስ ብሰሉስ 14 ሓምለ 2018 [ግ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ እቲ ጕጅለ "መሓመድ ጣህር ዓደን" ወይ "ወርዲ" ብዝተባህለ ሰብ ዝምራሕ እዩ።

እቲ መራሒ ናይቲ ጕጅለ ሓዊሱ፡ እቶም ጥርጡራት፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ 17 ሰባት ስእሎም'ውን ወግኣዊ ገይሩ ሓቲሙ ኣሎ።

እቶም ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ፡ "ድሕሪ ጽዑቕ ክትትልን መርመራን ምኒስትሪ ፍትሒ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያን ጸጥታን፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት" ከም ዝዀነ ገሊፁ።

መግለጺ ፖሊስ ፈደራል፡ እቶም ውልቀሰባት መዓስን ኣበይን ከም ዝተኣሰሩ ኣየነጸረን።

ሓላፊ ክፍሊ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ፖሊስ ፈደራል ኣቶ ጀይላን ዓብዲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን፡ እቶም ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ዝተገብረ ስርሒት፡ "ንዝሓለፉ 15 መዓልታት ከም ዝተኻየደ" ሓቢሩ።

ብተወሳኺ እቶም ውልቀሰባት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ክልል ሃረሪን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር፡ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ሓቢሩ።

ፖሊስ ፈደራል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ኣተዉ፡ "ብሰብኣውን ሰነዳውን መርትዖታት ዝተሰነየ፡" ናይ መርመራ ፋይል ተኸፊቱ ናብ ምኒስትሪ ፍትሒ ከም ዝተሰጋገረ ሓቢሩ።

እቲ "ሓደገኛ ኣሰጋጋሪ" ከም ዝዀነ ዝንገረሉ ብመሓመድ ጣህር ዓደን ዝምራሕ "ዝተወደበ ገበነኛ ጕጅለ" ሰባት ናብ ስዑዲ ዓረብ ብዘይሕጋዊ የሰጋግር ከም ዝነበረ እቲ መረዳእታ የመልከት።

እቶም ስደተኛታት ካብ ምብራቓዊ ኢትዮጵያ ተበጊሶም ብጅቡቲን የመንን ኣቢሎም ከም ዝግዕዙ ይግለጽ።

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ "ብደላሎ ኣቢሎም" ስደተኛታት ከም ዝመልመሉ እውን ሓቢሩ።

"እቶም ጥርጡራት መርበብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብምቛም፡ ነቶም ግዳያት ብየመን ኣቢሎም ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣትዮም ዝሓሸ ህይወት ክነብሩ ምዃኖም ብሓሶት ቃል ኣእሚኖምን ኣታሊሎምን።"

ብመሰረት ጸብጻብ ፖሊስ ፈደራል፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዶብ ምስ ሰገሩ "ኣዝዩ ኢሰብኣዊ ተግባራት" ከም ዝተፈጸሞም ምፍላጥ ተኻኢሉ።

እቶም ስደተኛታት፡ "ናብ የመን ምስ ሰገሩ፡ ኣብ የመን ኣብ ውሽጢ ብፍሉይ ዝተሃንጹ መኽዘናት ተዳጒኖም፡ ዘስካሕክሕ ኢሰብኣዊ ተግባራት ተፈጺሙዎም፡" ይብል እቲ ሓበሬታ።

ኣብዘን መኽዘናት ካብ ዝተዳጐኑ ስደተኛታት "ብዙሕ ገንዘብ" ከም ዝተመዝበ'ውን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

ከምኡ'ውን፡ ፖሊስ ፈደራል፡ ነቶም ግዳያት "ክሃርሙን ከሳቕዩን ዘርኢ ቪድዮታት ቀሪጹ" ነቶም ገንዘብ ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ኣባላት ስድራ ምልኣኾም ኣረጋጊጹ።

ብዚ ገበን እዚ፡ "ብዘይሕጋዊ መንገዲ ልዕሊ 1 ቢልዮን ብር ከም ዝተቐበሉን" ፡ "ልዕሊ 40,000 ሰባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምስግጋሮምን፡" ገሊጹ።

"ልዕሊ 60 ሰባት ተቐቲሎም፡ ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮ ተዓሚጸን" ዝበለ እቲ መግለጺ ፖሊስ፡ እቶም ጥርጡራት ነዚ ኵሉ ግፍዕታትን ገበናትን ተሓተትቲ ምዃኖም ሓቢሩ።

እዚ ተግባራት ብዝምልከት፡ ፖሊስ "ካብ ስዑዲ ዓረብን ኢትዮጵያን ካብ ሓያሎ ሰባት" ብቪድዮን ምስልን ዝተሰነየ ምስክርነት ከም ዝበጽሖ ወሲኹ ሓቢሩ።

እቶም ውልቀሰባት ብዝረኸብዎ ገንዘብ "ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ቀዋሚን ተንቀሳቓስን ንብረት ከም ዘጥረዩ" ዝገለጸ ፈደራል ፖሊስ፡ "ገዛኦም፡ መካይኖምን ገንዘቦምን ተኣጊዱ፡" ከም ዘሎ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂ ሰባት፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ዝተጠርጠሩ ሰባት ዝተገበረ ምርመራ ገበን፡ ተዛዚሙ እቲ ጉዳይ ናብ ምኒስተር ፍትሒ ከም ዝተመሓላለፈ ተገሊጹ።

ትካላት ፍትሒ ፈደራል፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ እቲ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ልዑል ብርኪ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ዝተሳተፉ ጥርጡራት፡ ዝተወሰደ ስጕምትታት ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ቤትጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ፈደራል፡ ኣብ ጥሪ 2018 [ግ] ኣብ ሊብያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ኢትዮጵያ ዝወጽኡ ስደተኛታት ገንዘብ ተቐበሎምን ጨውዮምን ኣብ ሊብያ ኣቐሚጦም ዝተባህሉ 28 ጥርጡራት ክሲ ከም ዝመስረተ ምግላጹ ይዝከር።

ካብቶም በዞም ተኸሰስቲ ዝተሰጋገሩ ስደተኛታት፡ ክልተ ህይቶም ክስእኑ እንከለዉ፡ እቶም 15 ድማ ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

ኣብ መጋቢት፡ ፖሊስ ፈደራል፡ "ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዝድለ ሓደገኛ ኣሰጋጋሪ ደቂ ሰባት" ይትባረኽ ዳዊት (ክብሮም) ምስ ትሽዓተ መሻርኽቱ ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓሉ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ፈደራል ፖሊስ፡ ን "ልዕሊ 100 ሰባት ኣቕቲሉን ልዕሊ 50 ደቂ ኣንስትዮ ኣዓሚጹን" ብዝብል ገበን ዝጠርጠሮ ይትባረኽ ዳዊት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዎ ይዝከር።

ካብቶም ብጅቡቲ-የመን ኣቢሎም ናብ ስዑዲ ዓረብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝጓዓዙ ዜጋታት፡ ብዙሓት ካብ ትግራይ ከም ዝርከቡዎም ጸብጻባት ይሕብሩ።