ህወሓት ኣብ መፃኢ ጉባኤኡ መንእሰይን ምሁራትን ከእቱ እየ ኢሉ

Published

ህወሓት ኣብ መፃኢ ጉባኤኡ ብርክት ዝበለ ሓዱሽ ሓይሊ መንእሰይን ምሁራትን ከእቱ እየ ኢሉ።

መበል 13 ውድባዊ ዋዕላ ህወሓት መስከረም 16 ኣብ መቐለ ክካይድ'ዩ።

ኣብቲ ጉባኤ 1650 ሰባት ብድምፅን ብዘይ ድምፅን ከምኡ እውን ዕዱማት ኣጋይሽን ክሳተፉ እዮም እንትብሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ገሊፆም።

ብተወሳኺ፡ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት እውን ንኽሳተፉ ክዕደሙ እዮም ተባሂሉ።

ዛጊድ ንቲ ጉባኤ ዝመርሕ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ተጣይሹ'ሎ።

ኣባላት ውድብ ትሕዝቶ እቲ ውድባዊ ዋዕላ ዝተዛተይሉ እንትኾን፤ መረፃ ተሳተፍቲ ድማ ይሳለጥ'ሎ።

እቲ ውድባዊ ዋዕላ "ጉባኤ ፅንዓትን ሓድነትን ንህዳሰና" ብዝብል ስያመ እዩ ክካየድ።