ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ደብዳብ ፈጺማ፡ ጻዕርታት ዘተ ብዘይ ፍታሕ ይቕጽል

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣመሪካ፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ እትርከብ ደሴት ቀሽም ኢራን ደብዳብ ምፍጻማ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ኣረጋጊጾም።
እዚ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ዝፍጸም ዘሎ፡ ነቲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ደው ንምባል ብመንገዲ ኣደራደርቲ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ዘተ ዛጊት ፍታሕ ኣብ ዘይረኸበሉን፡ ወሳኒ መፋርቕ ዘመን ምርጫ ኣመሪካ ኣብ ዝቐረበሉን እዋን እዩ።
ወግዓዊት ወኪል ዜና ኢራን (ኢርና) ብሰኑይ ኣብታ ደሴት ተኸታታሊ ናይ ነትጒ ድምጽታት ከም ዝተሰምዐ ክትገልጽ እንከላ፡ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ግን እቲ ስጕምቲ፡ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኣብ ልዕሊ ነፋሪት ኣመሪካ ተዅሲ ምኽፋቶም ስዒቡ ዝተወሰደ "ወሳኒ ምላሽ" ምዃኑ ኣረዲኦም።
እዚ ተርእዮ ኣብቲ ሪፓብሊካውያን ድዮም ወይስ ደሞክራት ንኮንግረስ ኣመሪካ ክቈጻጸርዎ ዝውስን መፋርቓዊ ዘመን ምርጫ እዩ ዘጋጥም ዘሎ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ካብ ውሽጢ ሰልፉ ጸቕጢ እናበረኸ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ንማዕከን ዜና ኣክስዮስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብሓደ ወይ ብኻልእ መንገዲ ስጕምቲ ክንወስድ ኢና፣ እንተዀነ ዘህውኸና ነገር የሎን። ብቍጠባዊ መዳይ ኣዳኺምናዮም ኢና፡" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ትራምፕ ነቲ ምስ ንዩክለሳዊ መደብ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎ 'ፒክኣክስ' ዝተባህለ ቦታ ዕላማ ምግባር "ዓቢ ነገር ከም ዘይኰነ"ን፡ ኣብ ውሽጢ "ሓደ ሰዓት" ክፍጸም ዝከኣል ምዃኑን ሓቢሩ ኣሎ።
ጭንቀት ዲፕሎማስን ስግኣት ሓድሽ ኲናትን
በቲ ሓደ ወገን፡ ብመንገዲ ኣደራደርቲ ቐጠር ኣቢሉ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ዘተ ፍታሕ እኳ እንተ ዘየምጽአ፡ ገና ይቕጽል ምህላዉ ቴህራን ኣፍሊጣ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ ቴህራን ንዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ኣማራጺታት ተዳልያ ከም ዘላ ብምግላጽ፡ ኣመሪካ ናይ ዘተ "ጥበባዊ መንገዲ" ወይ "ስሑት ወተሃደራዊ ወራር" ክትመርጽ ከም ዘለዋ ኣስሚርሉ።
ይዅን'ምበር፡ ምንጭታት ኢራን ካብ ስምምዕ ንላዕሊ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ከጋጥም ዝለዓለ ተኽእሎ ከም ዘሎ እዮም ዝኣምኑ።
ቻይናን ሩስያን ብወገነን፡ ድሕሪ'ቲ ምርጫ ኣመሪካ እቲ ኲናት ዳግም ክባራዕ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ብምሕዳረን፡ ንዝዀነ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ብምንጻግ ድምጸን ኣስሚዐን ኣለዋ።
እቲ ኣብ ክልተ መዓልታት ዝትግበር እማመ ሸውዓተ ነጥብታት ኢራን
ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እስማዒል ባቓዪ፡ እቲ ኢራን ነቲ ኲናት ደው ንምባል ዘቕረበቶ እማመ ዛጊት ማእከል ናይቲ ዘተ ኰይኑ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።
እዚ ኣብ መስከረም ብትራምፕ ዝተነጽገ እማመ፡ ኣፈጻጽማኡ ንምቅልጣፍ ተባሂሉ ተጠቓሊሉ ብምቕራቡ፡ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝኽእል እዩ።
እቲ እማመ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን ዝገበረቶ ዕጽዋ ከተልዕል፡ ኢራን ብወገና ንመጻብቦ ሆርሙዝ ዳግም ክትከፍት፡ ኣመሪካ ንመሸጣ ነዳዲ ኢራን ዕንቅፋት ካብ ምዃን ክትቍጠብ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተነብረ ሓደስቲ እገዳታት ተሰሪዙ ናብ ዘተ ካልእ ጉዳያት ክስገር ዝብሉ ነጥብታት የጠቓልል።
ባቓዪ፡ እቲ እማመ ተጠቓሊሉ ምቕራቡ፡ ነቲ ኢራን ሒዛቶ ዘላ መሰረታዊ መርገጺ ከም ዘይቅይሮ ኣነጺሩ ኣሎ። ናብ ዘተ ንዩክለሳዊ መደብ ክምለሱ ዝኽእሉ፡ እቶም ኵሎም ቅድመ-ኵነታቶም ምስ ዝማልኡ ጥራይ ምዃኑ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ብልዑል ደረጃ ዝተጻረየ ክዙን ዩራንዩም ኢራን ናብ ካልእ ሃገር ክግዕዝ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ዘተ ቀሪቡ ንዝብል ግምታት ብትሪ ነጺግዎ ኣሎ።






















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
