ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኲናት ትግራይ፡ ምስጢራዊ ሓበሬታ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዘመሓላለፈ ውልቀሰብ ክሕደት ምፍጻሙ ኣሚኑ

  2. ኣመሪካ፡ ሜላት ኪሮስ ንኮንግረስ ተዓዊታ - ንሳ ግን መን'ያ?

  3. ኣብ ሞሮኮ ዝጽንበል ዘሎ ዘይምስምማዕ ኣመሪካን ሩስያን እንታይ እዩ?

  4. ውጽኢት ደሞክራሲያውያን ‘ማዕበል፡ ሱናሚ ወይ ዓብላሊ ጥራይ ዘይኰነስ - ከም ነውጺ’ እዩ

    ኣመሪካውያን ሓጐሶም እናገለጹ

    እቶም ኣዝዮም ትስፉዋት ዝዀኑ ደሞክራሲያውያን እንተዀይኑ እውን እኳ፡ ክሳዕ ክንደይ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓወት ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ተስፋ ዝነበሮም ኣይመስለን።

    ገና ዘይሰማዕናዮም ጽንክር ዝበሉ ውድድራት’ኳ እንተለዉ፡ እዚ ትማሊ ምሸት ዝረአ ዘሎ ግን ተራ ደሞክራሲያዊ ማዕበል፡ ሱናሚ ወይ ዓብላሊ ጥራይ ተባሂሉ ዝግለጽ ዘይኰነስ፡ ሓደ ዓቢ ፖለቲካዊ ምንቅጥቃጥ እዩ።

    ኣመሪካውያን ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ዘሕለፎ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ነጺጎምዎ ኣለዉ።

    ትራምፕ መብዛሕትኡ ጐስጓሱ፡ መረጽቲ ንሱ ባዕሉ ኣብቲ ናይ መረጻ ወረቐት ከም ዘሎ ገይሮም ክወስድዎን ከም ዘለዎ ገይሮም ክሓስቡ ክነግሮም እዩ ግዜኡ ኣሕሊፉዎ።

    ንሱ ንርእሱ ማእከል ናይቲ ሪፓብሊካዊ ጐስጓስ ብምግባር ሓያል ጐስጓስ ኣካይዱ። ሕጂ ድማ፡ እቶም ሕጹያቱ እዮም ብመረጽቲ ዝንጸጉ ዘለዉ።

    ካብ ሰበ-ስልጣን ዋይት ሃውስ ብዛዕባ ብቕዓት ናይቶም ሪፓብሊካውያን ዝተሳዕሩሎም ሕጹያት ዝተፈላለየ ርእይቶታት ይስማዕ ኣሎ።

    ሓደ ክዝከር ዝግባኦ ነገር ግን ኣሎ፤ ገለ ካብኦም፡ ከም ዳርሊን ግርሃም ኣብ ሳውዝ ካሮላይናን ከን ፓክስተን ኣብ ተክሳስን ዝኣመሰሉ፡ ብደገፍ ትራምፕ እዮም ኣብኡ በጺሖም። ንሱ እዩ ንሕጹይነቶም ደጊፉ ናብቲ ቦታ ከም ዝበጽሑ ዝገበሮም።

    ሕጂ ሪፓብሊካውያን ነዘን ብልምዲ ብቐሊሉ ይሕዝወን እዮም ዝበሃላ ቦታታት ምስ ሰኣንወን፡ እቲ ጌጋ ናይቶም ዝተመርጹ “ብቑዓት ዘይኰኑ ሕጹያት” ምዃኑ ምግላጽ፡ ቅሩብ ምስሉይነት እዩ።

  5. 'ጌጋ ድሕሪ ጌጋ ጥራይ' - ሪፓብሊካዊ ስትራተጂስት

    ኣመሪካውያን

    ሪፓብሊካውያን ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ስዕረታት ኣብ ዝግምግሙሉ ዘለዉ እዋን፡ ሓደ መሪር ክውንነት ይጋህደሎም ኣሎ።

    ሞያውያን እቲ ሰልፊ፡ ነቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከም ዝስእኑዎ ትጽቢት’ኳ እንተጸንሖም፡ ብዙሓት ግን ነቲ ሰነት ብማዕረ ዕድል እዩ ክረአ ዝኽእል ዝብል ግምት እዩ ነይሮም።

    ሕጂ ግና መጠን ናይቲ ስዕረት መረጻ እናበርሀ ምስ መጸ፡ ብዙሓት ሪፓብሊካውያን፡ እቲ ሰልፊ ንኽልቲኡ ክፍልታት ኮንግረስ (ባይቶን ሰነትን) ቍጽጽሩ ንኽንስእን ዝገበረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እዩ ብምባል ናብኡ ኣጻብዕቶም የወጣውጡ ኣለዉ።

    ኣብ ተክሳስ ንነዊሕ እዋን ሪፓብሊካዊ ሎቢስት ዝዀነ ቢል ሚለር፡ "እዚ ውድቀት ኣብ ዝባኑ እዩ፤ ኣብ ካልእ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይኰነን። እዚ ንፕረዚደንት ትራምፕ ዝተገብረ ምሉእን ሓፈሻውን ንጽገት ዘመልክት እዩ” ይብል።

    ደሞክራሲያውያን፡እቲ ሰልፊ ንዓመታት (ወይ እውን ንዓሰርተታት ዓመታት) መረጻ ሰነት ዘይተዓወተለን ሓያሎ ግዝኣታት መናብር ሰነት ተዓዊቶም ኣለዉ። ተክሳስን ሳውዝ ካሮላይናን ኣብ ቅድሚት ናይዚ ዝርዝር ይርከባ።

    ደሞክራሲያውያን፡ኣብ እዋን ትራምፕ ናብ ቀይሕ (ሪፓብሊካውያን) ዘንቢለን ኣብ ዝነበራሉ ከም ኣይዋን ኦሃዮን ዝኣመሰላ ግዝኣታት እውን ተዓዊቶም ኣለዉ።

    ኣብ ዝተገብረ ቃለ-መሕትታት፡ ሪፓብሊካውያን፡ ትራምፕ ብሰንኪ ትሑት ደረጃ ተቐባልነት ስርሑ፡ ቅቡል ዘይኰነ ፖሊሲታቱን ነቲ መረጽቲ ብዛዕባ ክብሪ ናብራ ዘለዎም ስግኣት ብቐጻሊ ኣትሒቱ ምርኣዩን፡ ነቲ ሰልፊ ንድሕሪት ከም ዝጐተቶ ይገልጹ።

    ኣብ ሚነሶታ ሪፓብሊካዊ ስትራተጂስት ዝዀነ ግረግ ፐፒን፡ "ሓደ ጌጋ ድሕሪ ካልእ ጌጋ ጥራይ እዩ ነይሩ፡” ብምባል፡ “ብግልጺ ከም ዝረአ፡ ኣብ ኵለን ግዝኣታት ህዝቢ ንፖሊሲታት እቲ ፕረዚደንት ኣይፈተዎን" ይብል።

  6. ገለ ካብዞም ትንበያታት መረጻ ክሳዕ ክንደይ ታሪኻውያን እዮም?

    ትራምፕ

    ደሞክራሲያውያንኣብ ሳውዝ ካሮላይና፡ ካንሳስን ተክሳስን ኣብ ዝካየድ መረጻ ባይቶ ሰነት ኣመሪካ ክዕወቱ ትጽቢት ይግበር ኣሎ። እዚአን ኵለን ኣብዚ እዋን ብሪፓብሊካውያን ዝተታሕዛ ኰይነን፡ ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ድማ ብኣታቶም ክመሓደራ ዝጸንሓ እየን።

    ካንሳስ ንመወዳእታ ግዜ ሓደ ደሞክራሲያዊ ኣብ ሰነት ዝመረጸት ቅድሚ ኣስታት 100 ዓመት - ኣብ 1932 እዩ ነይሩ።

    እዚ፡ ኣብ እዋን’ቲ ዓቢ ቍጠባዊ ቕልውላው (Great Depression) ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብታ ደሞክራሲያዊ ፍራንክሊን ዲ ሩዝቨልት ፕረዚደንት ንምዃን ብዓቢ ፍልልይ ድምጺ ዝተዓወተላ ዓመት እያ ነይራ።

    ደሞክራሲያውያን ሕጹያት ኣብ ተክሳስ ኣብ ዝካየድ ናይ ሰነትን ኣመሓዳሪ ግዝኣትን (governor) መረጻታት ክዕወቱ ትጽቢት ይግበር ኣሎ።

    ክልቲኡ ካብ መጀመርታ 1990ታት ንነጀው ንፈለማ ግዜ እዩ።

    ንመወዳእታ ግዜ ኣመሓዳሪት ተክሳስ ኰይና ዝተመርጸት ደሞክራሲያዊት ኣብ 1991 ኣን ሪቻርድስ እያ ነይራ። ንሳ ንኣርባዕተ ዓመታት ድሕሪ ምግልጋላ፡ በቲ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ፕረዚደንት ዝዀነ ሪፓብሊካዊ ጆርጅ ደብልዩ ቡሽ ተሳዒራ እያ።

    ደሞክራሲያውያን ኣብ ሳውዝ ካሮላይና መንበር ሰነት ዝተዓወቱሉ ናይ መወዳእታ ግዜ ድማ ኣብ 1998 እዩ ነይሩ፤ እዚ ታይታኒክ ኣብ ኦስካር ናይ ዝበለጸት ፊልም ሽልማት ዝወሰደትሉ ዓመት እዩ ነይሩ።

  7. ትራምፕ ውጽኢት መረጻ 'ብፀጋ ክቕበል' ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ምስ ኣብ ባይቶ ሰኔት ዘላ ሲንዲ ሃይድ-ስሚዝ
    መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ምስ ኣብ ባይቶ ሰኔት ዘላ ሲንዲ ሃይድ-ስሚዝ

    ሕጂ ሕጹያት ሰልፊ ዲሞክራት ኣብ ገለ ከም ቀንዲ ትሕዝቶ ሪፓብሊካን ተገይረን ግዝኣታት ተዓዊቶም ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሐትት፡ ርእይቶ ሂቡ ኣሎ።

    እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ቃለ መሕትት፡ "ነቲ ውጽኢታት ብፀጋ ክቕበል ፍጹም ድሉው ምዃኑ"ን ምስቲ ተቓዋሚ ውድብ [ሰልፊ ዲሞክራት] ሓቢሩ ክሰርሕ ድሉው ምዃኑን ይዛረብ።

    “ንሕና፡ ምስኦም ሓቢርና ክንሰርሕ ብሃንቀውታ እንፅበዮ ነገር እዩ” ኢሉ።

  8. ኣመሪካውያን ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ወሳኒ ዝዀነ ናይ ፍርቂ ዘመን መረጻ ድምጾም ይህቡ ኣለዉ

    ትራምፕ
    መግለጺ ስእሊ, ዶናልድ ትራምፕ

    ኣመሪካውያን፡ ቍጽጽር ኮንግረስ ኣብ ቃራና-መንገዲ ኣብ ዝወደቐሉን፡ በቲ እናዛየደ ዝመጽእ ዘሎ ቍጠባዊ ቅሬታታት ደገፍ ሪፓብሊካውያን እናተፈተነን ኣብ ዘለወሉን እዋን፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ክልተ ዓመታት ናይ ካልኣይ ዘመን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ክቐርጽ ኣብ ዝኽእል ወሳኒ ናይ ፍርቂ እብረ መረጻ ድምጾም ይህቡ ኣለዉ።

    እዚ መረጻ፡ ናብራ እናኸበረ፡ ምስ ኢራን ዝግበር ግጭት እናናውሐን፡ ናይ ደገፍ ቍጽሪ ትራምፕ እናጐደለን ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ከም ህዝበ-ውሳነ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ትራምፕ ገይሩ እዩ ዝውሰድ።

    መጽናዕትታት ርእይቶ ህዝቢ ከም ዘመልክትዎ፡ ዝቕባበ ቍጠባ፡ ዋጋ ነዳድን ወጻኢታት ገዛን፡ ነቶም ናብ መውሃቢ ድምጺ ዘምርሑ ዘለዉ መረጽቲ እቶም ቀንዲ ኣተሓሳሰብቲ ጕዳያት ኰይኖም ኣለዉ።

    ሪፓብሊካውያን፡ ቍጠባዊ ጸቕጥታት ነቲ ብልምዲ ድልዱል ዕርዲ እቲ ሰልፊ ተባሂሉ ዝሕሰብ ዝነበረ ከባቢታት ደገፉ ከም ዝጐድል ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ኣብ ኮንግረስ ዘለዎም ዝበዝሐ መናብር ንምክልኻል ይቃለሱ ኣለዉ።ተወሰኽቲ ዜናታትን ሓበሬታታትን- ኣመሪካውያን መጻኢ ትራምፕ ኣብ ዝውስን መረጻ ድምጾም ይህቡ ኣለዉ- ዩቱብ ቢቢሲ ትግርኛ- ቲክቶክ ቢቢሲ ትግርኛ

  9. ዲሞክራት ንባይቶ ኣመሪካ ብሓፈሻ ከምዝዕወቱሉ ዛጊት ዝተረኽቡ ድምጺታት የመልክቱ

    ደገፍቲ ሰልፊ ዲሞክራት ድሕሪ ዓወት

    ንኣብዝሓ መናብር ባይቶ ኮንግረስ ተቘፃፂሮም ዝርቡ ሰልፊ ዲሞክራት፡ ንባይት ቤት ምኽሪ ምኒስተራት [ሰነት] ኣመሪካ'ውን ክዕብልልዎ ትጽቢት ይግበር።

    ኣብ ዝበዝሓ ሪፓብሊካን ተቘፃፂሮሙወን ዝነበራ ግዝኣታት ኣብ ዝዕወትሉ እዋን፡ ንዐኦም ገልቢጦም ይስዕሩ ከምዘለዉ መባእታዊ ውፅኢታት ከምዘርኢ - ዳህሳስ ሲቢኤስ ይሕብር።

    ብሓፈሻኡ ሰልፊ ዲሞክራት ንኽልቲኦም ኣብያተ ባይቶ ኣመሪካ ክቈጻጸርዎ ምዃኖም ይግመት።

  10. ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ዩጋንዳ ነበር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

    ፒተር ኢለወሉ

    ምክትል ጠቕላሊ ሓለቓስ ስታፍ ሰራዊት ዩጋንዳ ዝነበረ ሌ/ጀነራል ፒተር ኢለወሉ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

    እቲ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ዝነበረ ጀነራል ኣንጻር መንግስቲ ምልዕዓል ከካይድ ሃቐነ ነይሩዎ ብዝብል'ዩ ተኣሲሩ ዘሎ።

    ኣፈኛ ሰራዊት ክሪስ ማገዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጀነራል ኢለወሉ፡ ነታ ሃገር ናብ ዘይምርግጋእ ኣብ ዘእቱ ነጥፈታት ብምስታፉ ከምዝተታሕዘ'ዩ ዝኸስስ።

    ወዲ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ዝኾነ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ፡ ንወተሃደራዊ መዓርግ እቲ ጀነራል ከምዝገፈፎ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣፍሊጡ ነይሩ።

    ጀነራል ኢለወሉ፡ ኣብ 2016 ኣብ ልዕሊ ሓደ ንምንጻል ይንቀሳቐስ ኣሎ ዝተባህለ ዞባዊ ንጉስ እታ ሃገር ድሕሪ ዝወሰዶ ተሪር ስጉምቲ'ዩ ተፈላጥነት ረኺቡ።

    ነቲ ተቓውሞታት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ድሕሪ ምድቋሱ ድማ'ዩ ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ክኸውን ተመዚዙ።

    ኣብ 2024 ኣመሪካ ምስ ዘይሕጋዊ ምርሻን ዝርከቦ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ኣብ ልዕሊኡ እገዳታት ኣንቢራ ምንባራ ይዝከር።

    ኢለወሉ ኣንጻር መንግስቲ ምልዕዓል ንምፍጣር ኣጽዋር ሒዙ ከምዝተረኽበ'ዩ ጀነራል ሙሁዚ ከሲሱ ዘሎ።

    "ኣብ ገዝኡ ብርክት ዝበለ ብረታትን ተተኮስትን ረኺብና ኣለና" ብምባል ኢዱ ክህብ ሒደት ሰዓታት ከምዝተዋህቦ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

    ጀነራል ኢለወሉ ብዛዕባ'ቲ ክሲ ዛጊት ዝሃቦ መግለጺ'ኳ እንተዘየለ፡ ቤተሰቡን ነቲ ካብ ሰራዊት እታ ሃገር ዝቐርበሉ ዘሎ ክስታት ነጺጐሞ ኣለዉ።

    "ንዩጋንዳ የፍቅራ እዩ፡ ሕልሙ ድማ ሰላም ዝዓሰላ ሃገር ክትህልዎ እዩ" ዝበለት ብዓልቲቤቱ ፓትሪሺያ ኣፖሎት ተቓውሞ ከልዕል ከምዘይሓስቦ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ተዛሪባ።

  11. ኣውሮጳ፡ ኣብ በረራታት ነፈርቲ ስግኣት ፈጢሩ ዝወዓለ ኵነታት እንታይ'ዩ?

    ኣብ ጸሓይ ዕራርቦ እትበርር ነፋሪት

    ኣብ መላእ ኣውሮጳ ምስ በረራታት ነፈርቲ ዝተሓሓዝ ናይ ነታጒ መጠንቀቕታታት ሻቕሎት ፈጢሩ ውዒሉ'ሎ።

    ኣብ ዝተፈላለየ መዓርፎ-ነፈርቲ እታ ኣህጉር ሸውዓተ ዝተጻወደ ነታጒ ከይህልወን ዝተሰግኣ ነፈርቲ ክፍተሻ ተገዲደን ነይረን።

    ክልተ ካብአን ካብ ብሪጣንያ (መዓርፎ ነፈርቲ ሂትሮን ማንቸስተርን) ዝተበገሳ እየን።

    ኣብታ ካብ ማንቸስተር ናብ ሙሪሲያ (ስጳኛ) ዝበረረት ነፋሪት ዝነበሩ ገያሾ ነቲ ስግኣት ምስ ዓለቡ'ዮም ሰሚዖሞ። ቦምባታት ዘለልዩ ኣኽላባት ዝሓዙ ሰብመዚ ጸጥታ ነታ ነፋሪት ክፍቱሽዋ ከምዝተራእዩ'ውን ጸብጻባት ሓቢሮም።

    መንግስቲ ብሪጣንያ ንከምዚ ዝበለ ስግኣት ዘወግድ ብቑዕ ስርዓተ-ምክልኻል ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እቲ ዝተናፈሰ ወረ ስኑዕ ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።

    ናብ ርእሰከተማ ሶፊያ ዘምርሓ ክልተ ነፈርቲ'ውን በቲ ሓበሬታ ከምዝተጸልዋ ሚኒስተር ትራንስፖርት ቡልጋሪያ ሓቢሩ።

    ካብ ለንደን ናብ ዋርሶ (ፖላንድ)፡ ካብ ኮፐን ሄገን ናብ ዋርሶ (ፖላንድ)፡ ካብ ሊዝበን (ፖርቱጋል) ከምኡ'ውን ዱብሊን (ኣየርላንድ) ናብ ሮማ ዝኣተዋ ነፈርቲ'ውን ተመሳሳሊ ኩነታት ኣጋጢሙወን ነይሩ። ብፍላይ ሓንቲ ካብአን ብሓይሊ ኣየር ኢጣልያ ተሰንያ ከምዝዓለበት ተፈሊጡ'ሎ።

    ኣብዚ እዋን'ዚ መላእ መዓርፎታት ኣውሮጳ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ጥንቃቐ ከምዝርከብ ጸብጻባት ሓቢሮም ኣለዉ።

  12. ርዋንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን ካብ ውዕል ንግዲ ኣመሪካ ክእገዳ እየን- ትራምፕ

    ኣመልካቲቶ ጻብዕቱ እናወጣወጠ ዝርአ ሲሪል ራማፖዛ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኮፍ ኢሉ እናተማጐተ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ንደቡብ ኣፍሪቃን ርዋንዳ ካብቲ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ውዕል ንግዲ ከውጽአን ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

    ዶናልድ ትራምፕ ንባይቶ (ኮንግረስ) ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ክልቲአን ሃገራት ካብ ባሕቲ ጥሪ 2027 ኣትሒዘን ከምዝእገዳ የመልክት።

    እቲ 'ኣፍሪቃዊ ዕብየትን ዕድልን' (African Growth and Opportunity Act (Agoa) ተባሂሉ ዝፍለጥ ውዕል፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ብኣሽሓት ዝቚጸር ካብ ፍርያተን ብዘይ ቀረጽ ናብ ዕዳጋታት ኣመሪካ ክኣቱ ዘፍቅድ'ዩ።

    ወኪል ንግዲ ኣመሪካ ጃሚሰን ግሪር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኪጋሊን ፕሪቶሪያን ንቅድመ-ኩነታት ናይቲ ውዕል ብምጥሓሰን ነቲ ስጉምቲ ከምዝተወስደለን ይገልጽ።

    እቲ ውሳነ ንመንግስታት ክልቲአን ሃገራት ተነጊሩዎም ከምዘሎ'ውን ሓቢሩ'ሎ።

    ትራምፕ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃዊ መዘናኡ ሲሪል ራማፖዛ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ ፕሪቶርያ ምስ ተጻባእቲ ኣመሪካ ዝኾና ሃገራትን ወገናትን ዘለዋ ዝምድና ጸጥታዊ ስግኣት ከምዘስዕብ ብምግላጽ፡ ንትካላት ንግዲ ኣመሪካ'ውን ሕልኽላኻት ከምትፈጥር ይኸስስ።

    እታ ናብ ወጻኢ ብእትገብሮ ሰደድ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ቀዳማይ ደረጃ ትሕዝ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብቲ ናብ ኣመሪካ እትልእኮ ፍርያታ 10 ሚእታዊት ጥራይ'ዩ ተረባሒ ናይቲ ውዕል።

    ትራምፕ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምላሱ ኣብ ዝነበረ እዋን ደቡብ ኣፍሪቃ ብመገዲ እቲ ውዕል ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ንግዳዊ ፍርያታ ናብ ኣመሪካ ትልእኽ ከምዝነበረትን ኣብ 2025 ናብ 1.7 ቢልዮን ከምዝወረደን ይግለጽ።

    ንርዋንዳ ብዝምልከት ድማ፡ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት፡ ፖለቲካዊ ብዙሕነት፡ ግዝኣተ-ሕጊን መሰላት ሰራሕተኛታትን ከምዘሻቕላ ዋሽንግተን ኣነጺራ ኣላ።

    ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኪጋሊ ኣብ ምብራቓዊ ዶመክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ብዘለዋ ወተሃደራዊ ህላወ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ርዋንዳ እገዳ ወሲኑ ምንባሩ ይዝከር።

    ንዕጡቓት ኤም23 ትህቦ ደገፍ ደው ከተብልን ወተሃደራታ ካብቲ ዞባ ከተውጽእን'ውን ኣመሪካ ጸዊዓ ነይራ።

    ርዋንዳ ናብ ኣመሪካ እትልእኮ ሰደድ እናወሰኸ ክመጽእ ከምዝጸንሐይ ይንገር። ኣብ 2024 ልዕሊ 13 ሚልዮን ዝነበረ ሰደድ ኣብ 2025 ናብ ልዕሊ 43 ሚልዮን ከምዝዓበየ ጸብጻባት ንግዲ ኣመሪካ የመልክቱ።

  13. ግብጽን ሱዳንን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘውጽአኦ ሓባራዊ መጠንቀቕታን ኣዲስ ኣበባ ዝመለሰቶን

    ምኒስተራት ግብጽን ሱዳንን

    ምኒስተራት ጉዳያት ወጻእን ማይን ግብጽን ሱዳንን ኣብ ካይሮ ኣብ ዘካየድዎ ሓባራዊ ዘተ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ናይል እትወስዶ ዘላ "በይናዊ ስጕምቲ" ብትሪ ብምዅናን፡ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ወደባትን’ውን ሓያል ስትራተጅያዊ መጠንቀቕታ ሂበን።

    ኣዲስ ኣበባ ብወገና ነዚ ናይ ካይሮን ካርቱምን ሓባራዊ ግንባር፡ "ኣብ ዝኣረገ ኣካይዳ ምሽካል" ብምባል ብኣሽሙር ዝተመልአ ቅልጡፍ ምላሽ ሂባትሉ ኣላ።

    እዚ ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ስምምዕ ተፋሰስ ናይል (CFA) ስለምንታይ ተወሊዑ? እተን ሃገራትከ ኣብቲ ዝኸተማኦ ስምምዕ ንዅሉ እዚ ዞባ ዝጸሉ እንታይ ሓድሽ ውሳነ ሒዘን ወጺአን?

    ዝተለዋወጥዎ ቃላትን ድሕረ-ባይታ ናይዚ ሓድሽ ወጥርን ንምንባብ ኣብዚ ዝስዕብ ጠውቑ

    ተወሳኺ፤

  14. ግብጽን ሱዳንን ንበይናዊ ስጕምቲ ኢትዮጵያ ነጺገን፡ ኣዲስ ኣበባ መልሲ ሂባ

  15. ውጽኢት መረጻ ፍርቂ እብረ ኣመሪካ መዓስ ክፍለጥ እዩ?

    ኣመሪካዊት ንቕድሚት ተማዕዱ

    ኣመሪካውያን፡ ቍጽጽር ኮንግረስ ኣብ ዝውስንን ነቲ ናይ መወዳእታ ክልተ ዓመታት ዘመን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝቐርጽን ወሳኒ ናይ ፍርቂ እብረ መረጻ ድምጾም ይህቡ ኣለዉ።

    እቲ ቀዳማይ መዋሃቢ ድምጺ ሰዓት 18:00 EST (23:00 GMT) ዝዕጾ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ውጽኢት ግን ብሰንኪ ጽንኩርነት እቲ ቐንዲ ውድድራትን ፍጥነት ቈጸራ ድምጺ ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታትን፡ ንሰዓታት፡ መዓልታት ወይ እውን ሰሙናት ክንጸር ኣይክእልን እዩ።

    ኣቐዲሙ ዝግበር ኣቓልቦ፡ ነቲ ቍጽጽር ላዕለዋይ ባይቶ (ሰኔት) ክውስን ኣብ ዝኽእል ኣብ ግዝኣታት ኦሃዮ፡ ሜይን፡ ሚቺጋን፡ ካንሳስ፡ ተክሳስ፡ ኣዮዋን ኣላስካን ዝካየድ ኣዝዩ ትርር ዝበለ ውድድራት ሰኔት ዘተኰረ ክኸውን እዩ።

    ደሞክራሲያውያን ንሰኔት ንምዕዋት ርኡይ መኽሰብ ከድልዮም እንከሎ፡ ሪፓብሊካውያን ድማ ነቲ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘለዎም ጸቢብ ብዝሒ መናብር ይከላኸሉ ኣለዉ።

    ፖለቲካውያን ተንተንቲ፡ ብዛዕባ ስምዒት መረጽቲ ኣቐዲሞም ሓበሬታ ንምርካብ ንኦሃዮን ሜይንን ብቐረባ ክከታተልወን እንከለዉ፡ እቲ ኣብ ሚቺጋንን ተክሳስን ዝካየድ ውድድራት ድማ ጸኒሑ ኣብታ ለይቲ ወሳኒ ክኸውን ይኽእል እዩ።

    ሓደ ሰልፊ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንምቍጽጻር 218 መናብር፡ ንሰኔት ብምሉኡ ንምቍጽጻር ድማ 51 መናብር የድልዮ። ሰኔት 50 ብ 50 እንተ ደኣ ተመቓቒሉ ግን፡ ምክትል ፕረዚደንት ነቲ ማዕረ ዝዀነ ውጽኢት ዝሰብሮ ወሳኒ ድምጺ ይህልዎ።

    ብሰንኪ ትርር ዝበለ ውድድራት፡ ብጶስጣ ዝልኣኽ ድምጽታት፡ ዳግመ-ቈጸራን ክልዓል ብዝኽእል ሕጋዊ ብድሆታትን እቲ ውጽኢት ክድንጒ ይኽእል እዩ። ገለ ግዝኣታት፡ ብእዋኑ ብጶስጣ ክሳዕ ዝተላእከ፡ ድሕሪ መዓልቲ መረጻ ንዝበጽሕ ድምጽታት ምቝጻር ይቕጽላ እየን።

    ናይ 2022 መረጻ ፍርቂ እብረ፡ ቍጽጽር ኮንግረስ ንምውሳን ሓያሎ መዓልታት ወሲዱ ነይሩ እዩ፤ ሰበ-ስልጣን መረጻ ድማ ሎሚ ዓመት እውን ተመሳሳሊ ሓያል ውጽኢት እንተ ኣጋጢሙ ነቲ ቈጸራ ዳግማይ ከናውሖ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

    እዚ መረጻታት፡ ከም ሓደ ቐንዲ መፈተኒ ፕረዚደንትነት ትራምፕ ገይሩ ብሰፊሑ ይውሰድ ኣሎ፤ መረጽቲ ነቲ ሚዛን ሓይሊ ዋሽንግተን ክውስኑ እንከለዉ፡ ነቲ ብዛዕባ ኽብሪ ናብራ፡ ዝቕባበ ቍጠባን ሓፈሻዊ ታሪኽ ናይቲ ምምሕዳርን ዘለዎም ስግኣታት ኣብ ሚዛን የውድቑዎ ኣለዉ።

    መስርሕ ቈጸራ ድምጺ

    ተወሳኺ ንባብ፤

  16. ኣመሪካውያን ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ወሳኒ ዝዀነ ናይ ፍርቂ ዘመን መረጻ ድምጾም ይህቡ ኣለዉ

    ትራምፕ

    ኣመሪካውያን፡ ቍጽጽር ኮንግረስ ኣብ ቃራና-መንገዲ ኣብ ዝወደቐሉን፡ በቲ እናዛየደ ዝመጽእ ዘሎ ቍጠባዊ ቅሬታታት ደገፍ ሪፓብሊካውያን እናተፈተነን ኣብ ዘለወሉን እዋን፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ክልተ ዓመታት ናይ ካልኣይ ዘመን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ክቐርጽ ኣብ ዝኽእል ወሳኒ ናይ ፍርቂ እብረ መረጻ ድምጾም ይህቡ ኣለዉ።

    እዚ መረጻ፡ ናብራ እናኸበረ፡ ምስ ኢራን ዝግበር ግጭት እናናውሐን፡ ናይ ደገፍ ቍጽሪ ትራምፕ እናጐደለን ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ከም ህዝበ-ውሳነ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ትራምፕ ገይሩ እዩ ዝውሰድ።

    መጽናዕትታት ርእይቶ ህዝቢ ከም ዘመልክትዎ፡ ዝቕባበ ቍጠባ፡ ዋጋ ነዳድን ወጻኢታት ገዛን፡ ነቶም ናብ መውሃቢ ድምጺ ዘምርሑ ዘለዉ መረጽቲ እቶም ቀንዲ ኣተሓሳሰብቲ ጕዳያት ኰይኖም ኣለዉ።

    ሪፓብሊካውያን፡ ቍጠባዊ ጸቕጥታት ነቲ ብልምዲ ድልዱል ዕርዲ እቲ ሰልፊ ተባሂሉ ዝሕሰብ ዝነበረ ከባቢታት ደገፉ ከም ዝጐድል ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ኣብ ኮንግረስ ዘለዎም ዝበዝሐ መናብር ንምክልኻል ይቃለሱ ኣለዉ።

    ሓንሳብ ውሑሳት ተባሂሎም ዝሕሰቡ ዝነበሩ መረጻታት ሕጂ እናተወዳደሩ ብምምጻኦም ብዝፈጠሮ ስግኣት፡ ስትራተጂስትታት እቲ ሰልፊ ኣብ ከም ካንሳስ፡ ተክሳስን ኦሃዮን ዝኣመሰላ ግዝኣታት ከቢድ ወጻኢታት ክገብሩ ተገዲዶም ኣለዉ።

    ትራምፕ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰሙናት ኣብ መላእ እታ ሃገር ብርቱዕ ጐስጓስ ክገብር ዝቐነየ ኰይኑ፡ ደገፍቱ ነዚ መረጻ ልክዕ ንሱ ባዕሉ ኣብቲ ወረቐት መረጻ ከም ዘሎ ጌሮም ክወስድዎ ተማሕጺኑ።

    ትራምፕ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ጐስጓስ መድረኻት ንደገፍቱ፡ "ኣብዚ መረጻ እዚ፡ ኣነ ባዕለይ ኣብቲ ናይ መረጻ ወረቐት ከም ዘለኹ ጌርኩም ክትሓስቡ እሓተኩም ኣለኹ" ኢሉ።

    ኣብተን ንሪፓብሊካውያን ዝዘንብላ ግዝኣታት ቃለ-መሕትት ዝተገብረሎም ሓያሎ መረጽቲ፡ እቲ እናንሃረ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋ ነዳድን መግብን ቀዳማይ ስግኣቶም ምዃኑ ጠቒሶም።

    ካብቲ ግጭት ኢራን ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ዋጋ ነዳዲ ኣዝዩ ክውስኽ እንከሎ፡ ዝቕባበ ቍጠባ ድማ ትራምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝምለሰሉ ግዜ ዝነበረ ደረጃ ንላዕሊ ኰይኑ ይርከብ።

    ገለ ሪፓብሊካውያን መረጽቲ በቲ ምምሕዳር ዘካይዶ ዘሎ ናይ ቍጠባ ኣመራርሓን ናይ ወጻኢ ፖሊሲን ቅሬታኦም እኳ እንተ ገለጹ፡ ብዙሓት ግና ገና ንደሞክራሲያውያን ሕጹያት ድምጾም ንምሃብ ድሌት ከም ዘይብሎም ገሊጾም።

    ተንተንቲ እውን፡ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዘሎ ቍጥዐ ብቐጥታ ንተቓወምቲ ናብ ምድጋፍ ክትርጐም ከም ዘይክእል የጠንቅቑ።

    ውጽኢት ናይዚ መረጻ፡ ነቲ ዝተረፈ ግዜ ፕረዚደንትነት ትራምፕ ዝጸሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ናብ መረጻ ፕረዚደንት 2028 ዘምርሕ ፖለቲካዊ ባይታ እውን ክቐርጽ ይኽእል እዩ፤ ኣብቲ እዋን እቲ ክልቲኦም ሰልፍታት ድሕሪ ትራምፕ ንዘሎ መጻኢ ክደልዩ ትጽቢት ይግበር።

    ተወሳኺ፤

  17. ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ደብዳብ ፈጺማ፡ ጻዕርታት ዘተ ብዘይ ፍታሕ ይቕጽል

  18. ኣብ 7 ሃገራት ኤውሮጳ መዝሐሊ ፍሪጅ ዒላማ መጥቃዕቲ ሳይበር ኰይኑ

    መደብራት ኣውሮጳ

    ኣብ 7 ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዝርከባ ዓበይቲ ሞላት [መደብራት] ዝርከብ ፍሪጅ [መዝሐሊ] ዒላማ ሳይበር መጥቃዕቲ ከምዝዀነ ተገሊፁ።

    ኣብ ቤልጅየምን ሉክሰምበርግን ዝርከባ ኣስታት 40 ዓበይቲ ሞላት-ዴልሄዝ ግዳይ እዚ መጥቃዕቲ ኰይነን ኣለዋ።

    ኣብ ሽወደን፣ ኣየርላንድ፣ ሆላንድን ኢስቶንያን ዝርከባ ንኣሽቱ ሞላት እውን ተሃስየን እየን።

    ገለ ካብቶም ነቶም ግዳይ ዝዀኑ ፍሪጅታት ዘፍሪ ቤልጅየማዊ ኩባንያ ሳብኮቤል፡ እተን ፍሪጅታት ከየዝሕላ ከምዝተገብራ ገሊጹ።

    እዚ ፍጻመ ምስቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ መደብራት ፈረንሳ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝመሳሰል ምዃኑ ይግመት።

    ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሳብኮቤል ስቲፋን ሞይላንስ፡ ነቲ ፍጻመ ከም ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ብምግላጽ፡ እቲ ኩባንያ "ነቲ ዝተጎድአ ክፍሊ ካብቲ ስርዓት ንምውፃእ 24 ሰዓት ይሰርሕ ኣሎ" ኢሉ።

    እቲ ኣካያዲ ስራሕ ወሲኹ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ፈረንሳ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ "ዓማዊልና ካብዚ ተቓላዕነት ንምክልኻል ንሰርሕ ነይርና፡ እንተኾነ ግን እቲ ዘድሊ ምዕባለ ሶፍትዌር ጥራይ ኣይነበረን" ኢሉ።

    ሞይላንስ ብተወሳኺ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ንምክልኻል እቲ ዝቐለለ መንገዲ ንፍሪጅ ውሑስ ናይ ኢንተርነት ኔትዎርክ ምጥቃም ምዃኑ ኣመልኪቱ።

    ተወሳኺ፤

  19. ኣብ መዓልቲ ኣርባዕተ ሰዓት ጥራይ ምድቃስ ረብሓ ኣለዎ ድዩ?

  20. ኣመሪካ፡ ኣብ ድሮ መረጻ ፍርቂ ኣብረ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ከፊታ

    ኣብ ጥቓ ኢራን ኣብ ዝርከብ ወሽመጥ ባሕሪ ሆርሙዝ
    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጥቓ ኢራን ኣብ ዝርከብ ወሽመጥ ባሕሪ ሆርሙዝ

    ኣመሪካ ኣብ ደሴት ቀሽም ኢራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት፡ ሰበስልጣን ንወኪል ቢቢሲ ኣብ ዋሽንግተ - ሲቢኤስ ሓቢሮም።

    መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢራን- ኢርና ብወገኑ፡ ብሰኑይ ኣብታ ደሴት ብዙሕ ፍንጀራታት ከምዘጋጠመ ኣቃሊሑ።

    ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ እቲ መጥቃዕቲ፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ንሓንቲ ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ብምጥቅዑ፡ ምላሽ ከምዝኾነን ውሱን ምዃኑ ገሊጾም።

    ቢቢሲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝከታተል ማእከላይ እዚ ኣመሪካ (CENTCOM) ርእይቶ ሓቲቱ ኣሎ።

    እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ሕጹያት ሪፓብሊካንን ዲሞክራትን ኣብ መረጻ ፍርቂ ኣብረ፡ ኣብ ኮንግረስ ኣመሪካ ኣብዝሓ ድምጺ ንምርካብ ኣብ ዝነሓንሕሉ እዋን እዩ።

    ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝኸፈተቶ መጥቃዕቲ ኣብ ድሮ እዚ ሃገራዊ መረጻ'ዩ።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ኲናት ደው ከብል ብናይ ገዛእ ርእሱ ሰልፊ ጸቕጢ ኣጋጢምዎ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

    ሰኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ‘ብጉያ-ጉያ ዝግበር ኣይኰነን’ ኢሉ።

    "ሓደ ነገር ብሓደ ወይ ብኻልእ መንገዲ ክንገብር ኢና፤ ግን ኣይንህወኽን። ገንዘቦም ኣድሪቕና ጥርሖም ኣትሪፍናዮም ኣለና" ከምዝበለ፡ ኣክሲዮስ ዝተበሃለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

    ትራምፕ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ፡ ምስ ኒዩክለሳዊ መደብ ኢራን ዝተኣሳሰር ማእከል ‘ፒክካክስ’ ዒላማ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።

    ኣመሪካ ድሕሪ እቲ መረጻኸ ንኢራን ከተጥቅዕ ድያ፡ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ “ፍጹም ኣይከውንን” ኢሉ።

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን - ዓባስ ኣራግቺ፡ ንኢርና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነቲ ኲናት ንምቍራጽ ብመንጎኛታት ኣቢሉ ምስ ኣመሪካ “ኣዝዩ ዓሚቝ” ዝርርብ ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሩ።

    ቴህራን ንዲፕሎማስያዊ ይዅን ወተሃደራዊ ምላሽ "ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ድልውቲ" ምዃና ድማ ገሊጹ።

    ኣመሪካ ካብ “መንገዲ ለባማት” ዝበሎ ልዝብ፡ ወይ “ግጉይ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ” ክትፍፅም፡ እቲ ሕርያ ኣብ ኢዳ ምዃኑ ገሊጹ።

    ተወሳኺ ትሕዝቲ፤