እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስንብት ኬፕ ቨርደ፡ ዋንጫ ዓለም ፈጺሙ ዘይርስዖ ፍሉይ ታሪኽ
ኬፕ ቨርደ ኣብዚ ዋንጫ ዓለም ካብ ተሳተፍቲ ሃገራት እታ ዝነኣሰት ኰይና፡ ዓቢ ጽልዋ ፈጢራ እያ።
እቶም ንፈለማ እዋኖም ናብዚ ውድድር ክሳተፉ ዝመጽኡ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኬፕ ቨርደ ዝያዳ ሊዮነል መሲ፡ ክርስትያኖ ሮናልዶ፡ ኤርሊንግ ሃላንድን ሃሪ ኬንን ቈላሕታ ብምርካብ ኣቓልቦ ስሒቦም ተፋንዮም ኣለዉ።
እታ ጋንታ ምስ ስጳኛ ገጢማ ማዕረ ብምፍልላያ ኣብ ዋንጫ ዓለም ፋልመይቲ ነጥባ ክትረክብ ከላ፡ ሓላዊ ልዳት ቮዚንሃ ድማ ፍሉይ ብቕዓት ብምንጽብራቕ ደሚቑ።
ምስ ኡራጓይ ኣብ ዝገበረቶ ጸወታ'ውን ኣብ ዋንጫ ዓለም ፋልመይቲ ሸቶኣ ብምምዝጋብ ንህዝባ ዓቢ ሓጐስ ፈጢራ።
ሲድኒ ሎፔስ ካብራል ኣብ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ ምስ ኣርጀንቲና ኣብ ዝገበሩዎ ጸወታ ዘመዝገባ ኣደናቒት ሸቶ ድማ ኣብ ልዕሊ'ታ ንመሲ ዝሓዘትን ዕውትቲ ዋንጫ ዓለም ናይ ዝሓለፈ ዓመትን ብምንባሩ ንብዙሓት ኣገሪሙ እዩ። ንኣርጀንቲና ኣትሪፋ ታሪኽ ክትሰርሕ ትኽእል እያ ዝብል ትጽቢት እውን ፈጢሩ።
ኬፕ ቨርደ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዘካየደቶ ጕዕዞ ኵሉ ዘጠቓለለን ነታ ሃገር ኣብ ስፖርታዊ ታሪኻ ዓቢ ስጕምትን እዩ።
ኣብ ሚያሚ (ኣመሪካ) ዝተዋህበ ተወሳኺ ግዜ ምብቃዑ ዝሕብር ፊስካ ክንፋሕ ከሎ፡ እቶም ብ'ሰማያውን ሻርክታት' (ብሉ ሻርክስ) ተባሂሎም ዝፍለጡ ተጻወቲ ኬፕ ቨርደ፡ ክሳዕ ተወሳኺ ግዜ በጺሖም ብኣርጀንቲና 3 ብ 2 ብምስዓሮም ልቦም ተሰይሩ ናብቲ ሳዕሪ እኳ እንተ ተደፍኡ፡ ልቢ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ስፖርት ስሒቦም እዮም ናብ ዓዶም ክምለሱ።
ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ስኮትላንድ ዝነበረ ጀምስ ማክፋደን ንቢቢሲ ሬድዮ 5 ላይቭ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ኬፕ ቨርደ ተሳዒራ እያ፣ ግን ከኣ ተዓዊታ እያ፡" ኢሉ።
"ትብዓት፡ ሓድነት፡ ምትእስሳርን ኣብ መንነቶምን ክገብሩዎ ኣብ ዝኽእሉ ነገራትን ዘለዎም ዘይንቕነቕ እምነት ኣርእዮም እዮም። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ቀንዲ ታሪኽ ዝሰርሓት ኬፕ ቨርደ እያ። ኣብ ሓንቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ክትርእዮ እትደሊ ነገር'ውን እዚ እዩ፡" ኢሉ።
እታ ጋንታ ኣብ ዓለም መበል 67 ደረጃ ሒዛ እያ ናብዚ ውድድር መጺኣ፤ እንተዀነ፡ ኣብ መኽፈቲ ጸወታኣ ምስ ሻምፒዮና ኤውሮጳ ስጳኛ 0 ብ 0 ተፈላልያ።
ንሰለስተኡ ናይ ምድብ ጸወታ ማዕረ ብምውጻእ፡ ስዕረት ከየመዝገበት ናብ ዝቕጽል ዙር ሓሊፋ። እዚ ድማ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ጕዕዞ ክትስንድ ኣብቂዑዋ።
ምስ ኣርጀንቲና ኣብ ዝገበሩዎ ግጥም፡ መሲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ብዘመዝገባ ሸቶ ተመሪሖም ነይሮም። እንተዀነ፡ ተጻወትቲ ኬፕ ቨርደ መመዓራረት ሸቶ ብምምዝጋብ ነቲ ጸወታ ናብ ተወሳኺ ግዜ ክድፋእ ቀሲቦሞ።
እቲ ንመሲ ቀዳመይቲ ሸቶ ከመዝግብ ቀረብ ዝገበረሉ ተጻዋታይ ማንቸስተር ዩናይትድ ማርቲነስ ካልኣይቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ፣ ሽዑ'ውን ኬፕ ቨርዳውያን ደጊሞም ተመዓራረዩ።
እንተዀነ፡ ክርስትያን ሮሜሮ ብርእሱ ዝገጨዋ ኩዕሶ ኣብ ኢድ ዲኒ ቦርገስ ተንኪፋ ናብ ልዳቶም ብምምዝጋባ ኣርጀንቲና ክትሓልፍ ክኢላ።
ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝን ማንቸስተር ዩናይትድን ዝነበረ ጋሪ ኔቪል ንኣይ-ቲ-ቪ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "እዚ ካብ ሓንቲ ትሑት ግምት ዝተዋህባ ጋንታ ካብ ዝረኣኹዎም ዝበለጹ ግጥማት ሓደ እዩ፡" ኢሉ።
"ናብ ገዝኦም ስለ ዝምለሱ እዮም ዝበኽዩ ዘለዉ፤ ክምለሱ ኣይደልዩን እዮም። ንምሉእ ህይወቶም ኣብዚ ክጸንሑ እዮም ዝደልዩ። እዚ ንገሊኦም ተጻወቲ ደጊሙ ክመጽእ ዘይክእል ፍሉይ ክስተት እዩ፡" ኢሉ።
ኣሰልጣኒ ኬፕ ቨርደ ቡቢስታ፡ ጋንታኡ ንኣርጀንቲና ናብ ፍጹም ቅላዕ ንምውሳድ ዓሰርተ ደቒቕ ጥራይ ኣብ ዝተረፋ ብስዕረት ምስ ተሰናበተት፡ ብተጻወትቱ ዓቢ ሓበን ከም ዝተሰምዖ ገሊጹ።
"ንሕና ንእሽቶ ሃገር ክንከውን ንኽእል ኢና፤ እንተዀነ ምስቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ብሉጻት ጋንታታት ክንጻወት ከም እንኽእል ኣርኢና ኣለና። እዚ ድማ ናይ ሓበን ምኽንያት እዩ፡" ኢሉ።
"ንሃገርና ታሪኽ ሰሪሕናላ ኢና፤ ንሃገሮም ብምውካሎም'ውን ክዀርዑ ይግባእ። ምስ ሻምፒዮና ዓለም ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብ ተጻዊትና ክልተ ሳዕ ማዕረ ክንወጽእ ምኽኣልና ዘደንቕ እዩ፡" ኢሉ።
ኣብ ኵሉ እቶም ኣርባዕተ ጸወታታት ኬፕ ቨርደ ኣብዚ ዋንጫ ዓለም ዝተጻወተ ናይ ሻምሮክ ሮቨርስ ናይ ማእከል ተኸላኻሊ ሮበርቶ 'ፒኮ' ሎፔስ ንቢቢሲ ስፖርት ከምዚ ኢሉ፤ "ካብዚ ዋንጫ ዓለም ዝተረኽበ ዝበለጸ ነገር እንተሃልዩ፡ ሕጂ ዝዀነ ሰብ ኬፕ ቨርደ ኣብ ካርታ ዓለም ኣበይ ከም ዘላ ኣይሓትትን እዩ፤ እዚ ንባዕሉ ዓቢ ታሪኽ እዩ።
ሃገርና ኣብ ካርታ ከም እትፍለጥ ገይርና ኣለና። ንእሽቶ ሃገር ክንከውን ንኽእል ኢና፤ እንተዀነ ሰፊሕ ልቢ ከም ዘለናን እንታይ ክንገብር ከም እንኽእልን ኣርኢና ኣለና፤ እንተ ኣሚንካ ክትዕወት ትኽእል ኢኻ።"
ሓላዊ ልዳት ቮዚንሃ ምስ ስጳኛ ኣብ ዝተገብረ ናይ መኽፈቲ ጸወታ ሓያሎ ሸቶ ክዀና ዝኽእላ ዝነበራ ኳዓሳሱ ድሕሪ ምድሓኑ፡ እናበኸየ ናይ ኬፕ ቨርደ ባንዴራ ናብ ላዕሊ ኣልዒሉ ዝነብዓሉ እዋን ኣብ ኵሉ ዓለም ተዘርጊሑ ነይሩ።
እዚ ድማ ቅልጡፍ ተፈታውነት ክረክብ ገይርዎ። ተፈታውነቱ ግን ብሰንኪ እቲ ስእሊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ዘርኣዮ ብሉጽ ብቕዓት ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ኣደይቡዎ እዩ።
እዚ ወዲ 40 ዓመት ሓላዊ ልዳት፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኩዕሶ እግሪ ፖርቱጋል ምስ እትጻወት ሻቨስ ዝተሰምየት ጋንታ ዝነበሮ ውዕል ምስ ኣብቅዐ፡ ክሳዕ ሕጂ ዝጻወተላ ጋንታ የብሉን።
እንተዀነ ጋሪ ኔቪል፡ እቲ ሓላዊ ልዳት ንነዊሕ እዋን ብዘይ ጋንታ ክጸንሕ እዩ ኢሉ ኣይግምትን።
ኔቪል ንኣይ-ቲ-ቪ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ቮዚንሃ ብሳላ እዚ ዘርኣዮ ብቕዓት ጋንታ ክረክብ እዩ። ከመይ ዝበለ ዋንጫ ዓለም እዩ! ኵሉ ዝገብሮ ነገር ዝተረጋግአን ጥንቁቕን እዩ። ኣበይ እዩ ነይሩ? ቅድሚ ሕጂ ክንፈልጦ ነይሩና፡" ኢሉ።