ኣንዳርጋቸው ፅጌ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ

Published

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሽብርተኛ ኢሉ ናይ ዝፈረዶ ምንቅስቓስ ጉንበት ሸዉዓተ ዋና ፀሓፊ ዝኾነ ኣይተ ኣንዳርጋቸዉ ጽጌ ሰሉስ ኣጋ ግዘ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ ኣብ መንበሪ ገዛ ወላዲኡ እንትበፅሕ ብርክት ዝበሉ ፈተውቱን ኣዝማዱን ኣቀባብላ ገይሮምሉ።

ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ እንዳ ወለዱ ንዝተኣከቡ ፈተውቱ ዘረባ ዘስመዐ ኣይተ ኣንዳርጋቸው "ኣነ ተፈቲሐ 'ለኹ፤ ኢትዮጵያ ግን ብዙሓት ዘይተፈትሑ ፀገማት ኣለውዋ" ኢሉ።

ዝተገበረሉ ኣቀባብላ ዘይተፀበዮ ምዃኑ ገሊፁ ኢትዮጵያውያን ካብ ማእሰርቲ ክፍታሕ ፃዕሪ ከምዝገብሩ ግን እምነቱ ከምዝነበረ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ ድማ ኣብ ማእሰርቲ እናሃለወ "ፍትሑኒ ኢለ ኣይሓተኩምን፤ ግን ከኣ ምሳኹም ዝሰራሕኩሉ ግዘ ዘኪርኩም ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ተግባራዊ ግበሩዎ" ኢሉ ንመርመርቱ ሓቲቱ ከምዝነበረ ተዛሪቡ።

ኣብ ማእሰርቲ እናሃለወ ኣብ ቴሌቪዥን ብዛዕባ ዝተፈነወ ናይ ምርመራ ቪድዮ እንትዛረብ "ሰብ እናሰሓቐ ክሞት ከምዝኽእል ከሪኤኩም እየ ኢለዮም፤ ንሳቶም ግን ቆራሪፆም ኣቕሪቦምዎ" ኢሉ።

ኣይተ ኣንዳርጋቸው ብፍሉይ ይቕረታ ከምዝፍታሕ ዓቃቢ ሕጊ ዝሓለፈ ቐዳም ከምዝገለጸ ዝዝከር'ዩ።

ስድራ ኣንዳርጋቸው ፅጌ ክሳብ ሎሚ ምፍትሑ ክፅበዩ እዮም ፀኒሖም።

ኣብ ለንደን እትነብር መፃምዱ ወይዘሮ የምስራች ሃይለማርያም፡ ኣንዳርጋቸው ፅጌ ክፍታሕ'ዩ ምስ ተብሃለ ዓብዪ ሓጎስ ከምዝተሰምዓ ገሊፃ ነይራ።

"ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምሕላፍ ዝፈጥሮ ጽዕንቶ ምግማት ኸቢድ'ዩ። ኮይኑ'ዉን ግና ድሕሪ ሕዚ ናብ ጽሑፍ ከዘንብል'ዩ ኢለ ይሓስብ" ትብል።

ደቀይ ከምዝፍታሕ እንትነግረን፡ ብታሕጓስ ነቢዐን ክትብል'ዉን ትገልጽ።

ኣይተ ኣንዳርጋቸው መንግስቲ ኢትዮጵያ "ሽብርተኛ" ኣብ ዝበሎ ሰልፊ ጉንበት ሸዉዓተ ብዛዕባ ዝነበሮ ሓላፍነትን ኩነታት ስድርኡን ዝተሓተት ወይዘሮ የምስራች፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ምንቅስቓስ ዘለዉ ሰባት ምስ መንግስቲ ዝህልዎም ርክብ ዝተፈለጠ'ዩ፤ ዝኾነ ነገር ክፍጠር ከምዝኽእል እግምት ነይረ ኢላ።

ዜግነት ዓዲ ኢንግሊዝ ዘለዎ ኣቶ ኣንዳርጋቸዉ ብገበን ሽብር ክልተ ግዘ ክሲ ተመስሪቱዎ ብዕድመ ልክዕ ክቕጻዕ ተፈዱዎ ነይሩ።