ዘተ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ እንታይ ትሕዝቶ ኣለዎ?

Published

ካናዳ ኣብ ዝርከብ ሓደ ዩኒቨርስቲ መምህር ታሪኽ ዝኾነ ኤርትራዊ ዶክተር ዓወት ተወልደብርሃን መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝፈረምዎ ውዕሊ ኣልጀርስ ብዝግባእ ከተግብሩ ኣለዎም ይብል። ህወሓት እናግለልካ ዝግበር ዘተ ሰላም እውን ኣንፈቱ ከይስሕት ስግኣት ከምዘለዎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።