ጀነራል ታደሰ፡ ዝሓለፈ ለይቲ ኣብ መንበሪ ቤቱ እንታይ ኣጋጢሙ?

ምንጪ ስእሊ, Amensisa Ifa/BBC
ትማሊ ለይቲ ንመንበሪ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝሕልዉ ዝነበሩ ኣባላት ጸጥታ ፡ ምስ ሓደስቲ ኣባላት ሓለዋ፡ ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ከምዝነበረን፡ ስድራኡ ካብ ገዛ ክወፁን ክኣትዉን ከምዘይፍቀደሎምን ቢቢሲ ካብ ምንጭታት ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ናይ ቀረባ ኣባላት ቤተሰብ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ከምዝበልዎ፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ሓለውቲ፡ ትማሊ ረቡዕ 13 መስከረም 2019 ዓ.ም [ኣ.ግ] "ኣብ መንጎ ሰዓት ኣርባዕተ ክሳብ ሰዓት ሓሙሽተ (10-11) ለይቲ" ከምዝተተክኡ ገሊፆም።
ጀነራል ታደሰ፡ ካብ ፕረዚደንትነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብመራሕቲ ህወሓት ብሓይሊ ከምዝተኣለየ ካብ ዝገልፅ ጀሚሩ፡ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከም ዝርከብ ፀብፃባት የመልክቱ።
ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንሓደ ዓመት ዝመርሐ ሌተናል ጀነራል ታደሰ፡ ንምሕላው ዝተመደቡ ኣባላት ፀጥታ ትማሊ ምሸት፡ እቶም ኣባላት ስድራ "ካብ ገዛ ክወጹ ክኣትዉን ኣይፍቀደሎምን" ይብል እቲ ምንጪ ቢቢሲ።
ካልኦት ኣባላት ስድራኡ ድማ፡ "ካብ ደገ ናብቲ ገዛ ከይኣትዉ ከም ዝተኸልከሉ" ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ትማሊ ኣብ ከባብታት ደቡብን ምብራቕን ትግራይ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ትግራይን ሰራዊት መንግስትን ቅሉዕ ግጭት ከምዝተወለዐ ኣብ ዝግለፀሉ መዓልቲ፡ ኣጋምሸት እዩ ዝኸውን ዘሎ።
እቶም ኣባላት ቤተሰብ ከምዝብልዎ፡ እቶም ምስቲ ጀነራል ዝፀንሑ ተነክዮም ሓሙሽተ ዝተረፉ ኣባላት ሓለዋ፡ ትማሊ ከምዝቕየሩ ዝዀነ ሓበሬታ ኣይነበሮምን።
እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ሓለውቲ ክቕየሩ ምዃኖም "ኣይንፈልጥን" ዝበሉ ናይ ቀረባ ቤተሰብ ሌተናል ጀነራል ታደሰ፡ እቶም ሓደስቲ "ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ስራሕኹም ኣብቂዕኹም ኢኹም" ከም ዝበልሉዎም ኣብሪሆም።
"እቶም ተተኪኦም ዝመፁ ሓለውቲ፡ ትማሊ [ረቡዕ] ብኣርባዕተ ኣንፈት ነቲ መንበሪ ገዛ ከቢቦም፡ ሃንደበት ናብቲ ቀጽሪ መጺኦም። ንሳቶም [እቶም ዝፀንሑ ሓለውቲ]፡ ከይፈለጡ፡ 'ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ስራሕኩም ኣብቀዒዕኹም ኢኹም' ኢሎምዎም።"
ነዚ ስዒቡ ውሱን ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ምንባሩ ምንጭታትና ይገልፁ። ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤቱን ኣባላት ቤተሰቡን ድማ ስግኣት ፈጢሩ ከምዝሓደረ እውን ምርዳእ ተኻኢሉ'ሎ።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ እቶም ሓደስቲ ነቶም ዝፀንሑ ሓለውቲ፡ "ብፖሊስ ተተኪእኩም ኣለኹም፡ ካብ ሕዚ ንደሓር ንሕና ኢና ንሕልዎ ውፅኡ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ተኣጊድኩም ኣለኹም" ከምዝበሉዎም ወሲኹ ኣብሪሁ።
ካብቲ ከባቢ ዝርከብ ምንጪ ቢቢሲ ከምዝብሎ፡ ካብ ረቡዕ 13 መስከረም ጀሚሩ፡ ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ቀጽሪ መንበሪ ሌተናል ጀነራል ታደሰ፡ "ልዕሊ 10 ኣባላት" ሓለውቲ ኣለዉ።
እቶም፡ ንሌተናል ጀነራል ታደሰ ክሕልዉ ተተኪኦም ዝመፅኡ ሓደስቲ ኣባላት ጸጥታ "ብመን ከምዝተመደቡ ዝገልጽ ደብዳበ ኣይነበሮምን" ይብል እቲ ምንጪ ቢቢሲ።
ኣብ ካልእ ቦታታት ዝነብሩ ስድራቤት እቲ ጀነራል፡ ናብ መንበሪ ገዛ እቲ ጀነራል ኣብ ዝመፀሉ እዋን'ውን "ተኸልኪሎም ክኣትዉ ኣይከኣሉን" ክብል እቲ ምንጪ ቢቢሲ ወሲኹ ሓቢሩ።
ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ነቲ ክልል ንሓደ ዓመት ዝመርሐ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ካብ 30 ሚያዝያ [ግ] ካብ ስልጣኑ ምእላዩ ይዝከር።
ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ብመንግስቲ ፈደራል ዝተናወሓሉ ስልጣኑ "በይናዊ ውሳነ" ብምባል ዘይተቐበለ ህወሓት፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክፈርስን በቲ ቅድመ-ኲናት ዝነበረ ካቢነ ክትካእ ብምውሳን፡ 30 ሚያዝያ ኣብ ቤት ፅሕፈት እቲ ፕረዚደንት ፈላማይ ኣኼባኡ ኣካይዱ።
"እዚ ናይ ቀፃሊ ሓደገኛ መንገዲ ዝተጀመረሉ ዕለት፡" ይብል ጀነራል ታደሰ ኣብቲ መዓልቲ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ።
ነዚ ናይ መወዳእታ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ምንታይ ኵነታት ከም ዝርከብ ኣይተፈልጠን ነይሩ።
ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ግን፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኤርቪን ማሲንጋ ናብ መቐለ ገይሹ፡ ምስ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንምርኻብ ቈፀራ ሒዙ እዩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ተበጊሱ ነይሩ።
"ርግፅ ኣምባሳደር ማሲንጋ ንጀነራል ታደሰ ክረኽቦ ሕዚ ጥራይ ኣይኰነነን፣ ቅድሚ ሕዚ'ውን ፈቲኑ ኣይሰመረሉን፡" ዝብል እቲ መቕርብ፡ ካብኡ ግን ተሰሪዙ ከይራኸብ ከምዝተኸልከለን፡ ኣብ ልዕሊ ሓለውቱ መጠንቀቕታ ከምዝወረዶምን ይዛረብ።
ስለዝዀነ'ውን፡ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዝርከብ ቢቢሲ ትግርኛ ንፈለማ እዋን ብሰፊሑ ምፅብፃቡ ይርከብ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ወጥሪን ወተሃደራዊ ግጭትን እናገደደ ምምጽኡ "ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ" ገሊጹ ኣሎ። እቲ ግጭት "ብቕልጡፍ ደው ክብል" እውን ተማሕጺኑ።
ረቡዕ 13 መስከረም 2019 [ግ]፡ ሓይልታት ትግራይ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ፡ ኣኽሱምን ሽረን ኣብ ቁጽጽር ስዒቡ፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን መንግስትን ወተሃደራዊ ግጭት ከምዝተወለዐ ይግለፅ።
ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋን፡ ኣብ ደቡብ ትግራይን ክልል ዓፋርን እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ከምዘሻቐሎ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።
ክልልቲኦም ሓለፍቲ ዝሃብዎ መግለጺ ስዒቡ፤ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓትን ምክትል ፕረዚደንት እቲ ክልልን፡ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝለጠፎ መግለፂ፡ ነቚፉ ኣሎ።
ኣቶ ኣማኑኤል፡ ኣምባሳደር ኣመሪካን ኮምሽነር ሕብረት ኣፍሪካን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ነፈርትን ድሮንን እንትፍፀም ብጩቕ ከይበሉ ቀንዮም፡ ሕዚ ዘቕረብዎ ነቐፌታ "ዘይፍትሓዊ እዩ" ክብል ገሊፁ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
