እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ, ድሕሪ ትራምፕ፡ ሺ ጂንፒንግን ቭላድሚር ፑቲንን ኣብ ቤጂንግ ተራኺቦም

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ድሕሪ ዑደት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ምስ ሺ ጂንፒንግ ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ተረኺቡ። እዚ ኣብዚ ዓመት ናይ ፑቲን ናይ መጀመርታ ናይ ወጻኢ ምብጻሕ'ዩ - ቻይና ነታ እናተነጸለት ትኸይድ ዘላ ሩስያ ክሳብ ክንደይ ወሳኒት ከም ዀነት'ዉን ዘንጸባርቕ'ዩ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኲናት ንምብቃዕ ዝዓለመ ዘተ ሰላም ክቕጽልኦ ተማሕጺኖም። እቲ ግጭት "ኣብ ኢራን ዝርከቡ ብዝሒ ዘለዎም ንጹሃን ሰባት ንመከራ ኣቃሊዑዎም እዩ፡" ኢሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
  • ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ተሓዲሱ ዘሎ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህን ዘሎ ግጭት ምሉእ ብምሉእ ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ርግጸኛ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
  • "ኣመሪካ፡ ሊባኖስ ካብ ሕዝቦላህ ርእሳ ንኽትከላኸል ንምሕጋዝ ምስኣ ክትሰርሕ እያ፡" ክብል ትራምፕ ኣፍሊጡ።
  • ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ፡ ኢራናውያን ስፖርተኛታት ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክሳተፉ ከም ዘይክእሉ ካብ ወገን ኣመሪካ ዝነገሮም ሰብ ከም ዘየሎ ገሊጹ። እንተዀነ፡ "ብዙሓት ግብረ-ሽበራውያን 'ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን' ከም ጋዜጠኛታትን ኣሰልጠንቲ ስፖርትን ኣምሲሎም ናብ ሃገርና ሒዞሞም ክመጽኡ ኣይፍቀድን እዩ፡" ኢሉ።
  • ጀርመናዊ መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ነፈርቲ 20,000 ኣብ ውሽጢ ኣውሮጳ ዝካየድ ሓጸርቲ በረራታት ክስርዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ።ሉፍታንዛ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ክታበት ለበዳ ኢቦላ ንምድላው ትሽዓተ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል

    ክታበት ለበዳ ኢቦላ ንምድላው ትሽዓተ ኣዋርሕ ክወስድ ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።

    እዚ መጠንቀቕታ ዝወሃብ ዘሎ፡ ቁጽሪ ብለበዳ ኢቦላ ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ።

    ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ብኢቦላ ከምዝተለኸፉ ዝተጠርጠሩ ሰባት 600 ከምኡ’ውን ዝሞቱ 139 ሰባት ከምዝሞቱ እኳ እንተገለፀ፡ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ንምፍላጥ ዝወስዶ ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው ግን እቲ ቁጽሪ ክውስኽ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

    ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ ጀነቫ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብታ ፈላማይ መልከፍቲ ዝተመዝገበላ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ 51፡ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዩጋንዳ ድማ ክልተ መልከፍቲ ከምዝተረጋገጹ ሓቢሩ።

    ብሰንበት ውድብ ጥዕና ዓለም ህጹጽ ኩነታት ጥዕና ህዝቢ ዓለም ለኻዊ ስክፍታ ኣዊጁ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ኵነታት ግን ለበዳ ከምዘይኮነ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

  2. ሩስያን ቻይናን ንወተሃደራዊ ስጕምትታት ኣመሪካ ይነቕፋ

    ካብቲ ሩስያን ቻይናን "ምዕሟቕ ዝምድናታት ሰናይ ጕርብትና፡ ምሕዝነትን ምትሕብባርን" ዝብል ሓባራዊ መግለጺ ተወሳኺ ርእይቶታት ይህባ ኣለዋ።

    ሺን ፑቲንን "ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ዝፍጸም ብድዐ ዝመልኦ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ንኸምዚ ዓይነት መጥቃዕቲታት ንምድላው ድርድር ከም መሸፈኒ ምጥቃም፡ ቅትለት መራሕቲ ልኡላውያን ሃገራት፡ ምርግጋእ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታት እዘን ሃገራትን ምትኹታኽ ናይ ስርዓት ለውጥን፡ ከምኡ'ውን ሃገራውያን መራሕቲ ብድፍረት ብምጭዋይ ናብ ፍርዲ ምውሳድ፡" ኰኒኖም።

    እቲ መግለጺ ኣብ መላእ ዓለም ንዝካየዱ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ወተሃደራዊ ምትእትዋት ዝኹንን ኰይኑ፡ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ኢራንን ቬንዙዌላን ዝወሰደቶ ተግባራት ዝነቅፍ ይመስል።

    ከምዚ ዓይነት ተግባራት "ንዕላማታትን መትከላትን ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ስርዓታት ኣህጉራዊ ሕግን ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ብዓቢኡ ዝጥሕስ ኰይኑ፡ ኣብ መሰረታት ናይቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተመስረተ ስርዓት ዓለም ሰፍ ዘይብል ጉድኣት የስዕብ፡" ይብሉ።

    ኣብ ካልኣይ እብረ ፕረዚደንትነት ትራምፕ ኣብ ዙርያ ህሉው ስርዓት ዓለም ስክፍታታት ኣብ ዝፍጠረሉ ዘሎ እዋን፡ ሺን ፑቲንን ንነብሶም ኣብ ቅድሚ ሓድሽ ኣህጉራዊ ስርዓት እናቐመጡ ይመጽኡ ኣለዉ።

  3. ሺን ፑቲንን ካብ ልዕሊ 20 ቀዳሞት ስምምዓት ፈሪሞም

    ሺን ፑቲንን ኣብ መንጐ ቻይናን ሩስያን ዘሎ ስትራተጂካዊ ምውህሃድ ዝያዳ ንምሕያል፡ ከምኡ'ውን "ሰናይ ጕርብትናን ምሕዝነታዊን ምትሕብባር ምዕሟቕን፡" ዝብል ሓባራዊ ስምምዓት ፈሪሞም ኣለዉ።

    ሕጂ ድማ ኣብ ካልኦት ዝተፈላለዩ ጉዳያት፡ እንተላይ ኣብ ስምምዓት ምትሕብባር ንግድን ቴክኖሎጅን ዝምልከት ተወሳኺ 20 ሰነዳት ክፍርሙ ትጽቢት ይግበር።

  4. ንቻይናን ሩስያን ዘተኣሳሰረን ገመድ እንታይ እዩ?

    ፕረዚደንታት ሺ ጂንፒንን ቭላድሚር ፑቲንን፡ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ቲያንኣንመን ኣደባባይ በይጂንግ እናተዛወሩ፡ ብዛዕባ ዕድመ ደቅ-ሰብ ዝናውሓሉ ተኽእሎታት ከዕልሉ ተሰሚዖም ነይሮም።

    እዚ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ዕላል፡ እዞም ክልተ መራሕቲ ዘለዎም ርክብ ክሳብ ክንደይ ሱር ዝሰደደ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

    ፑቲን ኣብዛ ሰሙን ናብ በይጂንግ ክምለስ እዩ፣ እዚ ድማ ክልተአን ሃገራት ስምምዕ ካብ ዝፈራረማ መበል 25 ዓመት ምስ ዝገበራሉ ተጋጢሙ ኣሎ።

  5. ውዕል ሰናይ-ጕርብትናን ምሕዝነታዊ ምትሕግጋዝን እንታይ እዩ?

    መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ቻይና፡ ውዕል ሰናይ ጉርብትናን ምሕዝነታዊ ምትሕግጋዝን ቻይናን ሩስያን ከም ዝተናውሐ ጸብጺበን ኣለዋ።

    እቲ ስትራተጂካዊ ውዕል፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ሰላማዊ ዝምድና፡ ቁጠባዊ ምትሕብባር፡ ከምኡ’ውን ዲፕሎማስያውን ጂኦፖለቲካውን ምርኰሳ ክህሉ ዝጠልብ እዩ።

    ብተወሳኺ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ውዕላት ምክልኻልን ዝምልከት ድንጋገታት ዘጠቓለለ እዩ።

    እቲ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ውዕል፡ ኣብ 2001 ብፑቲንን ሽዑ መራሒ ቻይና ዝነበረ ጂያንግ ዘሚንን ዝተኸተመ እዩ።

    ኣብ ለካቲት 2022 ድሕሪ ምውድኡ ንተወሳኺ 5 ዓመት ተናዊሑ፤ ሕጂ ድማ መሊሱ ከም ዝተናውሐ ይግለጽ።

  6. ፑቲን፡ ነዚ ኣኼባ ንነዊሕ እዋን ክጽበዮ ከም ዝጸንሐ ይዛረብ

    ብመሰረት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሩስያ ታስ፡ ፑቲን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበሮ ንሺ "ክቡር ዓርኪ" ኢሉ ጸዊዑዎ።

    "ዋላ'ውን ንሓንቲ መዓልቲ እንተዘይተራኸብና፡ ሰለስተ ቀውዒ ዝሓለፈ ኰይኑ'ዩ ዝስምዓና" ዝብል ሓደ ምሳልያ ኣዘራርባ'ውን ኣዘኪሩ።

    እዚ ብልሙድ፡ ሓደ ትርጉም ዘለዎ ፍጻመ ንኽፍጸም፡ ወይ ድማ ሓደ ዕላማ ንኽዕወት ዝግበር ኣጸጋሚ ትጽቢት ንምግላጽ ዝጥቀመሉ ነይሩ።

    ርክብ ሞስኮን ቤጂንግን "ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ልዑል ደረጃ" ከም ዝበጽሐ ፑቲን ገሊጹ።

    ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ መንጐ ሩስያን ቻይናን ዝግበር ንግዳዊ ምልውዋጥ ልዕሊ 30 ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ኣመልኪቱ ይብል ጸብጻብ ታስ።

    ፑቲን፡ ንሺ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናብ ሩስያ ክበጽሕ ዓዲሙ'ሎ፤ ዝምድና ቤጂንግን ሞስኮን "ዓለማዊ ምርግጋእ ኣብ ምምጻእ ይሕግዝ ኣሎ፡" ክብል'ዉን ተዛሪቡ።

    ሺ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት እዩ ናብ ሩስያ በጺሑ።

  7. 'ልዕልና ሓደ ወገን እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ' - ቻይና

    መራሒ ቻይና፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለም ናይ 'ሓደ ወገን ልዕልና ይእናዓበየ' ይመጽእ ኣሎ ምባሉ ጸብጻባት የመልክቱ።

    ከምቲ ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ቻይና ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ርክብ ቻይናን ሩስያን ናብዚ ደረጃ ዝበጽሐሉ ምኽንያት ክልቲአን ሃገራት "ብቐጻሊ ሓድሕዳዊ ፖለቲካዊ ምትእምማንን ስትራተጂካዊ ምትሕግጋዝን" ከዕሙቓ ስለ ዝኸኣላ ምዃኑ ገሊጹ።

    ህሉው ኣህጉራዊ ኩነታት "ዝተሓላለኸን ዘይርጉእንኰይኑ፡ ልዕልና ሓደ ወገን ይዓቢ ኣሎ፡" ይብል ፕረዚደንት ቻይና።

    ቻይናን ሩስያን ከም ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ኣገደስቲ ሓይልታት ዓለምን መጠን "ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ስትራተጂካዊ ኣረኣእያ" ክሕዛን "ዝያዳ ፍትሓውን ርትዓውን ዓለማዊ ስርዓተ ምሕደራ፡" ንምህናጽ ክተሓባበራን ይግባእ ይብል ሺ።

  8. ቤጂንግን ሞስኮን ንሓድሕደን ክተሓጋገዛ ኣለወን - ሺ

    ልኡኻት ቻይናን ሩስያን ኣብ ቤጂንግ ተራኺቦም። ፕረዚደንት ሺ፡ ኣብ መኽፈቲ መደረኡ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ልምዓትን ምሕዳስን ክተሓጋገዛ ከም ዘለወን ንፑቲን ከም ዝገለጸሉ፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ቻይና ጸብጺበን።

    ሩስያዊ መዘንኡ ፑቲን ብወገኑ፡ ዝምድና ሩስያን ቻይናን ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ደረጃ ከም ዝበዝጸሐ ምግላጹ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

    ክልቲኦም መራሕቲ፡ በይናዊ ዝርርብ ዘካየዱ ኰይኖም፡ እዚ "ጸቢብ ቅርጺ ዘለዎ ኣኼባ" ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።

    እዚ፡ ብልሙድ ዝያዳ ተነቃፊ ጉዳያት ዝዝረበሉ ንእሽቶ ኣኼባ እዩ።

  9. ሞትን መልከፍትን ሕማም ኢቦላ ይውስኽ ምህላዉ ስግኣት ፈጢሩ

    ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ተቐልቂሉ ዘሎ ደግሲ ሕማም ኢቦላ ብናህሪ ይላባዕ ከይህሉ ስግኣት ከምዘለዎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።

    ገለ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ቀልጢፎም ይሞቱ ምህላዎም ፍርሒ ፈጢርሎም ከምዘሎ ተዛሪቦም።

    ቁጽሪ ናይቶም በቲ ሕማም ዝሞቱ 131 በጺሑ ከምዘሎን፡ ልዕሊ 513 ከምዝተለኽፉን ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጦም ኣለዉ።

    እቲ ሕማም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ከይሰፍሕ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ዛጊት ኣብ ዩጋንዳ ሓደ ሰብ ሞይቱ'ሎ።

    ኣመሪካ ብሰንኪ እቲ ኩነታት ኣብ ዩጋንዳ፡ ደቡብ ሱዳንን ኮንጐን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲታታ ኣግልግሎት ቪዛ ምሃብ ከተቋርጽ ተገዲዳ ምህላዋ ይፍለጥ።

    ሓደ ምስ ገባሪ ሰናይ ማሕበር ዝሰርሕ ዝነበረ ኣመሪካዊ ሓኪም፡ በቲ ሕማም ድሕሪ ምልካፉ ኣብ ጀርመን ይእለ ከምዘሎ ሰበስልጣን ጀርመን ሓቢሮም። ካልኦት ነቲ ቫይረስ ዝተቓልኡ 6 ዜጋታቶም ንምውጻእ ይሰርሑ ከምዘለዉ'ውን ሰብመዚ ምቁጽጻርን ምክልኻልን ኣመሪካ ገሊጾም ኣለዉ።

  10. ኢቦላ፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ይውስኽ ኣሎ

    ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ዳግም ተቐልቂሉ ዘሎ ሕማም ኢቦላ ዓለምለኻዊ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

    ዛጊት፡ ብውሕዱ 100 ሰባት በቲ ሕማም ሞይቶም ከምዘለዉ ሰብመዚ ጥዕና ኣፍሪቃ ሓቢሮም ኣለዉ።

    ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ ከምዝበሎ፡ 395 ሰባት በቲ ቀታሊ ቫይረስ ተለኺፎም ክኾኡ ከምዝኽእሉ ተጠርጢሩ'ሎ።

    እቲ መልከፍቲ ኣብ ኮንጐ ኣጋጢሙ ዘሎ'ኳ እንተኾነ፡ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ከየስፋሕፍሕ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።

    ኣብ ዩጋንዳ ድሮ ክልተ ሰባት በቲ ሕማም ተታሒዞም ከምዘለዉ ሓላፊ ናይቲ ትካል ጂን ካሰየ ኣፍሊጡ።

    ሰብመዚ ጥዕና ኮንጐ ብወገኖም፡ ኣብታ ርእሰከተማ ምብራቓዊት ዞባ ኢቱሪ ዝኾነት ቡኒያ ንሕሙማት ንምክንኻን ዘገልግል ተወሰኽቲ ማእከላት ተኸፊቶም ኣለዉ።

    ንፈለማ እዋን ኣብ 1976 ኣብ 'ዛየር' (ናይ ሕጂ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ) ዝተቐልቀለ ኢቦላ፡ ካብ መንካዕ ዝተበገሰ ምዃኑ'ዩ ዝእመን።

    ሕማም ኢቦላ፡ ቫይረስ 'ቡንዲቡጊዮ' ዝስዕብ ኮይኑ ዛጊት ፈውሲ ይኹን ክታበት ኣይተረኽቦን።

    ኣብዛ መበል 17 ክስተት ናይቲ ሕማም ኣጋጢምዋ ዘሎ ሃገር፡ ካብ 2018 ክሳብ 2020 ዝነበረ እዋን ዝበዝሑ (2,300) ግዳያት ዝቐዘፈሉ እዩ ነይሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ ኣስታት 15,000 ሰባት በቲ ሕማም ሞይቶም ኣለዉ።

    ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶ'ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብዛዕባ ኩነታት ኢቦላን፡ እቲ ካልእ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ሃንታቫይረስን ብዝምልከት ሎሚ ጋዜጣዊ መብርሂ ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ።

  11. ኬንያ፡ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ምድስካል ዘስዓበ ኣድማን ተቓውሞን

    ኣብ መላእ ኬንያ ክካየድ ዝወዓለ ተቓውሞታት ንንግዳዊ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ኣልሚስዎ ውዒሉ።

    እቲ ብቐንዱ ብወነንቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝተወደበ ኣድማ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ሰራሕተኛታትን ተመሃሮን ዝርከብዎም ሰባት ዓዲ-ውዒል ክኾኑ ኣገዲዱ ይርከብ።

    ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ፡ ናዕበኛታት ጐደናታት ክዓጽዉን ጐማታት ከቃጽሉን ተራእዮም።

    እቲ ተቓውሞታት ብሰንኪ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተወሰነ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ዝተበገሰ እዩ።

    ሰብመዚ እታ ሃገር፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ንፈለማ እዋን ዋጋ ነዳዲ ብ20% ወሲኾም ኣለዉ።

    እቲ ንመላእ ዓለም ቅልውላው ኣስዒቡ ዘሎ ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ንኬንያ'ውን ግዳይ ኮይና ኣላ

  12. ጕዕዞ በይጂንግ ትራምፕ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ‘ማጋ’ ስክፍታታት ይፈጥር

    ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2016 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝገበሮ ናይ መረጻ ቅስቀሳ፡ ቻይና ቀንዲ ቍጠባዊ ተጻራሪት ኣመሪካ ምዃና ብንጹር ገሊጹ ነይሩ።

    እዚ ጸረ-ቻይና ዘረባታትን ስትራተጅያዊ ጸቕጥታትን ንዓሰርተ ዓመታት ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ኣብ ካልኣይ እብረ ስልጣኑ’ውን ምስቶም ጸረ-ቻይና መርገጺ ዘለዎም ሰበስልጣን ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያትን ሓለፍትን ብምዃን፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ቻይና ዝኣትዉ ኣቑሑ ናይ ታሪፍ ወሰኽ ብምግባር ቍጠባዊ ውግእ ኣዊጁ እዩ።

    ይዅን’ምበር፡ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን እዚ ናብ ቤጂንግ ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ፡ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ብምቅርራብ ተራኺቡ፡ ርክብ ክልተአን ሃገራት ካብ ግምት ንላዕሊ ጽቡቕ ክኸውን ምዃኑ ገሊጹ።

    ኣብቲ ዘተ "ሉዑል ናይ ንግዲ ስምምዓት" ከም እተገብረ እኳ እንተ ተሓበረ፡ ብሰንኪ እቲ ንታይዋን ዝወሃብ 11 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ኣጽዋር መሸጣን ምስ ምስጢራዊ ድጋፍ ፋብሪካታት ቻይና ንኢራንን ዘለዎ ምስሕሓብ ግን ኵሉ እቲ ጸገማት ገና ኣይተፈትሐን።

    ኣብ ውሽጢ ምንቅስቓስ Make America Great Again (MAGA) ዘለዉ ሓለፍትን ተንተንትን ግን፡ እዚ ዝተቐየረ ዝመስል ቃና ትራምፕ ንመላእ ሰዓብቱ ክጸሉ ከም ዝኽእልን መጻኢ ታይዋን ኣብ ትሕቲ ሕቶ ምልክት ከም ዘሎን ይገልጹ።

  13. ኣመሪካ፡ ንመራሒ ኩባ ዝነበረ ራኦል ካስትሮ ክትከስስ መደብ ከም ዘለዋ ተገሊጹ

    ምኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ንዝተፈጸመ ናይ ክልተ ነፈርቲ ምውዳቕ ፍጻመ ብምግንዛብ፡ ኣብ ሽምግልና ንዝርከብ መራሒ ኩባ ነበር ራኦል ካስትሮ ብገበን ንምኽሳስ ምድላዋት ይገብር ከም ዘሎ ተገሊጹ።

    ብመሰረት ዝተረኽበ ጸብጻብ፡ እቲ ብቤት ምኽሪ ዳኛታት ኣመሪካ ክጸድቕ ዝግበኦ ክሲ ዝወጽአ፡ ዳይረክተር ማእከላይ ትካል ስለያ ኣመሪካ (CIA) ምስ ሰበስልጣን ኩባ ንምዝታይ ናብ ሃቫና ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ እዩ።

    ዕድሚኡ 94 ዓመት ዝዀነ ካስትሮ፡ ኣብ 2021 ካብ መሪሕነት ዴሳዊ ሰልፊ ኩባ ብምውራድ፡ ነቲ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ-ዘመን ዝቐጸለ ናይ ስድርኦም ስልጣን ዛዚሙዎ እዩ።

    ራኦል፡ ሓዉ ፊደል ካስትሮ ካብ ስልጣን ምስ ወረደ ነታ ሃገር ን15 ዓመታት መሪሑዋ እዩ።

    እዚ ክውሰድ ተዳልዩ ዘሎ ናይ ክሲ ስጕምቲ፡ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኩባ እተካይዶ ዘላ ቍጠባዊ እገዳ ነዳድን ሰፊሕ እገዳታትን ዘጠቓልል ናይ ጸቕጢ ወፍሪ መቐጸልታ ክፋሉ እዩ።

  14. ትራምፕ፡ ላዕለዋይ መራሒ ውድብ ሕብረት ምስልምና ከም ዝተቐትለ ገሊጹ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓይልታት ኣመሪካን ናይጀርያን ኣብ ኣፍሪቃ ብዘካየድዎ ወተሃደራዊ ስጕምቲ፡ ነቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ደረጃ “ካልኣይ መራሒ ውድብ ሕብረት ምስልምና (ISIS)” ኰይኑ ዝነጥፍ ዝነበረ ሰብ ከም ዝቐተሉዎ ገሊጹ።

    ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ እቲ ሓባራዊ ስጕምቲ፡ “ነቲ ኣብ ዓለም ብዝለዓለ ደረጃ ንጡፍ ዝነበረ ግብረ-ሽበራዊ” ኣቡ-ቢላል ኣል-ሚኑኪ ንምውጋድ፡ “ብዘይኰነ ይዅን ጌጋ ፍጹም ብዝዀነ መንገዲ ከም ዝተፈጸመ” ገሊጹ።

    ኣል-ሚኑኪ ብ2023 ብዋሽንግተን ፍሉይ ዓለምለኻዊ ግብረ-ሽበራዊ ተባሂሉ ተረቚሑ ነይሩ።

    ወተሃደራዊ ሓይሊ ናይጀርያ ግን ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝሃቦ መግለጺ የሎን።

    እዚ ቅትለት’ዚ እንተ ተረጋጊጹ፡ ስዒቡ ምስቲ ብ2019 ዝተፈጸመ ቅትለት መራሒ እቲ ጕጅለ ኣቡ በክር ኣል-ባቕዳዲ፡ ንውድብ ሕብረት ምስልምና (IS) ካልእ ዓብዪ ስዕረት ክኸውን ይኽእል እዩ።

    ቢቢሲ ንመንግስቲ ኣመሪካን ሰብስልጣን ናይጀርያን ርእይቶኦም ንምሃብ ኣዘራሪቡዎም ኣሎ።

    ኣል-ሚኑኪ (ኣቡ በክር ኢብን ሙሓመድ ኢብን ዓሊ ኣል-ማይኑኪ ተባሂሉ እውን ዝፍለጥ)፡ ነቶም ምስ ውድብ ሕብረት ምስልምና (IS) ምትእስሳር ዘለዎምን ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝርከቡን ዋህዮታት ይመርሕ ነይሩ።

    ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ሓውሲ ተፋሰስ ቀላይ ጫድን ሳሕልን ዓሪዱ ዝርከብ ምስ ኒጀር፡ ጫድን ማሊን ዶብ-ሰገር ምትእስሳር ዘለዎ ግዝኣት ውድብ ሕብረት ምስልምና ምዕራብ ኣፍሪቃ ይመርሕ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ ኣሎ።

    እቲ ናይ ትራምፕ መልእኽቲ ብዛዕባ እቲ ስጕምቲ ወይ እቲ ሓባራዊ ልኡኽ ዝተፈጸመሉ ግዜ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን። ትራምፕ፡ ሞት ናይዚ መራሒ ንኣፍሪቃን ዓለምለኻውን መርበባት ውድብ ሕብረት ምስልምና (IS) ሓያል ውቅዒት ምዃኑን ንእዝን ቍጽጽርን ከም ዝተበታተነ ገሊጹ።

  15. ሓድሽ ለበዳ ኢቦላ ብዙሓት ሰባት ይቐትል

    ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ለብዒ ሕማም ኢቦላ ብውሕዱ 65 ሰባት ከምዝቐተለ ይግለጽ ኣሎ።

    ኣብቲ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ኢቱሪ ዝተራእየ ለበዳ፡ ኣስታት 246 ሰባት ተለኺፎም ከምዘለዉ'ውን ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ (Africa CDC) ሓቢሩ።

    ንወከልቲ እታ ሃገር፡ ከምኡ'ውን ጐረባብታ ዝኾና ዩጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ዘሳተፈ ህጹጽ ኣኼባ ክግበር ጸዊዑ ምህላዉ'ውን እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።

    ንፈለማ እዋን ኣብ 1976 ኣብ 'ዛየር' (ናይ ሕጂ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ) ዝተቐልቀለ ኢቦላ፡ ካብ መንካዕ ዝተበገሰ ምዃኑ'ዩ ዝእመን።

    ኣብዛ መበል 17 ክስተት ናይቲ ሕማም ኣጋጢምዋ ዘሎ ሃገር፡ ካብ 2018 ክሳብ 2020 ዝነበረ እዋን ዝበዝሑ (2,300) ግዳያት ዝቐዘፈሉ እዩ ነይሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ ኣስታት 15,000 ሰባት በቲ ሕማም ሞይቶም ኣለዉ።

  16. ሓላፊ ስለያ ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኲባ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

    ዳይረክተር ሲ-ኣይ-ኤ ምስ መራሕቲ ኲባ ንምዝርራብ ናብ ርእሰከተማ ሃቫና ኣትዩ።

    ምስ ኲባዊ መዘናኡ ብምርኻብ ዝተዘራረበ ጆን ራትክሊፍ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከብጽሕ ከምዝኸደ ምንጭታት ሲ-ኣይ-ኤ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ሓቢረን።

    ብወገን ኲባ ዝወጸ መግለጺ ከምዘመልክቶ፡ ምብጻሕ ናይቲ ሓላፊ ስለያ ኣብ መንጐ ዋሽንግተንን ሃቫናን ዘሎ ሓርፋፍ ዝምድና ንምምሕያሽ ዝዓለመ እዩ። ሰበስልጣን ሃቫና፡ ኲባ ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ስግኣት ከምዘይኮነት ከምዝገለጽሉ'ውን ሓቢሮም ኣለዉ።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኲባ ካብ ቨነዙዌላ ትረኽቦ ዝነበረት ቀረብ ነዳዲ ደው ድሕሪ ምባሉ ቅልውላው ጸዓት ኣጋጢምዋ ምጸንሑ ይፍለጥ።

    ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ማሕበረ-ቁጠባዊ ብድሆታት ንምፍታሕ ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ደገፍ ክትህብ ደጊማ ኣረጋጊጻ ኣላ። ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ፡ ሃቫና ነቲ ሓገዝ ከምዝነጸገቶ ተዛሪቡ'ኳ እንተነበረ፡ ሰብመዚ ኲባ ግን ሓቂ ከምዘይኮነ'ዮም ዝገልጹ።

    ኣብቲ ርክብ፡ ወዲ-ወዱ ንፕረዚደንት ነበር ራኡል ካስትሮ ዝኾነ ራኡል ሮድሪገዝ ካስትሮ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ላዛሮ ኣልቫረዝ ቻዛስ፡ ከምኡ'ውን ሓላፊ ስለያ ኲባ ተረኺቦም ነይሮም።

    ክልቲኦም ወገናት፡ "ብዛዕባ ስለያዊ ምትሕግጋዝ፡ ቁጠባዊ ምርግጋእ፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ጸጥታዊ ጉዳያት" ከምዝተዘራረቡ ሓደ ብዓልስልጠን ሲ-ኣይ-ኤ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነ ኣመሪካዊ ማዕከን ዜና ሲ-ቢ-ኤስ ጠቒሱ።

    ብወገን ኲባ ዝወጸ መግለጺ ከምዝብሎ ድማ "ክልቲኦም ወገናት፡ ምእንቲ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት፡ ዞባዊን ዓለምለኻዊን ጸጥታ፡ ኣብ መንጐ ትካላት ኣኽበርቲ ሕጊ ክልቲአን ሃገራት ምትሕግጋዝ ክህሉ ዘለዎም ድሌት ኣረጋጊጾም" ኣለዉ።

    እቲ ኣመሪካ ክትህቦ መዲባ ዘላ ደገፍ ብመንገዲ ትካላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ካልኦት ማሕበራት ሰብኣዊ ረዲኤትን ዝዕደል ምዃኑ፡ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ዘውጽኦ ጸብጻብ ይጠቅስ።

    ሩብዮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቫቲካን ብምኻድ ምስ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ብምርኻብ ተዘራሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

    ሃቫና ምስ ዋሽንግተን ዘለዋ ርክብ ንምምሕያሽ "መሰረታዊ ለውጥታት" ክትገብር ከምዘለዋ'ውን እቲ ብስሙ ዘይተጠቕስ ብዓልመዚ ሲ-ኣይ-ኤ ገሊጹ ኣሎ።

    ኣብ መጋቢት 2016 ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ናብታ ዴሳዊት ደሴት ወግዓዊ ምብጻሕ ብምክያድ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ንምምሕያሽ ዓቢ ስጉምቲ ወሲዱ ነይሩ።

    እንተኾነ ንዕኡ ተኪኡ ናብ ዋይት ሃውስ ዝኣተወ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ኲባ ተሪር ፖሊሲ ከምዝኽተል ብምግላጽ፡ ንገለ ውሳኔታት ምልዓል እገዳ ኦባማ ሰሪዙዎ።

    ኣብ 1959 ብፊደል ካስትሮ ዝምራሕ ዴሳዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሃቫና ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ንትካላት ብሕቲ ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ብምህጋሩ፡ ዋሽንግተን ሰፊሕ ማዕቀብ ኣንቢራ።

    ኲባ እቲ ዘይፍትሓዊ እትብሎ፡ ኣብ ልዕሊኣ ሓያል ቁጠባዊ ሃስያ ዘስዓበ ዕጽዋ (ኢምባርጐ) ክለዓለለ እያ ትጠልብ።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ንራኡል ካስትሮ ተኪኡ መሪሕነት ዝተረከበ ፕረዚደንት ሚገል ዲያስ-ካነል፡ ዋሽንግተን ኣብ ክንዲ ደገፍ ምሃብ ነቲ ዕጽዋ ብምልዓል ኩነታት ከተጣጥሕ ከምዝደሊ ተዛሪቡ ነይሩ።

  17. ብሪጣንያ፡ ፖለቲካዊ ቅልውላው ቀዳማይ ሚኒስተር ስታርመር ይገድድ

    ካብ ውሽጢ እቲ ባዕሉ ዝመርሖ ገዛኢ ሰልፊ ዕዮ ተቓውሞ ገጢምዎ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኪር ስታርመር፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ሎሚ ናብ ጥርዙ በጺሑ'ሎ።

    ክወዳደሮ ሃቐነ ኣለዎ ክብሃል ዝቐነየ ላዕለዋይ ሚኒስተር (ጸሓፊ) ክፍሊ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ዌስ ስትሪቲን፡ ኣብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበሮ ምትእምማን ከምዝጐደለ ብምግላጽ ካብ መዝነቱ ከምዝወረደ ኣፍሊጡ'ሎ።

    ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት ክልተ ዓመት ኣብቲ ንሱ ዝመርሖ ኣገዳሲ ክፍሊ፡ ርኡይ ለውጢ ከምዘምጽአ ዝገለጸ ስትሪቲን፡ ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተኻየደ ዞባዊ ምርጫታት ሰልፊ ዕዮ ብገፊሕ ምስዓሩ ብቐንዱ ድኽመት ስታርመር ምዃኑ'ዩ ዝምጉት።

    "ሓደገኛ ሃገራውነት ዓዲ-እንግሊዝ" የመናውያን ሰልፍታት ንክብሪታት ብሪጣንያ ኣብ ስግኣት ኣውዲቕዎ ኣሎ ክብል'ውን ስትሪቲንግ ይጠቅስ። ኣብቲ ምርጫታት በቲ ኣንጻር ስደተኛታት ተሪር መርገጺ ዘለዎ ናይጃል ፋራጅ ዝምራሕ ሰልፊ 'ጽገና ብሪጣንያ' (ዩ-ከይ ሪፎርም) ዝዓበየ ዓወት ከምዝተጓናጸፈ ይፍለጥ።

    ኣብቲ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ስትሪቲን ዛጊት ኣንጻር እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክወዳደር ይሓስብ ምህላዉ ብንጹር'ኳ እንዘይገለጸ፡ እቲ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ ናብ ውሽጣዊ ውድድር ዘምርሕ ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

    ብመሰረት ሕጊ ሰልፊ ዕዮ፡ ደገፍ ናይ 81 ኣባላት ፓርላማ ዝኾኑ ወከልቲ ናይቲ ሰልፊ እንትረኺቡ ኣንጻር ስታርመር ንምውድዳር ጠለብ ከቕርብ ይኽእል'ዩ።

    ጸሓፊት (ቻንስለር) ፋይናንስ ዝኾነት ዝርከቦም ልዕሊ 110 ኣባላት ባይቶ ዝኾኑ ወከልቲ ሰልፊ ዕዮ ግን፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መንግስቲ ዘይምርግጋእን ሕንፍሽፍሽን ምፍጣር ንረብሓ እታ ሃገርን እቲ ሰልፊን ከምዘይጠቅም ብምምጓት ንስታርመር ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም ኣለዉ።

    እቲ ካብቶም ብዕድመ ዝነኣሱ መራሕቲ እቲ ሰልፊ ምዃኑ ዝንገረሉ ስትሪቲን፡ ዋላ'ኳ ደገፍ 81 ኣባላት ብምርካብ ክወዳደር ዝኽእል እንተኾነ፡ ቅድሚ መፍትሕ 'ዳውኒን ስትሪት' 10 (ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር) ምርካቡ፡ ምስ ካልኦት ፍሉጣት መራሕቲ እቲ ሰልፊ ሓያል ቊርቊስን ውድድርን ይጽበዮ ምህላዉ ትጽቢት ይግበር።

    ብስታርመር ዝምራሕ ሰልፊ ዕዮ ኣብ ሓምለ 2024 ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምርጫ ብገፊሕ ብምስዓር'ዩ ንሰልፊ ዓቃባውያን ብምትካእ ናብ ስልጣን ተመሊሱ።

  18. ዝምድና ኣመሪካን ቻይናን ኣብ ዓለም 'ዝዓበየ ኣገዳስነት' ዘለዎ'ዩ - ፕረዚደንት ሺ

    መራሕቲ ቻይናን ኣመሪካን ብዛዕባ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ንግዳዊ ምስሕሓብ፡ ጉዳይ ቅልውላው ፈጢሩ ዘሎ ቀረብ ነዳዲን ኢራንን ከምዝተዘራረቡ ዋይት ሃውስ ሓቢሩ።

    ኣብ በይዢንግ ዝርከብ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ቻይናዊ መዘናኡ ሺ ዢንፒንግ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ፡ ነቲ ዴሳዊ መራሒ ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጹ።

    "ዓቢ መራሒ ኢኻ። ንኹሉ ሰብ ዝብሎ ነገር እዩ። ምሳኻ ምርኻብ ክብሪ እዩ፡ መሓዛኻ ምዃን ክብሪ እዩ" ክብል ንሺ ክውድስ ዝተሰምዐ ትራምፕ፡ ኣብ መንጐኦም ንዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ እናተደዋወሉ ክረዳድኡ ምጽንሖም ተዛሪቡ።

    ሺ ብወገኑ፡ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ቻይናን ዘሎ ዝምድና ኣብ ዓለም 'ዝዓበየ ኣገዳስነት' ዘለዎ ምዃኑ ብምጥቃስ "መቐናቕንቲ ዘይኮነ መሻርኽቲ ክንከውን ኣለና፡ እናተሓጋገዝና ክንዕወትን ክንብልጽግን ይግባኣና" ክብል ተዛሪቡ።

    "ምህናጽ ዳግማይ ዓባይ ኣመሪካ" ዝብል ጭርሖ ትራምፕ'ውን ምስ ቻይና ዝቃዶ ምዃኑ እቲ ቻይናዊ መራሒ ገሊጹ።

    መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ዴሳዊት ሃገር ብዛዕባ'ቲ ዝርርብ ኣብ ዘውጽእዎ ጸብጻብ ግን፡ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ደሴት ታይዋን ዘለዋ ኣተሓሕዛ ክትጥንቀቐሉ ሺ ከምዘተሓሳሰበ የመልክት።

    ፕረዚደንት ሺ፡ ድሕሪ ዝርርቦም ንትራምፕን ጉጅልኡን ኣብ 'ግሬት ሆል' (ቤተመንግስቲ ቻይና) ወግዓዊ ናይ ምቕባል እንግዶት ገይሩሎም።

    እቲ ድሕሪ 2017 ንፈለማ እዋን ናብ በይዢንግ ዝበጽሕ ዘሎ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ብወገኑ፡ ሺ ናብ ኣመሪካ ምብጻሕ ከካይድ ዕድመ ኣቕሪቡሉ ኣሎ።

  19. ጋና ዜጋታታ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተውጽእ

    ጋና፡ ኣስታት 300 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ዜጋታታ ከተውጽእ ምዃና ኣፍሊጣ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳሙኤል ኦኩድዜቶ ኣብላክዋ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ስደተኛታት "ብቕልጡፍ ክወጹ፡ፕረዚደንት ጋና ፍቓድ ከምዝሃበ ጠቒሱ።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕትታትን ተቓውሞታትን ድሕሪ ምፍጻሙ'ያ እታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ነቲ ስጉምቲ ወሲዳ ዘላ።

    ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ስሪል ራማፖዛ ነቲ ኩነታት ኣመልኪቱ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣንጻር ስደተኛታት ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ፖሊሲ መንግስቲ ከምዘይኮነ ብምንጻር፡ "ሳሕቲ ዝተፈጸመ ተግባራት ገበን እዩ" ብምባል ክምጉት ተሰሚዑ።

    ኣብ ወደባዊት ከተማ ደርባን ዝነብሩ ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ሎሚ ረቡዕ ክካየድ'ዩ ዝተባህለ ተቓውሞታት ንግዳዊ ትካላቶም ክዓጽዉ ከምዝተገደዱ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ናይጀርያ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዜጋታታ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምውጻእ ውጥን ከምዘውጽአት ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።

  20. ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ቻይና ኣትዩ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ምስ ቻይናዊ መዘናኡ ንምዝርራብ ናብ ቻይና ኣትዩ።

    ሎሚ ኣብ ርእሰከተማ በይዢንግ ዝዓለበ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ሺ ዢንፒንግ ብምርኻብ፡ ብዛዕባ ንግዳዊ ምስሕሓብ ክልቲአን ሃገራት፡ ከምኡ'ውን እቲ ዓለማዊ ቅልውላው ነዳዲ ኣስዒቡ ዝርከብ ኲናት ኢራን ክዘራረቡ ትጽቢት ይግበረሎም።

    ቻይና ዕዳጋታታ ንፍርያት ኣመሪካ ክትከፍት ከም ዝጉስጉስ ዘፍለጠ ትራምፕ፡ ነቲ መሻርኽቱን ነቓፊኡን ኮይኑ ዝጸንሐ ቢልዮነር ወናኒ ተስላን ስፔስ-ኤክስን ኢሎን ማስክ፡ ሓላፊ ናይቲ ቅልጡፍ ዕብየት ዘርኢ ዘሎ ትካል ተክኖሎጂ ንቪዲያ ጀንሰን ሃውንግ፡ ዋና ኣካያዲ ኣፕል ቲም ኩክን ዝርከቦም ሰብጸጋ ምስኡ ተማሊእዎም ኣሎ።

    "ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ መራሒ፡ ፕረዚደንት ሺ፡ ነዞም በላሕቲ ሰባት ተኣምር ክሰርሑ ኣፍደገ ቻይና 'ክኸፍተሎም' ክሓቶ እየ" ክብል ትራም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፉ ነይሩ።

    ኣብ ዓውዲ ተክኖሎጂ ኪነታዊ-ብልሒ (ኤ-ኣይ) ካብ ቻይና ድሒራ ዝጸንሐት ኣመሪካ ነቲ ጋግ ከምዘጽበበቶ እቲ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።

    ድሕሪ ምዝዛም ዝሑል ኲናትን ምፍራስ ሕብረት ሶቬት ነበርን፡ ምናልባት'ውን ኣብ ታሪኻ ከም ቻይና ገይራ ንኣመሪካ ዝተዳረገት ሃገር የላን።

    ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 20 ዓመታት፡ ዋሽንግተን ንበይዢን ከም ቀንዲ ስትራተጂካዊት መቐናቕንታ ከምእትርእያ ክትገልጽ ምጽንሓ ይፍለጥ።

    ሓያላት መራሕቲ ናይ ምድናቕ ዝንባለ ዘለዎ ትራምፕ፡ ምስቲ እብረ-ስልጣኑ ብምንዋሕ ኣብታ ዴሳዊት ሃገር ሰዊዱ ዝርከብ ሺ ዢንፒንግ ዘካይዶ ዝርርብ ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ ኣሎ።