ነዊሕ ዕድመ ዶ ምሉእ ጥዕና - ደቂ ተባዕትዮ ዶ ደቀንስትዮ ነዊሕን ብጥዕናን ይጸንሑ?

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ነዊሕ ዕድመ ምንባርን ጥዕና ዝዓሰሎ ህይወት ምንባርን ክልተ በበይኑ ነገራት'ዩ።

ተወለድቲ ሲንጋፖር ብደረጃ ዓለም ክረአ እንከሎ ብማእከላይ ገምጋም እቶም ዝነወሐ ዕድመ ዘለዎም ኣህዛብ'ዮም።

እንተዀነ ብላንሰት ፐብሊክ ሀልዝ ብዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ተወለድቲ እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ዕድመኦም ብብዙሕ ሕማማት ከምዝጥቅዑ ኣረጋጊጹ።

እቲ መጽናዕቲ ኣብ 2023 ዝተኣከበ ሓበሬታ ምርኵስ ብምግባር ንዅነታት 204 ሃገራት ኣብ ዝዳህሰሰሉ፡ ማእከላይ ዕድመ ዜጋታት ሲንጋፖር ልዕሊ 85 ዓመት ምዃኑ'ዩ ከረጋግጽ ክኢሉ፡ በዚ ከኣ እታ ሃገር ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።

ሓንቲ ካብቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርስቲ ሲንጋፖር ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ዝዀነት ዶክተር ማሪ ኤንጂ ምስ ቢቢሲ ሳይንስ ፎከስ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት "ሲንጋፖራውያን ነዊሕ ዕድመ ክህልዎም ዝኸኣለ ነዊሕ ዝገበረ ፖሊስ ጥዕና ዘንቀሎ'ዩ ካልእ ፍሉይ ምኽንያት የብሉን" ይብል።

ዘርዚራ ክትገልጾ እንከላ ኸኣ "ስርዓት ክንክን ጥዕናኣ፡ ድልዱል ማሕበራዊ ክንክንን ኣብ ጭብጢ ዝተመርኮሰ ምሕደራን ኵሎም እዚኦም ዜጋታታ ነዊሕ ዕድመ ንኽነብሩ የኽእሎም፡" ኢላ።

እቶም ተመራመርቲ ነቲ ዝተረኸበ ቍጽሪ ምርኵስ ብምግባር ንሓፈሻዊ ኣነባባራ ዜጋታት ሲንጋፖር ኣብ ዝዳህሰስሉ፡ እቶም ዜጋታት ክሳብ ደቂ 80ታት ዝዀኑ ብጽቡቕ ከም ዝነብሩ፡ ኣብተን ናይ መወዳእታ 11.2 ዓመታት ግን ብተደጋጋሚ ሕማማት ከምዝጥቅዑን ሕማቕ ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ኵነታት ጥዕና ከምዝህልዎምን ክፈልጡ ክኢሎም።

ካብዚ ብምብጋስ'ዮም ተመራመርቲ ነዊሕ ዕድመ ምንባርን ጥዕና ዝዓሰሎ ህይወት ምንባርን ክልተ በበይኑ ነገራት'ዩ ዝብሉ።

ብሓፈሻ ብደረጃ ዓለም ክረአ እንከሎ ከኣ ሰባት ኣብ እዋን እርጋኖም ምስቲ ኣብ 1990ታት ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ ኣብዚ እዋን ዝተሓተ ኵነታት ጥዕና ከምዘለዎም ይግለጽ።

ብደረጃ ዓለም ኣብ 1990ታት ማእከላይ ዕድመ ወዲ ሰብ 64.6 ዓመታት ዝነበረ ኣብ 2023 ናብ 73.8 ዓመታት ክብ ክብል ምኽኣሉ'ውን ውጽኢት ናይቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይረድእ።

ንዕድመ ሓዲግና ናብ ጥዕና ጥራይ ምስ እነተኵር ግን ኵነታት ጥዕና ደቂ ሰባት እናኣንቆልቈለ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ኣብ በጽሕታት ካብ ሸውዓት ዓመታት ነታ ሓንቲ ዓመት ኣብ ዘኸፈአ ተባሂሉ ዝግለጽ ኵነታት ጥዕና'ዮም ዘሕልፍዋ።

ብደረጃ ዓለም ክረአ እንከሎ ከኣ ደቂ ኣንስትዮ'የን ዝያዳ ደቂ ተባዕትዮ ዝነወሐ ዕደመ ዝነብራ፤ እንተዀነ ኣብ መወዳእታ ዕድመአን ከኣ ንሰን'የ ዝያዳ ብሕማማት ዝጥቃዓ።

ደቀንስትዮ ኣብ መወዳእታ ዕድመአን ዘለዋ 12.1 ዓመታት ብሕማም ከሕልፈአን እንከለዋ ደቂ ተባዕትዮ ከኣ እተን ናይ መወዳእታ 9.3 ዓመታት ኵነታት ጥዕናኦም ዝያዳ ዝጐደለ ይኸውን።

ናብ ሲንጋፖር ክንምለስ እንከለና፡ ደቂ ኣንስትዮ ዋላ ደኣ ብማእከላይ ገምጋም ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ 4.4 ዓመታት ይንበራ፡ ኣብ ኵታት ጥዕና ክንመጽእ እንከለና ግን ኣብ መወዳእታ ዕድመአን ኣብ ዘሎ ዓመታት ንሰን'የን ዝያዳ ብሕማማት ዝጥቃዓ።

ኣብ ሲንጋፖር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መወዳእታ ዕድመአን ኣብ ዘለዋ 21.1 ዓመታት ደቂ ተባዕትዮ ከኣ 10.4 ዓመታት ኵነታት ጥዕናኦም ዝያዳ የንቆልቍል።

ኣብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ተመራማሪ ዝዀነ ዶክተር ጁልያን ሙቲዝ ብዛዕባ ፍልልይ ንውሓት ዕድመ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክገልጽ እንከሎ "እቲ ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ዝነውሐ ዕድመ ይነብራ ዝብል ነጥቢ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ዝተፈለጠ'ዩ ፣ግን እኹል መብርሂ ኣይወሃቦን'ዩ፡ እዚ ሕጂ ዝተገበረ መጽናዕቲ ከኣ እዚ ነጥቢ እዚ ዝያዳ ኣተኵሮ ከምዘድልዮ ዘዘኻኽር'ዩ" ኢሉ።

ኣመሪካ፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምንጽጻር እታ ዜጋታት ኣብ መወዳእታ ዕድመኦም ኣብ ዘለዋ 14 ዓመታት ኵነታት ጥዕናኦም ዝያዳ ዘንቆልቍለላ ሃገር ተባሂላ ኣብ ቅድሚት'ያ ትስራዕ።

ኣውስትራልያ ብ13.9 ዓመታት፡ ካናዳ ብ13.7 ዓመታት፡ ኒውዝላንድ ብ13.1 ዓመታት ንኣመሪካ ተኸቲለን ካብ ካልኣይ ክሳብ ራብዓይ ተሰሪዐን ዘለዋ ሃገራት'የን።

ብሓፈሻ ክርአ እንከሎ ከኣ ኣብ ሞንጎ ንውሓት ዕድመን ጥዕና ዘሎ ፍልልይ ካብተን መጽናዕቲ ዝተኻደለን 204 ሃገራት ኣብተን 203 ዝያዳ እናሰፈሕ ይኽይድ ከምዘሎ'ዩ እቲ መጽናዕቲ ዘርኢ። ኣብ ፍልስጤም ጥራይ'ዩ ፍልልይ ዘይተመዝገበ።

ዶክተር ማሪ ኤንጂ "ኣብዚ እዋን ብዙሓት ሰባት ካብ ዕድመኦም ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ዝተሓተ ዝበሃላ ኵነታት ጥዕና'ዮም ዘሕልፍዎ፤ ከም ቃንዛ ሕቖ፡ ሕማም ሽኮርያ፡ ኣእምሮኣዊ ምዝባዕን ናይ ምስማዕ ጸገማታትን ከኣ እቲ ብብዝሒ ዝርአ ሕማማት'ዩ" ትብል።

ኣብቲ ናይ 2023 ተረኽቦ ዝያዳ ካብ ዝተራኣዩ ሕማማት እቶም 57.4 ሚእታዊት ቃንዛ ታሕተዋይ ክፋል ሕቖ፡ ቅዛነት፡ ጸቕጢ፡ ናይ ምስማዕ ጸገም፡ ብምውዳቕ ዝመጽእ ቃንዛ፡ ሕማም ሽኮር፡ ጸቕጢ ደምን ሕማም ልብን'ዮም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ በርሚንግሃም ተመራማሪ ዕድመ ደቂ ሰባት ዝዀነ ፕሮፌሰር ሳይሞን ጆንስ ምስ ቢቢሲ ሳይንስ ፎኮስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ነቲ ውጽኢት መርምር ደሕሪ ምዕዛብ ኣዝዩ ከምዝተመሰጠ'ዩ ሓቢሩ።

"እዚ ንሓፈሻዊ ጥዕና ጭዋዳታት፡ ኣዕጽምትን መላግቦታታን ዘለዎም ተራ'ዩ ዝያዳ ዘጕልሕ" ይብል።

ዶክተር ማሪ ኤንጂ ምስ ሓሳብ ፕሮፌሰር ሳይሞን ጆንስ ብምስምማዕ "ደቂ ሰባት ብኸመይ ነዊሕ ዕድመ ይነበሩ'ዮም ዝመራመሩ'ምበር ብኸመይ ጥዕና ዘለዎ ዓመታት የሕልፉ ብዙሕ ጸዓት ኣየፍስስሉን'ዮም፤ ብሓፈሻ ክርአ እንከሎ ከኣ ነዊሕ ዓመታት ምንባር በይኑ ምሉእ ዓወት ኣይከውንን'ዩ፤ ስለዚ እቲ ሕቶ ክንደይ ዓመታት ኣብዛ ምድሪ ነቢርና ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ዓመታት ብጥዕናዶ ነቢርናዮ'ዩ ክኸውን ዘለዎ" ትብል።