እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተጣቢቖም ዝተወለዱ መናቱ ሰብ ሞያ ኤሌክትሮኒክስ
Published
ህንዳውያን ሶህና ሲንግን ሞህና ሲንግን ኣብ ፑንጃብ ተጣቢቖም ዝተወለዱ መናቱ ኮይኖም። ኣብታ ዝተወለዱላ መዓልቲ ተደርብዮም ስለዝተረኸቡ ሓደ ገባሪ ሰናይ ኣዕብይዎም። ሎሚ ብናይ ኤሌክተሮኒክስ ሞያ ዲፕሎማ ተመሪቖም ነፍሲ ወከፎም ወርሓዊ 135 ዶላር ኣመሪካ መሃያ ይኽፍሎም’ሎ።