እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዝተሓላለኸ ጥንሲ ፍላይ-ማንታ ብዘይ መጥባሕቲ ዘድሓነ ፈላሚ ሕክምና
ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ኤርትራን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ዝተሓላለኸ ኩነታት ጥንሲ ማናቱ፡ ነቶም ድቂ ዀነ ንህይወት እታ ኣደ ዝፈታተን ኩነታት ከስዕብ ተራእዩ እዩ።
ብፍላይ ድማ፡ እተን ኣብ ዝሃለፉ ዓመታት ካብ ኤርራውያን ወለዲ ዝተረኽባ ኣርእስተን ተጣቢቝ ዝተወልዳ ህፃናት ብህይወት ንምትራፍ ዝተገብረ መጥባሕቲ ትከዑረት ስሒቡ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ሕዚ ኣርእስቲ ኳቖይኑ ዘሎ መይላ ሕክምና ድማ ንፈለማ ግዜ ዝተፈተነ ዀይኑ፡ ኣብ መጀመርታ ብርኪ ጥንሲ 'ሓደገኛ' ግን ከኣ ሳሕቲ ጥራይ ዝረአ ኩነታት ጥንሲ፡ ተመሳሰልቲ ማንታታት ብህይወት ንምትራፍ ዝተገብረ ብዘይ ዝዀነ መጥባሕቲ ዝተገብረ ፃዕሪ ዝምልከት እዩ።
እቲ ሓድሽ መይላ ሕክማና ንመፃኢ ኣብቲ ዓውዲ ሰፊሕ ዓቕሚ ዝፈጥር ከምዝዀነ ሓደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እንታይ እዩ'ቲ ሓድሽ መይላ?
ኣብ መንጐ ክልተ ማናቱ ምትሕልላፍ ሲንድሮም (TTTS) ዝህሉ ዋሕዚ ደም ዘይምዕሩይ ምዃን፡ ሓደ ህጻን ኣዝዩ ደቂቕ ናይ ምኸወን፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣዝዩ ገዚፍ ኰይኑ፡ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ክስተት እዩ።
ብሪዮኒ ጋሬት፡ ኣብ እዋን ጥንሳ፡ በተን ተመሳሳሊ ፆታ ዘለዎን ድቂ፡ ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐት ኣብ ሆስፒታል ለንደን ዝርከቡ ሓካይም ነቲ ሕክምና ተጠቒሞም ነቲ ጸገም ዝፈጠሩ ሰራውር ደም ብምዕጋት እዮም ነቲ ጸገም ፈቲሖምዎ።
እቶም ሓካይም ነቲ ንፈለማ እዋን ዝፈተንዎ መይላ ሕክመና፡ መጥባሕቲ ምግባር ከየድለዮም እዮም ፈልየምወን።
ድሕሪ እቲ ኣብ ዓለም ፈላሚ ዝኾነ ሕክምና፡ ፍላይ ማናቱ 'ናንሲን ማርጎን' ጥዑያት ኮይነን ተወሊደን።
ሕጂ ኣርባዕተ ዓመት ዝደፈና ዀይነን ኮይነን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ትምህርቲ ክጅምራ እየን።
ፍርቂ ካብተን ኣብቲ ፈተነ ዝተሳተፋ 10 ደቂ ኣንስትዮ፡ ተወሳኺ ሕክምና ዘድለየን ኮይኑ፡ ካብቶም 20 ማናቱ ድማ እቶም 12 ነቲ መስርሕ ስዒቦም ብህይወት ከምዝተረፉ ኣመሪካዊ መፅሄት፡ ጆርናል ኦፍ ኦብስተትሪክስ ኤንድ ጋይነኮሎጂ ሰኒዱ።
ተመራመርቲ ሆስፒታል ንግስቲ ሻርሎትን ቸልሲን፡ ነዚ ሳሕቲ ዝረአ ምትሕልላኽ ጥንሲ ንምሕካም፡ መርፍእ ኰን ቴለስኮፕ ኣብ ከብዲ እታ ኣደ ምእታው ከየድለየ ምክያዱ፡ "ኣዝዩ ዘሐጉስ እዩ" ኢሎም።
እቲ ኣገባብ ብሰፊሑ ኣብ ግበሪ ቅድሚ ምውኣዓሉ ግን፡ ውጽኢታዊ ሕክማነ ክኸውን ከም ዝኽእል ንምርግጋፅ፡ ገና ኣብ ልዕሊ ዝያዳ ነፍሰጾራት ሰፊሕ መጽናዕትታት ምክያድ ክድሊ እዩ ተባሂሉ።
ብሪዮኒ፡ እተን ማናቱ ደቃ "ተኣምራዊ ፍጥረት" ምዃነን ትዛረብ።
"ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ኢና ነይርና፡ ኣይርስዖን፤ ነገራት ከመይ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኩሉ ግዜ ኣብ ሕልናይ ይመላለስ ነይሩ። እዚ ፀጋ በረከት መዓልታዊ ክዝክሮ እየ"።
ከምዚ ዓይነት ዝተሓላለኸ ፅንሲ ካብ 10-15% ኣብ ሓደ ደም ዝካፈላ ተመሳሰልቲ ፆታ ማናቱ ይጸልዎም - ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ጥራይ ኣብ ዓመት ኣስታት 300-400 ከምዚ ዓይነት ጥንሲ ይረአ።
ኣብ መንጎ አቶም ድቂ ዝፍጠር ዘይምዕሩይ ዋሕዚ ደም፡ ኣብ ከባቢ እቲ ዝዓበየ ተቐባሊ ህጻን ልዕሊ ዓቐን ፈሳሲ ክእከብን ኣብ ከባቢ እቲ ንእሽቶ ተቐባሊ ህጻን ድማ፡ ሓደገኛ ዝዀነ ሳዕቤን ዘለዎ ሕጽረት ፈሳሲ የስዕብ።
እዚ ኩነታት ድማ ንኽልቲኦም ድቂ ክጎድእ ይኽእል እዩ።
ከም ንቡር፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ መርፍእ ናብ ማህጸን ብምእታው፡ ገለ ካብቲ ፈሳሲ ብምውፃእ ወይ ድማ ብሌዘር ተጠቒምካ ሰራውር ደም ምዕጋት ዘጠቓልል ሕክምና እዩ ዝግበር።
ዋሕዚ ደም
ንብሪዮኒ እቲ ኣገባብ ዝያዳ ቀሊልን፡ ኣስታት 20 ደቓይቕ ጥራይ ዝወስድን እዩ ነይሩ።
ጥንቅልዒት በጥ ኢላ መስደቀሰት፡ እቲ ብፍሉይ ዝተዳለወ ማሽን ኣብ ጥቓ ድቂ ንዝርከቡ ደቀቕቲ ሰራውር ደም ልዑል ሓይሊ ዘለዎ ማዕበል ኣልትራሳውንድ ሰዲዱላ።
"ኣዝዩ ቅልጡፍን ቃንዛ ዘይብሉን እዩ ነይሩ" ትብል።
ብሪዮኒን እተን ካልኦት ካብ ዓባይ ብሪጣንያን ካብ ካልእ ከባብታት ኣውሮጳ ዝመጻ ነፍሰጾራት ደቂ ኣንስትዮን፡ ኣብ መጀመርታ ብርኪ እቲ ጥንሲ፡ እቲ ኩነታት ብስካን ድሕሪ ምፍላጡ እየን ኣብቲ መጽናዕቲ ተሳቲፈን።
ኣብ ኢምፔርያል ኮሌጅ ሄልዝኬር ኤንኤችኤስ ትራስት ሓላፊ ሕክምና ፅንስን፡ ኣብ ኢምፔርያል ኮሌጅ ለንደን ፕሮፌሰር ሕክምና ማህጸንን፡ ፕሮፌሰር ክሪስቶፍ ሊስ፡ እቲ መጽናዕቲ "ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ እዩ" ኢሉዎ።
"እዚ ብሙሉእ መጽናዕቲ ክድገፍ እንተዝኽእል፡ ንብዙሓት ኣኣዝዩ ምቾት ዘይህብ ሕክምና ክገብራ ዝግደዳ ደቂ ኣንስትዮ ተስፋ ክህበን ክህበን ይኽእል እዩ" ይብል።
ኣልትራሳውንድ ኣብ ሕክምናዊ ፅንሲ ብቐጻሊ ምስሊ ኣካላት ንምርካብ ብሰፊሑ ኣብ ጥቅሚ ዝወዓለ ኣገባብ እዩ፡ ኣዝዩ ውሑስ ምዃኑ ድማ ይንገር።
እዚ ዓይነት ኣልትራሳውንድ ግን ፍጹም ዝተፈልየን ኣዝዩ ዝያዳ ኣብ ውሱን ቦት ኣትኲርካ ዝስራሕን እዩ።
በቲ ማዕበል ውቅዒት ዝፍጠር ሙቐት፡ ን2 ሚሜ ዲያሜትር ዘለዎ ሰራውር ደም ክዓጽዎም ይኽእል እዩ፣
እዚ ድማ ክሳብ ኣስታት 5-6 ሴሜ ትሕቲ ቆርበት ዘሊቑ ይሰርሕ።
እቲ ኣገባብ ኣብ 90% ካብቶም ከም ኣካል ናይቲ መጽናዕቲ ዝተሓከማ ሰራውር ደም፡ ዋሕዚ ደም ዓጊቱ፡ ዘይተደልየ ጎናዊ ሳዕቤናት ድማ ኣይነበረን።
ነቲ መጽናዕቲ ዝደገፈ ትካል ግብረ ሰናይ ትዊንስ ትራስት፡ እቲ ሓድሽ ኣገባብ ናይ ብሓቂ ለውጢ ከምጽእ ከምዝኽእል ገሊጹ።
ሓላፊት ርክብን ምርምርን ክንክን ጥዕና፡ ሄለን ፐክ፡ "ብቐሊል ክግበር ዝኽእል፡ ንTTTS ኣቐዲሙ ከለልን ነዚ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት ዘለዎም ስድራቤታትና ውጽኢት ከማሓይሽ ዝኽእልን ኣገባብ፡ ኣብ ሕክምና ፅንስን ማህፀንን፡ ነጥበ መቐይሮ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ትብል ።
ኣብ ብርዮኒ፡ እቲ ሕክምና ምስ ተውሃበ፡ ድሕሪ ሰሙናት ዝተወስደ ስካን፡ እቲ ኣገባብ ከም ዝሰርሐ ንጹር ኰይኑ። ናብቶም ዕሸላት ዝውዝ መጠን ደም ዳግማይ ተመዓራርዩ።
ርግፅ፡ ኣብ ከይዲ ጥንሳ፡ ምስ ዘይዘይተኣሳሰር፡ ካልእ ሕልኽላኻት ነይሩዋ።
እኹል ፈሳሲ ዘይትርከብ ዝነበረት ማርጎ "ኣዝዩ ዝሓሸ ኩነታት ከም ዝነበረት፡ ኣብ ልቢ ናንሲ ዝነበረ ጸቕጢ ድማ ከም ዝጐደለ" ኣብ ብርዮኒ ዝተገብረ ስካናት የመልክት።
እተን ማናቱ፡ ኣብ ዳርጋ 34 ሰሙን እየን ተወሊደን።
ናንሲ 3.7: ማርጎ ድማ 3.3 ኦውንስ ክብደት ሒዘን እየን ተወሊደን።
"ክልቲአን ጥዑያት ነይረን፡ ማርጎ ድማ ከምቲ ንሕና ንጭነቕ ዝነበርና ደቃቕ ኣይነበረትን" ትብል ብሪዮኒ።
ኣብ ወርሒ መስከረም ድማ መባእታ ትምህርቲ ክጅምራ እየን።
"መስሓቕቲ፡ በላሕቲ፡ ብርቱዓት ኣዋልድ'የን፡ ምስ ዕድሚአን ፅቡቕ ኣለዋ" ትብል ብሪዮኒ።