ኤርትራ፡ ማዕከን ልምዓት ኣፍሪቃ ንኣገልግሎት ማይን ጽሬትን ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ክሕግዝ'ዩ

መስመር ዝስተ ማይ ኣብ ገጠራት ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, afdb.org

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ቦርድ ዳይረክተራት ማዕከን ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኤርትራ ኣገልግሎት ቀረብ ማይ፡ ጽሬትን ክንክን ጥዕናን ንምምሕያሽ ዝውዕል ናይ 9.82 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከም ዘጽደቐ ኣፍሊጡ።

እዚ ፕሮጀክት፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራን ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ)ን ብምትሕብባር ዝትግበር እዩ።

እቲ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ካብቲ ባንክ ንጉዳይ ኵነታት ኣየር ዝመደቦ ፍሉይ ጸጋታት ፋይናንስ ዝተረኽበ ኰይኑ፡ ነቲ ማሕበረሰብ ኣብ ጽሩይ ቀረብ ማይ ዓቢ ረብሓ ክህብ እዩ።

ዳይረክተር ክፍሊ ማይን ጽሬትን ናይቲ ባንክ ምቸራ ጆሃንስ ቺርዋ፡ "እዚ ፕሮጀክት፡ ማሕበረሰባት መስተ ማይ ንምርካብ ዝጓዓዝዎ ዝነበሩ ነዊሕ ርሕቀት ብዓሰርተ ዕጽፊ ብምጕዳል፡ ናብ ኣስታት ፍርቂ ኪሎሜትር ከውርዶ እዩ፡" ብምባል ጽልዋ እቲ መደብ ኣብሪሁ።

ኣስዒቡ'ውን ኣብ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ዘሎ ኣገልግሎት ጽሬት ብምምሕያሽ፡ ቍጠባዊ ዕብየትን ማሕበራዊ ምርግጋእን ንምምጻእ ወሳኒ ስጕምቲ ምዃኑ ሓቢሩ።

ብመንገዲ እዚ ሰፊሕ መደብ፡ 21 ሓደስቲ መሳለጥያታት ቀረብ ማይ ገጠር ክህነጹን 38 ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝዀኑ ድማ ጽገና ክግበረሎምን እዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ 10 ማእከላት ጥዕናን 12 ኣብያተ ትምህርትን መሳለጥያታት ጽሬት ክህነጽ እንከሎ፡ ዲጋታት ምህናጽን ኣብ ከባቢ ማያት ተኽሊ ምትካልን ኣብቲ ትልሚ ተኻቲቱ ኣሎ።

እዚ ሓድሽ ስምምዕ ማይን ጽሬትን፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን ዳግማይ ዝተሓደሰ ስትራተጅያዊ ዝምድና እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዝሓለፈ ምያዝያ 2026፡ ብዋና ዳይረክተር ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣሌክስ ሙቢሩ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ እቲ ባንክ፡ ኣብ ኣስመራ ምስ ሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት ከምኡ'ውን ምስ ሓለፍቲ ምኒስትሪ ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ዕዉት ዘተ ብምክያድ፡ ኣብ እምነትን ግብራውነትን ዝተሰረተ ሓድሽ ምዕራፍ ምኽፋቱ ይዝከር።

እቲ ባንክ፡ ኤርትራ ብሰንኪ ድሩት ዓቕሚ ምምንጫው ጸዓት ከተሕልፎ ዝጸንሐት ብድሆታት ብኣግኡ ጠቒሱ ነይሩ እዩ።

ነዚ ንምፍታሕ ድማ ነቲ ድሮ ኣገልግሎት ጀሚሩ ዘሎ ናይ 30 ሜጋ-ዋት መመንጨዊ ጸሓያዊ ጸዓት ደቀምሓረ ብኣካል ተዓዚቡ፣ ኣብ ተሰነይ፡ ባረንቱን ከርከበትን ተመሳሳሊ ፕሮጀክትታት ንምትካል ስምምዓት ገይሩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ምጽዋዕን ተሰነይን ዝዝርጋሕ ኣውራ-ጐደና ብምምሕያሽ ንንግዳዊ ልውውጥን ምትእስሳር መሰረተ-ልምዓትን ዘተኰረ ወፍሪ የካይድ ኣሎ።

እዚ ኣብ ኤርትራ ብምትሕብባር ሕቡራት ሃገራት ዝካየድ ዘሎ መደባት፡ ኣካል ናይቲ ባንክ ኣብ መላእ ዞባ ዝኽተሎ ፖሊሲ እዩ።

እቲ ባንክ ካብ ዝሓለፈ ተመኵሮ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምብጋስ ከም ዘረጋገጾ፡ ኣብ ዞባዊ ደረጃ ተዅሲ ደው ብምባል ሰላም ምርግጋጽን ውሕስነት መግቢ ምፍጣርን ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ፕሮጀክትታት ምምካት ደርቂ (DRSLP V) ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

እዚ መደብ ምምካት ደርቂ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ንነዊሕ ኣዋርሕ ተዓንቂፉ እኳ እንተጸንሐ፡ ሕጂ ግን 21 ንኣሽቱ ሓጽቢታት ብምህናጽ ኣብቲ ሃገር ጐሊሑ ዝረአ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ተገሊጹ ነይሩ።

እዚ ኵሉ ጻዕርታት ኣካል ናይቲ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ "High 5s" ብዝብል ዝሓንጸጾ ሓሙሽተ ዓበይቲ ተልእኾታት እዩ።

ንኣፍሪቃ ብጸዓት ምብርህ፡ ውሕስነት መግቢ ምርግጋጽ፡ ከምኡ'ውን ማሕበረ-ቍጠባ ሃገራት ምልዋጥ ዝብሉ ሸቶታት፡ ካብቲ ዝተለምደ ናይ ረድኤት ኣተሓሳስባ ወጺእካ ርእስኻ ምኽኣል ዝጠልቡ እዮም።