ኢትዮጵያ፡ 'ዕጡቓት' ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ገሊጾም

ዕጡቓት ኣብ ዓራርቦ ይርኣዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ዞን ሆሮ ጉድሩ ወለጋ፡ ወረዳ ኣሙሩ፡ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣገምሳን ከባቢኣ ዘለዋ ዓድታትን "ብዕጡቓት ፋኖ ተፈጺሙ" ብዝተባህለ መጥቃዕቲ፡ ክልተ ንጹሃን ዜጋታት ሓዊስካ 11 ሰባት ከም እተቐትሉ ነበርትን ዋና ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞንን ገሊጾም።

እቶም ዕጡቓት ብኣማኢት ዝቝጸሩ ጥሪትን ካልእ ንብረታትን ከም ዝራሰዩ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ ሰሉስ 30 ሰነ 2026 ወጋሕታ ካብ ሰዓት 5፡00 ጀሚሩ እዩ።

ንድሕነታ ብምስጋእ ስማ ክግለጽ ዘይደለየት ሓንቲ ነበሪት ከተማ ኣገምሳ፡ እቶም ዕጡቓት፡ "ካብ ዞን ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ኪረሙ እዮም መጺኦም፡" ኢላ።

ካልእ ነባሪ ድማ፡ "ኣዝዩ ሕማቕ ኵነታት እዩ ነይሩ። ካብ ሰኑይ ወጋሕታ ሰዓት 5፡00 ህዝቢ ካብ ድቃሱ ከይተንስአ ዕጡቓት ፋኖ ንነበርቲ ክቐትሉ ጀሚሮም። ንብረት'ውን ራስዮም እዮም። ዝሞቱ ብዙሓት እዮም፣ ዝቘሰሉ እውን ከምኡ፡" ክብል ነቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ይገልጽ።

ክልተ ነበርቲ ከም ዝገለጽዎ፡ እቶም ዕጡቓት ናብቲ ከባቢ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን፡ ናይቲ ክልል ኰነ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ፈደራል ኣብቲ ቦታ ኣይነበሩን ነይሮም።

እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብቲ ቦታ ምስ ወጽኡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዩ።

እታ ነባሪት፡ "ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነይሮም፣ ንሳቶም ግን ካብቲ ቦታ ወጺኦም፣ ምኽንያቱ ኣይንፈልጦን። ካብ ዝወጽኡ ድሕሪ ክልተ መዓልታት እቶም ዕጡቓት ኣትዮሙና። ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ግን ሰራዊት ምክልኻል ናብ መዓስከሮም ተመሊሶም ኣለዉ። እዚ መጥቃዕቲ እዚ ናይ መጀመሪታ ኣይኰነን፤ ንሳልሳይ ግዜ እዩ ተፈጺሙ፡" ክትብል ነቲ ኵነታት ገሊጻ።

ካልእ ነባሪ ብወገኑ፡ "ሓይልታት ፈደራል የለዉን። ምልሻስ ነይሮም እዮም፣ ግን ኣይፈለጡዎን። ብሃንደበት ኣትዮም፡ ህዝቢ ካብ ድቃሱ ከይተንስአ፡ ኣብታ ከተማ ዘሎ ኵሉ ጥሪት፡ በጊዕ፡ ጤል ከይተረፈ ናብ መንበሪ ቤት ሰይሮም ብምእታው ወሲዶሞም፡" ኢሉ።

"ኣስታት 400 ጥሪት" ከም እተወስደ ዝገልጽ እዚ ነባሪ፡ ድኳናት'ውን ከም ዝተራሰዩ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ካልእ ነባሪት ድማ፡ "ጥሪት ኣይተረፈን፣ ጤል እኳ ኣይተረፈን። ዝሓደግዎ ነገር የሎን። እንሃድመሉ ቦታ እኳ ኣይነበረናን። ሕጂ'ውን እንተዀነ ኣብ ትሕቲ ስግኣት ኢና ዘለና፡" ኢላ።

ከምቲ ነበርቲ ዝገለጽዎ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ንጹሃን ነበርትን ኣባላት ምልሻ እቲ ከባብን ተቐቲሎም እዮም። ሓደ ነባሪ 11 ሰባት ከም እተቐትሉን 17 ሰባት ድማ ከም ዝቘሰሉን ገሊጹ።

ካብቶም ዝተቐትሉ እቶም ክልተ "ሰላማውያን ሰባት" ክዀኑ ከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ "ኣባላት ምልሻ" ምዃኖም ኣነጺሩ።

ካልእ ነባሪ ብወገኑ፡ "ካብቶም ዝሞቱ ሰባት ኣነ ዝፈልጦም ምልሻታት ይርከብዎም፡" ክብል ምስክረነቱ ሂቡ።

ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ኣብ ኣኼባ ከለዉ ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Amuru woreda communication

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ መጥቃዕቲ ክሳብ ቅድሚ ቀትሪ ሰዓት 11፡00 ከም ዝቐጸለ ዝሓበረ ሓደ ነባሪ፡ ሓይልታት ጸጥታ ናብቲ ቦታ ዝበጽሑ፡ "እቶም ምልሻታት ድሕሪ ሙማቶም፡" ምዃኑ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ናይቲ ከባቢ ኣቶ ምሬሳ ፊጣ፡ እቲ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

"እቲ መጥቃዕቲ [ሰሉስ] ተፈጺሙ እዩ፤ ኣብ ሰብን ንብረትን ድማ ጉድኣት በጺሑ እዩ። ሓይሊ ናይቲ ከተማን ዞንን ብምውህሃድ እቶም ዕጡቓት ከም ዘንሳሕቡ ገይርና። በታ መዓልቲ እቲኣ ቅድሚ ቀትሪ ሰዓት 10፡30 ኣቢሉ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጺኡና፡" ኢሉ።

እቲ "ዕጡቕ ሓይሊ ሕጂ እውን ኣብ ጐረባብቲ ቀበሌታት" ከም ዘሎ ዘመልክት ሓበሬታ ከም ዘለዎም ዝጠቐሰ እቲ ኣመሓዳሪ፡ "ፋኖ ነታ ከተማ ተቘጻጺርዋ ነይሩ፡" ንዝብል ወረ ግን ነጺጉዎ።

"ጸላኢ ነታ ከተማ ተቘጻጺረያ ክብል ይኽእል እዩ፤ ብተግባር ግን ኣብኣ የሎን። ካብታ ከተማ ተሃሪሙ ወጺኡ እዩ፡" ኢሉ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርትን ዋና ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞንን ኣቶ ምሬሳን ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተሓታቲ ዝገበርዎም "ንሓይልታት ፋኖ" እዩ።

ምምሕዳር ወረዳ ኣሙሩ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ብዘውጽኦ ሓበሬታ፡ "እቲ ጽንፈኛ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓይሊ ፋኖ ኣብ ከተማ ኣገምሳ ተዅሲ ብምኽፋት ኣብ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዱ፡" ክብል ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞን ኣቶ ምሬሳ ብወገኑ፡ ኣብቲ ወረዳ ኣብ ዝርከባ "ክልተ ቀበሌታት" ሓይልታት ፋኖ ይንቀሳቐሱ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፋኖ ዝቐረበ ክሲ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጦን። እንተዀነ፡ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ካብዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ፈጺሙ ብዝብል ንዝቐረበሉ ክስታት ክነጽጎ ጸኒሑ እዩ።