ሰለስተ ግዜ ካብ ሞት ዘምለጠ ጀነራል ዮሃንስ መን እዩ? ስለምንታይከ 'መዲድ' ተባሂሉ?

Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ኣብ 1971 ናብ በረኻ ካብ ዘወፅእ ጀሚሩ፡ ካብ ተራ እግረኛ ወተሃደር ክሳብ መራሒ ክፍለጦር በፂሑ፤ ልዕሊ ሰለስተ ግዜ ድማ ንህይወቱ ፈታኒ ሓደጋ ኣጋጢምዎ ነይሩ።

ጀነራል ዮሃንስ - ጆን መዲድ፡ ኣብ 2010 ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ ምምፃእ ተኣሳሲሩ፡ ኣብ መወዳእታ ብጥሮታ ክሳብ ዝሰናበት፡ ዋና ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ነይሩ።

ብሰኑይ፡ ኢዱ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ክሳብ ዝሃበሉ ዕለት ድማ ኣብቲ ቅዱምን ድሑርን ኲናት ትግራይ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ኰይኑ ወዲቡን ኣዋጊኡን እዩ።

ንምዃኑ ጀነራል ዮሃንስ ወ/ጊዮርጊስ መን እዩ፡ ስለምንታይከ ጆን መዲድ ተባሂሉ?

ታዕሊም ቅላዕ

ብመሰርት ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኣቃውማ፡ ኣብ ኣውራጃ ኣኽሱም ወረዳ ዓዴት-ናዕዴር ብ 1954 [ግ] ኣብ ገጠር ተወሊዱ ዝዓበየ ጆን መዲድ ፡ ቅድሚ ናብ በረኻ ምውፅኡ ዕድል ትምህርቲ ኣይረኸበን ነይሩ።

ኣብ ሓደ ቃለመሓትት፡ "ወለደይ ኣብ ገጠር ዝነብሩን ብግብርና ዝመሓደሩን እዮም፤ ከምቲ ዝዀነ ወዲ ገባር ትግራዋይ ኣብ መጓሰ እየ ዓብየ፡" ኢሉ።

ካብ ኣሕዋቱ ሽዱሽተ ኣዋልድን ሽድሽተ ኣወዳትን፡ 12 ቈልዑ፡ ንሱ መበል ሻዱሻይ ውላድ እዩ።

ጆን መዲድ፡ መጀመርታ ናብ ህወሓት ክፅምበር ፈቲኑ፡ ቈልዓ ኢኻ ተባሂሉ ናብ ገዝኡ ክምለስ ተገይሩ።

እንተዀነ ኣብ 1971 [ግ]፡ ኣብ ከባቢ ገጠራት ኣክሱም ኣብ ዝተገብረ ውግእ፡ ምስ ተጋደልቲ ህወሓት ተላልዩ ተሓዊሱ ወፂኡ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ድማ ናብ ስሩዕ ታዕሊም ኣትዩ።

ጆን መዲድ፡ "ንዓቕመ ኣዳም ምስ በፃሕኹ" ይብል፡ ወለዱ ንመሳፍንቲ ተገዲዶም ክሓርሱ ምርኣዩ ናብ ቃልሲ ክኣቱ ከም ዝደረኾ ይዛረብ።

ብፍላይ ደቂ ገጠር መንእሰያት ብበዝሒ ዝተሳተፍሉ፡ ኣብ ዓዲ ሃገራይ፡ "ዓዲ ዝባ" ኣብ ዝበሃል ማእከል መስልጠኒ እዩ ተዓሊሙ።

እቲ መደብ ታዕሊም፡ ታዕሊም ቅላዕ ዝብል መፀውዒ ዝተውሃቦ ኰይኑ፡ ምኽንያት ድማ ሓቢሮም ዝስልጥኑ ካብ ደርግ ዝተልኣኹ ኣባላት ከም ዝነበሩን ኣብ መወዳእታ ከም ዝተጋለፁን ምስ ድምፂ ወያነ ትግራይ፡ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሐትት የዘንቱ።

ኲናት ፆመ-ኣርብዓ

ንሱ ናብ በረኻ ኣብ ዝወፅአሉ እዋን ሰለስተ በጦሎኒ ህወሓት ከም ዝነበራን ኣብታ ሳሞራ የኑስ ዝመርሓ ዝነበረ በጦሎኒ 80 ከም ዝተመደብን ህይወት ታሪኹ የመልክት።

ኣብ ዓዲ ሃገራይ [ሸራሮ] ዝተገብረ ውግእ ድማ ንፈለማ እዋን ተሳቲፉ፡ እቲ ወግእ ተደጋገምን ፅዕፁዕን ከም ዝነበረ ዝንገር ኰይኑ፡ ኣካል 'ራብዓይ ወራር' እናተብሃለ ዝፅዋዕ ወፍሪ ስርዓት ደርግ እዩ።

ኣብቲ ካብ መጋቢት ጀሚሩ ዝተኻየዱ ወፍርታት፡ ተጋደልቲ ብፅምኢ ማይ ከም ዝተፈተኑ፡ ንሱ ድማ ኣብዚ ናይ መጀመርታ ውግእ ውንኡ ስሒቱ ወዲቑ ከም ዝነበረ ይዝክር።

"ልዕሊ ኵሉ ፅምኢ ማይ ጐዲኡኒ ነይሩ፤ ንፈለማ ግዜይ እዩ፡ ዋላ ነቶም ዝፀንሑ'ውን ኣዐርዩ ፈታኒ እዩ ነይሩ፤ ንምሸት ከባቢ ካብቲ ውግእ ክነንሳሕብ ተወሲኑ፡ ካብኡ ወዲቐ። ዝቘሰለን ብማይ ፅምኢ ዝወደቐን ክትፈልዩ ኣፀጋሚ እዩ ነይሩ፡" ይብል።

"ብዙሕ መስዋእቲ'ውን ነይሩ፡ ሽንቱ ዝሰተየ'ውን ኣሎ። ብማይ ፅምኢን ዝተሰወአ'ውን ነይሩ፡ እናዘሓለ ምስ ከደ ሰዓት 9 ለይቲ ናብ ውነይ ተመሊሰ፡" ይብል።

እቲ ቅነ ውግእ፡ ናይ መጀመርታ መራሒ በጦሎኒ 'ዋልታ' [ገ/መድህን] ዝተሰወአሉ ከምኡ'ውን፡ ደሓር ኢታማጆር ሹም ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝዀነ - ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ፡ ብጥይት ተወቒዑ ዝቘሰለሉ ኵነት እዩ።

ኣባል ፋፃሚ ስራሕ ህወሓት ዝነበረን ኣብ ኲናት ትግራይ [2020] ዝተቐትለን ኣቶ ኣስመላሽ ወ/ስላሴ (ኣባይ ነብሶ) እውን ክልተ ዓይኑ ዝሰኣነሉ ውግእ እዩ።

ንበይኑ ብህይወት ዝተረፈላ ህሞት

ጆን መዲድ፡ ሓደ ግዜ ዋርድያ ወፂኡ እንከሎ፡ ተረሲዑ ዝተረፈሉ ኣጋጣሚ ይዝክር።

"ናብ ካልእ ከም እንኸይድ ሓበሬታ ነይሩኒ፤ ብፆተይ ርሑቕ ምስ ከዱ ኣነ ንበይነይ ተረሲዐ ከም ዝተረፍኩ ፈሊጠ። በበይ ከይዶም ግን ኣይፈልጥን፡ ኣብ ውሽጢ ፀላኢ ንበይነይ ተሪፈ።"

ካብኡ፡ ሓንቲ ጕጀለ ተላኢኻ ካብ ውሽጢ ፀላኢ ብለይቲ ብስርሒት ክወፅእ ተገይሩ።

እንተዀነ፡ ቀፂሉ 'ገፅኪ ምለስለይ' ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝተኸፈተ ውግእ፡ ሓደገኛ ኵነታት ከም ዘጋጠሞ ይዛረብ።

ብዝሒ ሰራዊት ደርግ ከም ዝመፅኡን ኣብ ልዕሊኦም ሃንደበታዊ ተዅሲ ከም ዝኸፍቱሎምን ይዝክር - ጆን መዲድ።

"እታ ናይ መጀመርታ ጥይት ንዓይ ወቒዓ፡ ሓደ ሰብ ደጊፉኒ ንድሕሪት ተወሲደ፡ ኣብ ሓደ መንደር ምስ በፃሕኹ፡ ደም ይፈሰኒ ነይሩ፡ እቲ ደጊፉኒ ዝኸደ ወዲ ድማ ጠፊኡ። ካብኡ ደም ወዲአ ናብ ዒልቦ ወዲቐ፡ ውነይ ስሒተ ሞይተ ተባሂለ ነይረ።"

እንተዀነ፡ ናብ ክፍሊ ሕክምና ተወሲዱ ምስ ወፅአ፡ ነቲ ውግእ ይመርሕ ዝነበረን ክሕከም ዝገበሮን፡ ዶ/ር ኣታኽልቲ ቀፀላ ሓዊሱ፡ ኵሎም ኣባላት እታ ኣሃዱ ተሰዊኦም ፀኒሖምዎ።

ኣብ ህይወቱ ኵሉ ግዜ ሕሱም ሓዘን ዝፈጥረሉ ተዘክሮ ከም ዝዀነ፡ ንብዓት ቍፅርፅር እናበሎ እዩ ዝዛዘረብ።

"ሓሙኽሽቲ" ናቕፋ

ኣብ ቃልሲ፡ ኣብ መንጎ ህወሓትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን፡ ብዙሕ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዛት ከም ዝበረ ተደጋጊሙ ዝተሰነደ እዩ።

ካብቶም ኣሃዱታት መሪሖም ናብ ኤርትራ ዝኸዱ ነባራት መራሕቲ ህወሓት ሓደ፡ ዮሃንስ እዩ።

ኣብ እዋን ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ፤ ናብ ግንባራት ሳሕል ካብ ዝኸዳ ቦጦሎኒታት፡ ነተን ክልተ ጋንታታት መሪሑ ወፊሩ።

ብፍላይ ወግእ ግንባር ናቕፋ ኣዝዩ ዝዝክሮ ኰይኑ፡ ዕርዲ ሒዞም እናተፀበዩ እንከለው፡ ሰራዊት ደርግ ንሳቶም ብዘይሓሰብዎ መንገዲ መፂኡ መጥቃዕቲ ፈንዩሎም።

ክልተ በጦሎኒ፡ ማለት'ውን በጦሎኒ 43ን 60ን ኣብቲ ከባቢ ከም ዝነበራ ዝዝከር ጆን መዲድ፡ ኣትሪሮም ከም ዝተዋግኡ ይዝክር።

እቲ ሰለስተ ወርሒ ወሲዱ ዝበሎ ወፍሪ፡ ብሰንኪ ውግእን ደብዳብ ነፈርትን፡ ኵሉ ነገር ናብ ሓመድ ስለ ዝተቐየረ፡ እቲ ቦታ 'ሓሙኽሽቲ ዝብል ስም ከም ዝተውሃቦ ይዝክር።

ዛጊድ እታ ወሳኒት ስፍራ በዚ ስያመ እያ ትፍለጥ።

ሰራዊት ደርግ ደፊኡ ነቲ ከባቢ ተቘፃፂሩዎ ምንባሩን ኣብ ሓንቲ በዓቲ ምስ ሰለስተ ርእሱ ብህይወት ከም ዝተረረፈን ይዝክር።

"ንሞት ኢና ተዳሊና ነይርና፡ 'ብሰንክና ድፋዕ ክፈርስ የብሉን' ኢለ ንነብሰይ ኣእሚነዮ። ኣብ ንእሽቶ በዓቲ እየ ነይረ፡ ክሳብ ዝቐትሉና ይትኵስ ነይረ፡ ኣጋጣሚ ኣብ ጥቐዓይ ብዙሕ ቦምባታት ነይሩ፡ ሓንቲ ቦምባታት ተቐብለኒ ተጋዳሊት ድማ ነይራ፤ ካልኦት ሰለስተ ድማ ብሬን ዝሓዙ ነይሮም።"

"ሓደ ግዜ መትረየስ ዝሓዙ ዝተኣከቡ ፀላእቲ ዒለማ ምስ ሃረምና፡ ካበይ ከም ዝመፅአ ኣይተረደኦን ፀላኢ ተበቲኑ። ካብኡ ክንኣምን ኣይከኣልናን፡ ብህይወት ወፂእና።"

እንተዀነ ኣዝዩ ሕሱምን ብድምፂ ተዅሲ ነፈርቲ ውግእን፡ ብዙሓት ኣእዛኖም ፀሚሞም ዝገብርዎ ዝጠፍኦም ኣጋጣሚ ነይሩ፡ ክብል ይዝክሮ።

"ኣብቲ ናይ ኤርትራ ውግእ ብዙሕ መስዋእቲ እዩ ተኸፊሉ፡" ዝብል መዲድ፡ "ብህይወት ምትራፈይ ክሳብ 'ዛ ሎሚ ሓቂ ምዃኑ ኣየኣምንን፡" ይብል።

"ንሕና ዝለመድናዮ ተንቀሳቐሲ ውግእ እዩ፤ ኣብኡ ድማ ዝፀንሐና ሜላ ውግእ፡ ድፋዕ ሒዝካ ምውጋእ እዩ፡ ንዓና ከቢድ እዩ ነይሩ።"

ካብ መደናገሪ ውግእ፡ ክሳብ ማእከል ሃገር

ኣብ እዋን ኦፕሬሽን ኣግኣዚ፡ ሰራዊት ደርግ ካብ ከተማ መቐለ ንኽወፅእ፡ ኣብ ከባቢ ወጀራት ዝተኸፍተ መደናገሪ ውግእ ድማ ጆን መዲድ ምስ ካልኣዩ ኰይኑ እዩ መሪሑዎ።

እቲ ብጀነራል ሓየሎም ዝተወጠነ ስርሒት፡ ካብቶም ዕዉታት ሰርሒታት ህወሓት ዝጥቀስ ኰይኑ፡ ብዙሓት እሱራት ካብ 'ወህኒ ቤት' መቐለ ሓራ ዝውፅእሉ እዩ።

ናብ ማእከል ሃገር ኣብ ዝተገብረ ጕዕዞ፡ ንሱ ዝመርሓ በጦሎኒ ብደጀና [ራስ ዳሽን] ኣቢላ ንፋስ መውጫን ጉናን ከምኡ'ውን ኣብ መወዳእታ ደብረ ታቦር [ኣብ ክልል ኣምሓራ] ንምቍፅፃር ኣብ ዝተገብሩ ውግኣት ተሳቲፉ።

"ኣብ ክምር ድንጋይ፡ ንፋስ መውጫ፡ ሰለስተ ወርሒ ዝኣክል ዘየቋርፅ ውግእ መሪሑ፡" ይብሉ ብፆቱ።

ኣብቲ እዋን፡ ብዙሕ ምድፍፋእ ከም ዝነበረን ዝዛረብ መዲድ፡ ንባዕሉ'ውን ምስ ተጋላይ ኣሞራ ተማሪኹ ከም ዝነበረ የዘንቱ።

"ምስ ኣሞራ ተታሒዘ፡ ኣምሊጠ እየ ወፂአ፤ ከምልጥ እንከለኹ ጃኬተይ ኣብኣ ተሪፋ፡" ይብል።

ኣሞራ ምስጢር ከውፅእ ከምኡ ድማ ንስሐ ክዛረብ ኣብ ቅድሚ መንግስታዊ ሚድያ ተሓቲቱ፡ ብምእባዩ፡ ብስርዓት ደርግ ዝተረሸነ ብጅግንነት ዝለዓል ተጋዳላይ እዩ።

ጆን መዲድ፡ ኵሉ ግዜ ኣብ እግረኛ ተወጋኣይ ከም ዝዀነን ክሳብ 1973 መራሒ መስርዕ፡ ክሳብ 1974 ድማ መራሒ ጋንታ፡ ክሳብ 1978 መራሒ ሓይሊ፡ 1982 ድማ መራሒ በጦሎኒ፡ ክሳብ ደርግ ዝድምሰስ ድማ ምክትል ኣዛዚ መይደይ ክፍለጦር ኰይኑ እዩ፡ እቲ ቃልሲ ተዛዚሙ።

ድሕሪ ውድቀት ደርግ

ጆን መዲድ፡ ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ [መጀመርታ ምክትል] ደሓር ድማ ዋና ኣዛዚ መበል 14 ክ/ሰራዊት ኰይኑ ኣብ መስመር ቡሬ ኣዋጊኡ። ካብኡ ድማ ኣብ 2003 ምክትል ኣዛዚ ሰሜን እዚ ኰይኑ ኣገልጊሉ።

ካብ 2003 ክሳብ 2005 ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ንዝተሳተፋ ክፍለ ሰራዊታት ኢትዮጵያ ከም ኣተሓባባሪ ኰይኑ ናብ ሶማልያ ወፊሩ።

ካብ ሶማሊያ ምስ ተመለሰ፡ ድሕሪ ሞት ቀዳማይ ምኒስትር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ፡ ንጀነራል ኣበባው ታደሰ ብምትካእ ዋና ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ኰይኑ።

ኣብ 2010 ቀዳማይ ምኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መፅአ፡ ጀነራል ዮሃንስ ጡረታ ወፂኡ።

ጀነራል ጆን መዲድ፡ ኣብ 2013 ኵናት ትግራይ ቅድሚ ምውልዑ፡ ናብ መቐለ ብምኻድ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝወደቡ ኣዘዝቲ ሓደ እዩ፤ መጀመርታ ኣርሚ ክልተ ከም ዘቘመ ይንገረሉ።

ደሓር፡ ጆን መዲድ ኣዛዚ እዚ -ግንባር ደቡብ ኰይኑ፡ ሓሙሽተ ኣርሚታት 24 [ኣብ ኣላማጣ ዝነበረት]፡ 26 [ኣብ ሳምረ ዝነበርት] ፡ 22 [መቐለ] ፡ 44 [ ዓዲ ጉደም] ከምኡ'ውን 43 [ኣብ መዀኒ ዝነበረት] ዝሓቘፈት እያ።

ከምኡ ድማ ኣብ ኲናት ትግራይ ከም ነጥቢ መቐይሮ ተገይሩ ዝውሰድ ውግእ ወርቀዲኖ [ወፍሪ ኣሉላ ]፡ ምስ ጀነራል ተኽላይ ኣሸብር [ወዲ ኣሸበር] ብሓባር ኰይኖም ነቲ ውግእ ከም ዝመርሕዎ ይግለፅ።

19 መስከረም 2014፡ ናብ ሚድያ ወፂኦም 'ንሕና ወተሃደራት ህወሓት ኢና' ካብ ዝበሉ ሓመሽተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓደ ኰይኑ፡ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ዝቐርብ ዝነበረ ሕቶ ኣዐንቂፉ ተባሂሉ ብነቐፍቱ ይለዓል።

ከምኡ ድማ እቲ ኲናት ብውዕል ፕሪቶርያ ጠጠው ምባሉ ስዒቡ፡ ብፕረዚደንትነት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንኽፈርስ ካብ ዝወሰኑ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓደ ኰይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሚድያታት ወፂኡ፡ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎም መግለፂታት ክህብ ተሰሚዑ ነይሩ።

ብፍላይ "50 ዓመት ድዩ፡ 60 ዓመት ድዩ 100 ዓመት ድዩ ይወስድ ብዝየገድስ፡ ንመስዋእቲ ዝኸውን ወለዶ ክውፈ ኣለዎ፡" ዝብል ርእይቶኡ ኣብ ብዙሓት ቅረታ ፈጢሩ ነይሩ።

ኣብ 13 መስከረም 2019 ምውላዕ ዳግማይ ውግእ ስዒቡ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ዶባት ኤርትራ ዝተደፍኡ ኰይኖም፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ሰላም ትግራይን ንርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ሓዊሱ፡ ንዝበዝሑ ከባብታት ትግራይ ተቘፃፂሮም ይርከቡ።

ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስትን መሻርኽቶምን፡ ዳግማይ-ማጥቃዕቲ ንምኽፋት ኣብ ምድለዋት ከም ዘለዉ ዝገልፁ ዕጡቓት ህወሓት፡ ኢድ ምሃብ ጀነራል ዮሃንስ፡ ብኣሉታ ክፀልዎ ድዩ ኣይክፀልዎን ብሕዚ ዝረአ እዩ።

ስለምንታይ 'መዲድ' ተባሂሉ?

"ብናተይ ባህሪ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ጭንቀት፡ ጐሊሑ ኣብ ገፀይ እትርእዮ ነገር ኣይኰነን፡" ይብል ጀነራል ጆን መዲድ፡ ካብዚ ተበጊሱ እዩ መራሒኡ ከምዚ ዝበሎ።

ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ፡ 'ኣታ እንታይ ኢኻ መዲድ፡ ኣብ ገፅካ ዝዀነ ስምዒት ኣይረአን' ከም ዝበሎ ይዝክር።

'መዲድ' ኣብ ገጠራት ትግራይ ኣደታት እኽሊ ንምጥሓን ዝጥቀማሉ ባህላዊ መሳርሒ እዩ።

ካብታ መዓልቲ ጀሚራ 'መዲድ' ጠቢቓቶ፡ ተጋደልቲ ብፆቱ፡ በዚ ሳጓኡ ብስፍሓት ይፈልጡዎ።

ጀነራል ጆን መዲድ፡ ካብቶም ንበረኻ ዝወፅኡ ሓሙሽተ ኣሕዋቱ፡ ኣርባዕተ ኣብ በረኻ ተሰዊኦም።

ንሱ፡ ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑ እዩ።