ታሪኽ ዝሰርሐት ሃገራዊት ጋንታ ኬፕ ቨርደ፡ ኣብ ዓዳ ውዕውዕ ኣቀባብላ ተገይሩላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዋንጫ ዓለም ታሪኻዊ ጕዕዞ ዘመዝገበት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኬፕ ቨርደ፡ ናብ ሃገራ ኣብ ዝተመልሰትሉ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ብተወዳዳርነታ ዝተሓጐሱ ደገፍቲ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ኣቀባብላ ገይሮምላ።
እቶም "ሰማያውያን ሻርክ" ተባሂሎም ዝጽውዑ ተጻወቲ ኬፕ ቨርደ፡ ምስ ዕውትቲ ዋንጫ ዓለም ቐጠር ኣርጀንቲና ዘስደምም ግጥም ድሕሪ ምክያዶምን ካብቲ ውድድር ድሕሪ ምእላዮምን፡ ትማሊ ሰንበት ናብ ርእሰ-ከተማኦም ፕራያ ኣትዮም።
እቶም ብሓጐስ ዝተሰራሰሩ ደገፍቲ ንኸባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ሓደ ካርኒቫል ቀዪሮሞ፤ ከበሮ ክወቕዑ፡ ክስዕስዑ፡ ክጭርሑን ባንዴራ ከንበልብሉን ተራእዮም።
እቲ ብሉጽ ምንቅስቓስ ብምርኣይ ዓለማዊ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ሓላዊ ልዳት ቮዚንያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ምስ ህዝብና ብሓባር ኣብዚ ምህላውና ንዓና ኣዝዩ ዓቢ ሃዋሁ እዩ፡" ኢሉ።
"ካብዚ ዝዓበየ ውጽኢት ክነምጽእ ንደሊ ነይርና፣ ኰይኑ ግና ናብቲ ዝቕጽል መድረኽ ክንሓልፍ ኣይከኣልናን። ሕጂ ግና በዚ ዝረኸብናዮ ዓወት ተሓጒስና ምስ ህዝብና ነብዕሎ ኣለና፡" ክብል ገሊጹ።
ሓንቲ ደጋፊት ንቢቢሲ ከም ዝገለጸቶ፡ ነቶም ኣብ ዋንጫ ዓለም ካብ ዝሳተፋ ሃገራት ብዕቤተን ካብተን ዝነኣሳ ካልኣይቲ ዝዀነት ሃገር ወኪሎም፡ ንመጀመርታ ግዜኦም ዝተሳተፉ ክነሶም ምስ ከም ስጳኛን ኡራጓይን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሃገራት ብትብዓት ዝተጻወቱ፡ "ሰማያውያን ሻርክታት" ዘለዋ ምስጋና ንምግላጽ፡ ኣብቲ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ኣቀባብላ ተረኺባ።
ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተኣከቡ ደገፍቲ ኣስማት ቮዚንያን ካልኦትን ብዓውታ ክጽውዑ ተሰሚዖም።
ኣብ መንጎ እቲ ጽንብል፡ እቶም ተጻወትቲ ኣብ ማልያታት ደገፍቲ ክታሞም የንብሩ ነይሮም።
እዚ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ኣቀባብላ ምስ መዓልቲ ናጽነት ኬፕ ቨርደ ዝተኣሳሰረ ኰይኑ፡ እታ ደሴት ካብ ግዝኣት ፖርቱጋል ናጻ ዝወጽኣትሉ መበል 51 ዓመት ተብዕል ኣላ።
ኬፕ ቨርደ ኣብ መበል 67 ደረጃ ተሰሪዓ ናብዚ ዋንጫ ዓለም ትእቶ'ምበር፡ ኣብ ናይ ምድብ ጸወታታት ሰለስተ ግጥማት ብማዕረ ድሕሪ ምዝዛማ - እንተላይ ነቲ ምስ ሻምፕዮና ኤውሮጳ ስጳኛ 0 ብ 0 ዝወጻኣቶ ናይ መኽፈቲ ጸወታ ሓዊሱ - ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ግምት ዘይተገብረሎም ዓወታት ንምምዝጋብ ዘኽእላ ዓቢ ተስፋ ፈጢሩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Michel Mvondo/BBC
ምስ ኣርጀንቲና ኣብ ዝገበርዎ ግጥም፡ መጀመርታ ብሰንኪ ሊዮነል መሲ ዘመዝገባ ሸቶ ተመሪሖም ነይሮም። እንተዀ፡ ነቲ ውጽኢት 1 ብ 1 ብምግባር ነቲ ጸወታ ናብ ተወሳኺ እዋን ክሰግር ገይሮሞ። ካልኣይቲ ሸቶ ምስ ተመዝገበቶም'ውን ሲድኒ ሎፔስ ካብራል ብዘደንቕ ቅላዕ ሸቶ ብምምዝጋብ ዳግማይ ኣመዓራርይዋ። ብተጻዋታይ ቶተንሃም ክርስትያን ሮሜሮ ብርእሱ ዝሃረማ ኩዕሶ ብኢድ ዲኒ ቦርገስ ተወቒዓ ኣንፈታ ብምቕያራ፡ ኣርጀንቲና ክትሓልፍ ክኢላ።
እዚ ስዕረት እኳ እንተ ኣጋጠመ፡ እቲ ቡቢስታ ተባሂሉ ዝጽውዕ ኣሰልጣኒ ኬፕ ቨርደ ፔድሮ ሌታኦ ብሪቶ፡ ብሃገራዊት ጋንታኡ ሓበን ከም ዝስምዖ ገሊጹ።
"ንሕና ንእሽቶ ሃገር እኳ እንተዀንና፡ ምስተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ብሉጻት ጋንታታት ክንገጥም ከም እንኽእል ኣርኢና ኢና፡" ክብል ተዛሪቡ። "እዚ ድማ ንኽብሪ ዝበቅዕ ምኽንያት እዩ።"
"ንሃገርና ሓድሽ ታሪኽ ሰሪሕና ኢና። [እቶም ተጻወትቲ] ንሃገርና ብምውካሎም ክዀርዑ ይግባእ።"









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
