እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ገለ ኣደነቕቲ ጥንታዊ ሓድግታት ትግራይ ንሓደጋን ተቓሊዖም ይርከቡ
Published
ትግራይ ብጥንታዊ ሓድግታት ዝተዓደለት እያ። ካብ በጻሕቲ ክንዲ ክትርበሖ ዝግባእ ግን ኣይተጠቐመትን ተባሂሉ ብሰፊሑ ይንቀፍ። እዚ ግቡእ ናይ ምልላይ ስራሕቲ ካብ ምንኣስ ዝተበገሰ ከምዝኾነ እዩ ዝግመት።
ካብኡ ሓሊፉ ግን፡ ገለ ኣደነቕቲ ጥንታዊ ሓድግታት ትግራይ ግቡእ ክንክን ሰለዘይግበረሎም ንሓደጋን'ውን ተቓሊዖም ይርከቡ።
ቢቢሲ ትግርኛ ናብ ከባብታት ውቕሮ ክልተኣውላዕሎ ተንቀሳቒሱ፡ ንሓደጋ ተቓሊዖም ካብ መንጎ ዝርከቡ ሓድግታት ንገሊኦም ተዓዚቡ'ሎ።