እልልታ ሳሙኤል፡ ኣብ ናይ ኮሮናቫይረስ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን እትሰርሕ ኤርትራዊት

Published

ኣብዚ ከቢድ ናይ ኮሮና ቫይረስ እዋን እቶም ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፎም ንሕሙማት ዝከናኸኑን ዝኣልዩን ዘለው እቶም ኣብ ዓውደ ሕክምና ዝሰርሑ ሰባት እዮም። እቶም ኣብ ሰላምን ጸገምን፡ ኣብ ጭንቅን ራህዋን ንህዝቢ ብሞየኦም ኸገልግሉ ዝመሓሉ ሰራሕተኛታት ሕክምና ማሕለኦም ዓቂቦም ብሰብኣዊ ሓልዮትን ርህራሀን ንህዝቢ የገልግሉ ብምህላዎም ዜጋታት ነብሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ከም ጀጋኑኦም የድንቑዎምን የኽብሩዎምን ኣለው።