ቀብሪ ኣብ ጣና በለስ ዝተቐተሉ ሰባት ሎሚ ተፈፂሙ

Published

ሰራሕተኛ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪን ዝነበሩን ኣብ ጣና በለስ ዝተቐተሉን ኣይተ ሓድጉ ካሳ ኣብ ትውልዲ ቦታኦም ኣብ ኲይሓ እንዳ ጨርቆስ ስነ ስርዓት ቀብሮም ትማሊ እዩ ተፈፂሙ።

ኣስከሬን ሃብቶም ሃይለ ድማ ስድርኡ ናብ ዝርከብዎ ናብ ሓውዜን ጣብያ ሞዙተይ ትማሊ ተሰንዩ: ስርዓተ ቀብሩ ሎምዓልቲ ኣብ እንዳ ማርያም ተፈፂሙ'ሎ።

ኣስከሬን ሮቤል ያእቆብ ሎምዓንቲ ወጋሕታ ብርክት ዝበለ ህዝቢ መቐለ ኣብ ዝተረኸበሉ ኣብ እንዳ ጋብር ሓመደ ድበ ለቢሱ።

ኣዲኡን ሓፍቱን ንሮቤል ፅባሕ ካብ ኣስመራ ናብ መቐለ ከምዝኣትዋ ተሓቢረ ኣለኹ፡ ይብል ሪፖርተር ቢቢሲ ግርማይ ገብሩ።

ኮኾብ ገብረፃዲቕ ንሮቤል ብቐረባ ዝፈልጦን መታዓብይቱን እዩ:: "እቲ ኩነታት ብጣዕሚ ዘሕዝንን ዘተሓሳስብን እዩ። ዘርኢ ፈሊኻ ዝፍፀም ዘሎ ምስ ምዃኑ ድማ ዝኸፈአ ነገር እዩ። መንግስቲ ጠመተ ሂቡ ሓደ ፍታሕ ተዘይሂቡ እቲ ኩነታት ናብ ዝኸፈአ ክኸይድ ብርኪ እዩ። መዓልቦ ክግበረሉ ኣለዎ" ይብል።

"ካብቲ ዝነበርናዮ ግዜ ሕዚ ከፊኡና'ሎ" ኢሉ ኮኾብ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣቀባብላን ቀብሪን ዝተረኸቡ ሓላፊ ርክብ ህዝቢን መንግስትን ከተማ መቐለ ኣይተ ዘመንፈስቅዱስ ፍስሃ ብወገኖም "መንግስቲ ክልልና ንቶም ሕዚ ግዳያት ኮይኖም ዘለዉ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ንዘለዉ ተጋሩ ብመንነቶም ዝመፅእ ሳዕቤንን ሞትን ንኽዕገት ንማእኸላይ መንግስቲ ሕቶ ኣቕሪቡ'ሎ" ብምባል ንቢቢሲ ገሊፆም።

"መበገሲ ሞት እቶም ወገናት ክፃረን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ፃዕሪ ይግበር'ሎ" ክብሉ ድማ ወሲኾም።