ትራምፕ፡ ኢራን ዝርርብ ከም ዝተኻየደ ክትኣምን 'ፈሪሓ'ያ ክብል ከሎ፡ ቴህራን ነጺጋቶ

ዶናልድ ትራምፕ መራሕቲ ኢራን ምስ ኣመሪካ ይዘራረቡ ከም ዘለዉ ንምእማን "ፈሪሖም" ኢሉ። እቲ ፕረዚደንት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን "ንሕጂ ክትዘራረብ ሓሳብ ከም ዘይብላን" እታ ሃገር ንነብሳ "ክትከላኸል" ምዃናን ድሕሪ ምግላጹ'ዩ ነዚ ርእይቶ ሂቡ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ኢራን፡ ስጕምቲ ዕግታ መራኽብ ኣመሪካ ጠንቂ ምፍራስ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምግላጽ፣ ብኸምኡ እንተቐጺሉ፡ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ፡ ባሕሪ ዖማንን ቀይሕ ባሕርን ንዝንቀሳቐሳ መራኽብ ኣጠንቂቓ።
  • ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢራን ዝካየድ ካልኣይ ዙር ዘተ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ክካየድ ከም ዝኽእል ኣሚቱ።ትራምፕ ዝርዝራት እውን ሂቡ'ሎ።
  • ኣብ መንጎ ሊባኖስን እስራኤልን ድሕሪ ልዕሊ 30 ዓመታት ዝተኻየደ ቀጥታዊ ርክብ፡ እስራኤልን ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ሕዝቦላህን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ግጭት ንምዕራፍ ዝዓለመ ታሪኻዊ ስጕምቲ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።ቀንዲ ነጥቢታት እቲ ዘተ፤
  • ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተዓዘቦ ምንቅስቓስ መራኽብ ከም ዘመልክቶ፡ ድሕሪ ዕጽዋ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ምስ ኢራን ምትእስሳር ዘለወን እንተ ወሓደ ኣርባዕተ መራኽብ ትማሊ ሰሉስ ንሆርሙዝ ተሳጊረን ኣለዋ።ብዘይካ'ዚአን...
  • ስጕምቲ ዕጽዋ ኣመሪካ ዝዀነነት ቻይና፡ ኣመሪካ ነቲ ምስ ኢራን ኣትያቶ ዘላ ተነቃፊ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ባዕላ ተዳኽሞ ከምዘላ ከሲሳ።
  • ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ዘለዎ ተሪር ነቐፌታ ቀጺሉ'ሎ። ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ልዮ እውን ምላሽ ሂቦም ኣለዉ።