እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያውያን ዝርከቡዎ ጉጅለ ኣይኤስ፡ ካብ ሶማልያ ንምጥፋእ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ
ኣብ ሶማልያ ርሑቕ ኣኽራናት ኣል-ሚስካድ፡ ጉጅለ ወተሃደራት ኣብ ዙርያ ሓንቲ ብኢድ እትእሰር ንእሽቶ ስክሪን ተኣኪቦም፡ ንሰብ ኣልቦ ነፋሪት ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ISIS) ይከታተሉ።
ኣብቲ ምስሊ ሓደ ሰብ ኣብ ስንጭሮ እናተንቀሳቐሰ ይርአ።
"ንብጾቱ ማይ ከምጽእ እዩ ጸኒሑ" ይብል እቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝከታተል ሰብ።
"ኣብ ሕቖኡ ገለ ነገር ተሰኪሙ ይጎይይ ኣሎ" ክብል ካልእ ወተሃደር ይውስኽ።
እቲ ኣብ ስክሪን ዝረአ ሰብኣይ ኣብ ጥቓ ሓደ በዓቲ ይርከብ። እቲ በዓቲ ድማ መሕብኢ ካብ 50 ክሳብ 60 ዝዀኑ ዕጡቓት ኣይኤስ ምዃኑ እቲ ሰራዊት ይኣምን።
ኣስታት 500 ወተሃደራት ሓይልታት ምክልኻል ፑንትላንድ፡ ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶማልያ ዝርከብ መደበር ዓስኪሮም ኣለዉ።
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት እቲ ከባቢ ውሑዳት ዘላን ማሕበረሰባት ጥራይ ዝነብሩሉ እኳ እንተነበረ፡ ኣይኤስ ኣብዚ ቦታ ምንቅስቓስ ምስ ጀመረ ግን ተቐይሩ።
እቲ ጉጅለ ክሳብ ብኣመሪካ ዝድገፉ ሓይልታትን ሰራዊት ሶርያን ደፊኦም ከውፅእዎ ዝጅምሩ ኣብ ከም በዓል ሶርያን ዒራቕን ዝኣመሰላ ሃገራት ግዝኣታዊ ዕርድታት ነይርዎ።
ኣብዚ እዋን እዚ ግን እቲ ጉጅለ ትኹረቱ ናብ ኣፍሪቃ ገይሩ ኣሎ።
ክሳብ ሚያዝያ 2025፡ ኣብቲ እዋን ኣዛዚ እዚ ኣፍሪቃ ኣመሪካ (ኣፍሪኮም) ዝነበረ ጀነራል ማይክል ላንግሊ፡ ንባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣይኤስ ዓለማዊ መርበቦም ካብ ሶማልያ እዮም ዝቆጻጸርዎ" ኢሉ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እውን፡ ኣመሪካ ንቃልሲ ሶማልያ ኣንጻር ኣይኤስ ክትድግፍ ጸኒሓ እያ። ኣብ 2025 ድማ ኣብ ልዕሊ ኣይኤስ-ሶማልያ 60 መጥቃዕትታት ኣካይዳ'ያ።
ዳይረክተር ማእከል ጸረ-ሽበራ ኣብ ኣሜሪካን ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ትሪሻ ቤኮን፡ ሕጂ ብደረጃ ከባቢ፡ ኣይኤስ "ኣብ ሶማልያ መጥቃዕቲ ናይ ምፍጻም ዓቕሙ ጐዲሉ'ዩ" ትብል።
"ሎሚ ንፑንትላንድ ይኹን ንሶማልያ ርኡይ ሓደጋ ኣየስዕብን።"
ይኹን እምበር ኣይኤስ ሶማልያ ሕጂ'ውን "ንኻልኦት ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ርሑቕ ከም ኣፍጋኒስታንን ዝርከቡ ካልኦት ተሓባበርቲ እስላማዊ መንግስታት፡ ዓቕምታት፡ ደገፍን ምምችቻውን ኣብ ምሃብ ወሳኒ ተራ ይጻወት ኣሎ" ትብል።
ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ሓውሲ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዎ ዞባ ፑንትላንድ ዝመደበሩ ኣይኤስ-ሶማልያ፡ ብሶማልያዊ ዜጋ ዓብደልቃድር ሙሚን ዝተመስረተ እዩ።
ንሱ፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሽወደንን ዓባይ ብሪጣንያን ዝነብር ዝነበረን ዜግነት እንግሊዝ ዝነበሮን እዩ።
ኣብ 2015 ምስ ካልኦት 17 ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቪድዮ ቀሪቡ እሙን ኣይኤስ ከም ዝኾነ ምሒሉ።
ሙሚን ቅድሚ ሕጂ ኣባል ናይቲ ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ምስ መንግስቲ ክቃለስ ዝጸንሐን ክሳብ ሕጂ ሰፊሕ ክፋል ደቡባዊ ሶማልያ ዝቆጻጸርን ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ እዩ ነይሩ።
ኣይኤስ-ሶማልያ ንኣል-ሸባብ ካብ ኣኽራናት ኣል-ሚስካድ ፑንትላንድ ብሓይሊ ክወጽእ ገይሩ።
ካብ ወጻኢ ሃገራት ኣባላት ብምምልማል በብቑሩብ ማእከል ስልጠናን ፋይናንስን ሰፊሕ መርበብ ኣይኤስ ኰይኑ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ወደባዊት ከተማ ቦሳሶ ጽልዋ ነይርዎ፡ ፋይናንሳዊ ጸብጻብ ኣመሪካ ድማ ኣብ 2022 ኣይኤስ-ሶማልያ "ካብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ትካላት ንግዲ፣ እቶት፣ ጥሪትን ሕርሻን ካብ ዝኽፈል ክፍሊት ብምጭብርባር 2 ሚልዮን ዶላር ከምዘዋህለለ" ይሕብር።
ሓይልታት ፑንትላንድ ኣብ መጀመርታ 2025 ንኣይኤስ-ሶማልያ ካብ ቦሳሶ ከውጽኡ ክኢሎም እኳ እንተነበሩ፡ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ግን ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝርከብ ኣኽራናት ኣልሚስካድ ዝርከባ ዓድታትን ንኣሽቱ ከተማታትን ይቆጻጸር ነይሩ።
ኣብዚ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት፡ ኣብ ጥቓኦም ኣብ እትርከብ ቁሸት፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከይተሓዋወሱ ዝኽልክል፡ ደቂ ተባዕትዮ ትሕቲ ዓካዓካሪቶም ነዊሕ ስረ ወይ ቅዲ ዘለዎ ቅዲ ጸጉሪ ከይስርሑ ዝኽልክል ጽኑዕ ሕግታት ከምዝተጻሕፈ ይዛረቡ።
ደቂ ኣንስትዮ ኣእዳወንን ዓካዓካሪተን ንምሽፋን ፍሉይ ዓይነት ሂጃብ ምስ ጓንቲን ካልሲን ክኽደና ነይርወን። ሙዚቃ ምስማዕ እውን ተኸልኪሉ ነይሩ።
እቲ ስርዓት ተሪር ነይሩ፤ እቲ ስነሓሳብ'ውን ዓሚቕ በሰላ ገዲፉ።
"ህይወት ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑ" ይብል፡ ኢማም'ቲ ከባቢ ስዒድ መሓመድ ኢብራሂም።
"ሰባት ፈሪሖም ነይሮም። ገሊኦም ተጨውዮም ተወሲዶም ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ኣይተረኽበን።"
ገለ ሰባት ካብታ ቁሸት ክሃድሙ ከለዉ፡ ንሱ ግን ኣብኡ ጸኒሑ። ኣይኤስ ግን ካብቲ መስጊድ ክወጽእ ከም ዝገበሮ ይዛረብ። " 'ሕጂ ኢማም ንሕና ኢና' ኢሎም። መምርሒታትና ተኸቲልኩም ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ መስጊድ እንተዘይወጺእኩም ድማ ዋጋኹም ክትረኽቡ ኢኹም' ኢሎምና።"
"እዚ ማለት ወይ ክሳደይ ክቖርጹኒ ወይ ክጨውዩኒ እዮም ማለት ምዃኑ ተረዲኡኒ።"
ኣብቲ መስጊድ ካብ ዝሓድሩ ኣመንቲ ሓደ ማሃድ ጃማ እዩ። ቅድሚ ክልተ ዓመት ጓል ሓፍቱ ሹክሪ ብዕጡቓት ኣይኤስ ተጨውያ እያ ተቐቲላ።
"ለዋህ ጓል እያ ነይራ፡ ኣዝያ ሕያወይቲ ጓል ነይራ፡ ንኣዲኣ ትከናኸን ነይራ። ብግብሪ ኣስላመይቲ እያ ነይራ" ይብል።
ሹክሪ ክትቅተል ከላ ነፍሰጾር እያ ነይራ። ክልተ ቆልዑን ሓንቲ ዝሓመመት ኣደን ገዲፋ ድማ ካብ እዛ ዓለም ተፈልያ።
"ጓል ሓፍትኻ ምስኣን እንታይ ስምዒት ከምዝፈጥር ክትግምቶ ኣይትኽእልን... ስለምንታይ ከም ዝተቐትለት'ውን ኣይንፈልጥን። ዜና ሞት ቆልዓ ምስ ዝመጸካ ክትቅበሎ ዳርጋ ዘይከኣል'ዩ።"
ሹክሪ ስዒድ ዝበሃል ወዲ ሸውዓተ ዓመት ወዲ ነይርዋ። እቲ ንእሽቶ ወዲ ናይ ምስማዕ ፀገም ስለ ዝነበሮ፡ ሳሕቲ ካብ ጎኒ ኣዲኡ ኣይርሕቕን። ኣይኤስ ግን ኣብታ ናብ ገዝኦም ዝመጹላ ለይቲ ምስኣ ስለዝነበረ፡ ንዑኡ'ውን ቀቲሎምዎ።
ድሕሪ ናይ ነዊሕ ኣዋርሕ ውግእ፡ እታ ቁሸት ኣብ ለካቲት 2025 ሓይሊ ምክልኻል ፑንትላንድ ተቖጻጺርዋ። ኣመሪካ ኣብ ግንቦት 2024 ንሰለስተ ዕጡቓት ኣይኤስ ዒላማ ገይራ ብምቕታል ሓጊዛ ነይራ።
ይኹን እምበር፡ ኣይኤስ ሕጂ እውን ኣብቲ ከባቢ ዝቆጻጸሮም መደበራት ኣለዎ።
ኣብቲ ዝቆጻጸርዎ ኣብ እምባ ዝርብ መደበሮም፡ ወተሃደራት ይመጹ ከምዘለዉ ምስ ሰምዑ፡ እቲ ስምዒት ይቕየርን መዳፍዕ ይዳሎን።
ጓል 32 ዓመት መኮነን ዝዀነት ሙና ዓሊ ዳሂር፡ ሓንቲ ካብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ወተሃደራት እያ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ውግኣት ተሳቲፋ እያ። "ኣበርቲዕና ተቓሊስና ተዓዊትና... እዚ መሬትና ስለዝዀነ" ትብል።
ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ኣብቲ መደበር ኰይና ንዝመጽእ ሓደጋታት እናተዳለወት ትርከብ።
ኣብ ሰነ 2025 ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣይኤስ ኣብ ሶማልያ ክሳብ 800 ተጋደልቲ ከም ዘለዉዎን፡ ልዕሊ ፍርቆም ናይ ወጻኢ ተጋደልቲ ከም ዝዀኑን ገሚቱ ነይሩ።
ሓይልታት ፑንትላንድ ኣብ ዝሓለፉ 16 ኣዋርሕ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣባላት ኣይኤስ ከም ዝቐተለ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ልዕሊ 50 ዝተማረኹ ወጻእተኛታት ተዋጋእቲ፡ ካብ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ሞሮኮን ሶርያን ሓዊሱ፡ ዝመጹ ከምዝዀኑ ዘርእይ ምስሊ ከም ዝዘርግሐ ይዝከር።
ሰብመዚ ፑንትላንድ፡ እቶም ዝተኣስሩ ሰባት ማእሰርቲን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ፍርዲ ሞት ከምዝተወሰኖም ይዛረቡ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ከም ኣካል እቲ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኰይኖም ዝተኸሰሱ እሱራት ስክፍታታት ከምዘስምዐ ይፍለጥ።
ኣብ 2022 ዝወጸ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሶማልያ "መሰል እሱራት ምእንቲ ክኽበር ብዝተዋደደ መንገዲ" ትሰርሕ ከምዘላ ኣመልኪቱ ነይሩ።
ኣብ ሶማልያ ኣንጻር ኣይኤስ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ገና ኣይተዛዘመን።
ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣመሪካን ትሪሻ ቤኮን፡ ዋላ'ኳ ኣይኤስ-ሶማልያ "ኣብዚ እዋን'ዚ ተመኪቱ እንተሃለወ... ካብ ውድቀት ክለዓልን ዳግማይ ክውደብን ዝኽእል፡ ተጻዋርነት ዘለዎ ጉጅል ምዃኑ ዝፍለጥ'ዩ" ትብል።