'ሓላፍነት ዝጐደሎ ባህሪ ሩስያ ንኩላትና ሓደጋ'ዩ'- ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)

ሓንቲ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ሩስያ ኣብ ሮማንያ ኣብ ልዕሊ ሓደ መንበሪ ህንጻ ድሕሪ ምውዳቓ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ተሪር ተቓውሞ ይቐርብ ኣሎ። "ሓደገኛ" ክብል ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ነቲ ፍጻመ ኮኒንዎ'ሎ። ሮማንያ ኣባል እቲ ኪዳን ብምዃና እቲ ኲናት ምስ ሩስያ ንዘሎ ምትፍናን ዘጋደደ ኮይኑ ኣሎ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኲናት ንምብቃዕ ዝዓለመ ዘተ ሰላም ክቕጽልኦ ተማሕጺኖም። እቲ ግጭት "ኣብ ኢራን ዝርከቡ ብዝሒ ዘለዎም ንጹሃን ሰባት ንመከራ ኣቃሊዑዎም እዩ፡" ኢሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
  • ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ተሓዲሱ ዘሎ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህን ዘሎ ግጭት ምሉእ ብምሉእ ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ርግጸኛ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
  • "ኣመሪካ፡ ሊባኖስ ካብ ሕዝቦላህ ርእሳ ንኽትከላኸል ንምሕጋዝ ምስኣ ክትሰርሕ እያ፡" ክብል ትራምፕ ኣፍሊጡ።
  • ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ፡ ኢራናውያን ስፖርተኛታት ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክሳተፉ ከም ዘይክእሉ ካብ ወገን ኣመሪካ ዝነገሮም ሰብ ከም ዘየሎ ገሊጹ። እንተዀነ፡ "ብዙሓት ግብረ-ሽበራውያን 'ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን' ከም ጋዜጠኛታትን ኣሰልጠንቲ ስፖርትን ኣምሲሎም ናብ ሃገርና ሒዞሞም ክመጽኡ ኣይፍቀድን እዩ፡" ኢሉ።
  • ጀርመናዊ መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ነፈርቲ 20,000 ኣብ ውሽጢ ኣውሮጳ ዝካየድ ሓጸርቲ በረራታት ክስርዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ።ሉፍታንዛ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ስምምዕ ኣመሪካን ኢራንን ይናዋሕ፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ይቕጽል

    ወተሃደራዊ መኪና እስራኤል

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ኣብ ስዊዘርላንድ ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዝነበረ ቀጥታዊ ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ተናዊሑ።

    እዚ ዝዀን ዘሎ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይ ዲ ቫንስ መገሻኡ ምድንጓዩ ስዒቡ እዩ።

    መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሖም፡ ኣብ ዝርዝር ጉዳያት ክዘራረቡ እዩ መደብ ተታሒዙ ነይሩ።

    እቲ ስምምዕ፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እተካይዶ መጥቃዕቲ ንከብቅዕ ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ’ኳ እንተነበረ፡ ትማሊ ሓሙስ ምሸት ግን እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 18 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

    ምስ ሂዝቦላህ ዝተኣሳሰራ ማዕከናት ዜና፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዝርርብ ዝተናውሐሉ ምኽንያት፡ ብሰንኪ እቲ እስራኤል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ምዃኑ ጸብጺበን ነይረን።

    እንተዀነ ኣመሪካ፡ ነቲ ዝርርብ ዘድሊ ትልሚ “ገና ኣይተዛዘመን” ክትብል ገሊጻ። “ቴክኒካዊ ዝርርብ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክጅመር” ድሌት ከምዘለዋ እውን ኣፍሊጣ’ላ።

    እቲ መዘክር ምርድዳእ ብዝብል ዝጽዋዕ ሰነድ 14 ነጥብታት ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ኢራን ፈጺማ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘይትውንን ይገልጽ።

    እቲ ስምምዕ ንዳግመ ህንጸትን ቍጠባዊ ምዕባለ እታ ሃገር ዝውዕል 300 ቢልዮን ዶላር ንምምዳብ ዝጽውዕ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ግን ኣብዚ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ክትገብር ኣይግድዳን እዩ። እዚ ስምምዕ ዝተበጽሐ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራትን እስራኤልን ግጭት ካብ ዝወላዕ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ እዩ።

    እቲ ስምምዕ ክልቲኦም ወገናት ተኸታታሊ ዘተ ብምክያድ፡ ክናዋሕ ኣብ ዝኽእል ግን እንተወሓደ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ኣብ ምርድዳእ ክበጽሑ ዘገድድ እዩ።

  2. ኣመሪካን ኢራንን ኲናት ንምብቃዕ ዝዓለመ ስምምዕ ከቲመን

    ባንዴራ ኢራን ዝተሰከመት ጓለንስተይቲ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፔዘሽኪያንን፡ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ንምብቃዕ ዘንቀደ መባእታዊ ስምምዕ ሰላም ብወግዒ ፈሪሞም።እዚ ሓበሬታ'ዚ ብምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዝተረጋገጸ ኰይኑ፡ እዚ ስምምዕ ብቐጥታ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ።

    እቲ ስምምዕ ንግዳዊ ምንቅስቓስ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንምኽፋት፡ ንዳግመ-ህንጸት ኢራን ዝውዕል 300 ቢልዮን ዶላር ንምምዳብ፡ ከምኡ’ውን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘንበረቶ "ኵሉ ዓይነት እገዳታት" ንምልዓል ዝዓለመ እዩ።እንተዀነ፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ግጭት ኰይኑ ዝጸነሐ ንዩክለሳዊ መደብ ኢራን ዝምልከት ጉዳይ፡ኣብ ውሽጢ ክናዋሕ ዝኽእል ናይ 60 መዓልታት ገደብ ግዜ ብዘተ ክውሰን እዩ።

    ብመሰረት እቲ መዘክር ምርድዳእ፡ ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘይተጥሪ ከተረጋግጽ ከላ፡ እቲ ድሮ ዘበልጸገቶ ዩራኒዩም ድማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ደረጃኡ ክቕንስ ተሰማሚዓ ኣላ።

    መጻብቦ ሆርሙዝ ስትራተጅያዊ መተሓላለፊ ማይ ኰይኑ፡ ኣብ ዝመጽእ 60 መዓልታት ንዝሓልፋ መራኽብ ብዘይ ዝዀነ ክፍሊት ክፉት ክኸውን እዩ።

    እዚ ብኣመሪካን እስራኤልን መጥቃዕቲ ዝተጀመረ ኲናት፡ ኢራን ነቲ 20% መሸጣ ነዳዲ ዓለም ዝሓልፎ መጻብቦ ሆርሙዝ ብምዕጻዋ ንዋጋ ነዳዲ ከም ዝንህር ገይሩ ነይሩ።

    ፕረዚደንት ትራምፕ እዚ ስምምዕ "ዓለምለኻዊ ቍጠባዊ ውድቀት" ዘወግድ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ፡እቲ ስምምዕ እንተ ፈሺሉ ግን ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓያል መጥቃዕቲ ክስንዝር ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

    ብወገን ኢራን፡ ኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ መሓመድ ባገር ጋሊባፍ ንኣመሪካ ከም ዘይእምንቲ ብምግላጽ፡ "ኣጻብዕትና ኣብ ቃታ ተዅሲ እዩ ዘሎ፡" ኢሉ። ትራምፕ ናብ ዋሽንግተን ጕዕዞ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ንቐዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ዝያዳ ልኡም ስጕምቲ ክወስድ ኣተሓሳሲብዎ ኣሎ።

    እዚ ውሳነ'ዚ ኣብ ውሽጢ ኣመሪካ ካብ ክልቲኦም ሰልፊታት ሪፓብሊካንን ደሞክራትን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ኮንግረስ ኣመሪካ ነዚ ስምምዕ ዝድግፍ ሓባራዊ ስምምዕ የሎን።

    ገለ ሪፓብሊካውያን ሰነተራት ነቲ 300 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሓገዝ ክነቕፉ ከለዉ፡ ደሞክራስያውያን ድማ እቲ ስምምዕ ንመደብ ሚሳይል ንዞባዊ ጽልዋን ኢራን ዘይፈትሐ "ብላሽ ስምምዕ" ክብሉ ገሊጾሞ።

  3. እስራኤል ብትራምፕ ኣምሪራ እናተነቕፈት፡ ኣብ ሊባኖስ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣካዪዳ

    ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ እትርከብ ዓዲ ብመጥቃዕቲ ዒግታ ትኪ ይርአ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘለዎ ነቐፌታ ደጋጊሙ እኳ እንተ ገለጸ፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ሓደስቲ መጥቃዕትታት ከም ዝፈነዉ ናይቲ ከባቢ ማዕከናት ዜና ሓቢሮም።

    እቲ ብድሮን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ንሓያሎ ሰባት ከቝስል ከሎ፡ ሕዝቦላህ ብወገኑ ብዝፈነዎ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ድሮን ሓሙሽተ ወተሃደራት እስራኤል ከም ዝቘሰሉ ተገሊጹ።

    ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጕጅለ-7 መደረ ዘስምዐ ትራምፕ፡ እስራኤል ምስ ሕዝቦላህ እተካይዶ ዘላ ኲናት "ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለን ሓያሎ ሰባት ዝሃለቝሉን" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ቀዳማይ ምኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ብዛዕባ ጉዳይ ሊባኖስ "ዝያዳ ሓላፍነታዊ ስጕምቲ" ክወስድ ከም ዝግባእ ገሊጹ።

    ትራምፕ ምስ ናታንያሁ ጽቡቕ ርክብ ከም ዘለዎ እኳ እንተ ገለጸ፡ እስራኤል ግን "ካብ መጠን ንላዕሊ" መጥቃዕቲ ከም ዘካየደት ተዛሪቡ። ይዅን'ምበር፡ ናታንያሁ ሓይልታት እስራኤል ኣድላዪ ኰይኑ ክሳብ ዝተረኽበሉ እዋን ኣብ ሊባኖስ ከም ዝጸንሑ ገሊጹ።

    እዚ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕትታት እንተ ዘይኣቋሪጹ፡ ኢራን ንእስራኤል "ሓያል ግብረመልሲ" ከም እትህብ ኣጠንቂቓ ኣላ። ሊባኖስ ኣብዚ ኲናት ዝኣተወት፡ ሕዝቦላህ ንቕትለት ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ሕነ ንምፍዳይ እዩ።

    እዚ ኲናት'ዚ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ወገናት ዓቢ ክሳራ ዘስዓበ ኰይኑ፡ ኣብ ሊባኖስ ጥራይ ልዕሊ 3,800 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ መራሒ ሕዝቦላህ ናይም ቃስም ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተበጽሐ ስምምዕ ከም "ዓቢ ዓወት" ብምግላጽ፡ እስራኤል ካብ መሬት ሊባኖስ ክትወጽእ ጸዊዑ።

    እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተበጽሐ መዘክር ስምምዕ ዛጊት ብወግዒ ዝተዘርግሐ የሎን።ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዊዘርላንድ ከም ዝሓበሮ፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ስምምዕ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ክፈርምዎ ትጽቢት ይግበር።

    ትራምፕ እዚ ስምምዕ'ዚ ንዩክለሳዊ መደብ ኢራን መወዳእታ ከም ዝገብረሉን እቲ ቍጠባዊ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ መጻብቦ ሆርሙዝ ድማ ብዘይ ዝዀነ ክፍሊት ዳግማይ ክኽፈት ምዃኑን ገሊጹ።

    ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዝካየድ ዘተ ዝዓረቐት ፓኪስታን'ውን እቲ ስምምዕ ንሊባኖስ ከም ዘጠቓልል ገሊጻ ኣላ።

  4. ትራምፕ ነቲ ምስ ኢራን ዝተገብረ ፈላማይ ስምምዕ ቅድሚ ዓርቢ ወግዓዊ ክገብሮ ከም ዝኽእል ቫንስ ገሊጹ

    ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ቅድሚ'ቲ ስምምዕ ብወግዒ ኣብ ጀነቫ ዝፍረመሉ ጽባሕ ዓርቢ፡ ነቲ ምስ ኢራን ዝተገብረ ናይ መጀመርታ ሰነድ ምርድዳእ ወግዓዊ ክገብሮ ከም ዝኽእል ምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ ገሊጹ።እዚ ሰነድ'ዚ ሓደ ገጽን ፈረቓን ዝሓዘን ሓፈሻዊ ርእይቶታት ዘለዎን ኰይኑ፡ ብትራምፕ፡ ቫንስን ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ኢራን መሓመድ ባገር ቃሊባፍን ብኤለክትሮንያዊ መንገዲ ተፈሪሙ ኣሎ።እዚ ስምምዕ'ዚ ዞባዊ ሰላም ንምስፋን ከም ሓደ ስጕምቲ ዝቝጸር እዩ።

    ብመሰረት እቲ ሰነድ፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኵሉ ቴክኒካዊ ዘተታት ክጅምር እዩ።ዝዀነ ናይ እገዳታት ስጕምትታት ግን ምስቲ ኢራን እትፍጽሞ ግዴታታት ዝተኣሳሰር ብምዃኑ፡ ብዘይ ወግዓዊ ፍጻመ ዝስዕብ ጭቡጥ ተበግሶ የሎን።ቫንስ ከም ዝገለጾ፡ ኢራን ንዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ክትሰርሕ፡ ምሃብ ሓገዝ ንዕጡቓት ጕጅለታት ከተቋርጽን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንኸይተማዕብል ዘየጠራጥር ቃል ክትኣቱን እቲ ስምምዕ ዝሓትት ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

    እዚ ስምምዕ'ዚ ነቲ ምቍራጽ ተዅሲ ንተወሳኺ 60 መዓልታት ከናውሖ እዩ።እቲ ብፓኪስታን ዝተዳለወ ሰነድ፡ "ንሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኵሎም ግንባራት ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ብቕጽበትን ንሓዋሩን ክቋረጽ፡" ዝጽውዕ እዩ።ይዅን'ምበር፡ ሰራዊት እስራኤል ካብ ሊባኖስ ክወጽእ ግዴታ ከም ዘይኰነን እስራኤል ነብሰ-ምክልኻል ናይ ምግባር መሰል ከም ዘለዋን መራሕቲ ኣመሪካ ገሊጾም።ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ስትራተጅያዊ መጻብቦ ሆርሙዝ ብዓርቢ ክኽፈት እዩ።

    ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ሰራዊቱ ኣብ ሊባኖስ፡ ሶርያን ቃዛን "ክሳብ ዘድሊ" ከም ዝጸንሕን ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክትውንን ከም ዘይፍቀደላን ገሊጹ።በቲ ሓደ ወገን፡ ሓለፍቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ነቲ ስምምዕ ከም ዓወት ክርእይዎ ከለዉ፡ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ቴህራን ግን ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዓሚቝ ዘይምትእምማን ከም ዘለዎ ገሊጹ።

  5. ኣብ ካሊፎርንያ ብሰንኪ ዝወደቐት ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣመሪካ ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም

    B-52 ዝተባህለት ወተሃደራዊት ነፋሪት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ዝርከብ ኤድዋርድስ ካብ ዝተባህለ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ድሕሪ ምብራራ፡ ሓንቲ ናይ ኣመሪካ ወተሃደራዊት ነፋሪት (B-52 ዝዓይነታ) ብምውዳቓ፡ ክልተ ሰራሕተኛታት ቦይንግ ሓዊሱ ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም።

    እዚ ትራጀዲ እዚ ሰኑይ ሰዓት 11:20 ብናይቲ ከባቢ ሰዓት፡ እታ ነፋሪት ንቡር ናይ ፈተነ ዕማም ኣብ እትፍጽመሉ ዝነበረት እዋን እዩ ኣጋጢሙ። እቲ ፍጻመ ኣብ ውሽጢ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ጥራይ ዝተደረተ ኰይኑ፡ እቲ መዓስከር ንግዜኡ ኵሉ ምንቅስቓሳቱ ኣቋሪጹ ኣሎ።

    ኮሎኔል ጀምስ ሀይስ ነቲ ኵነታት "ኣሰቃቒ ሓደጋ" ክብል ዝገለጾ ኰይኑ፡ እቶም ዝሞቱ ሰባት ወተሃደራትን ስቪላውያንን ምዃኖም ኣፍሊጡ።

    እታ ነፋሪት ኣብቲ መዓስከር ዝካየድ ንዝነበረ ንራዳር ዘመናዊ ናይ ምግባር ፕሮግራም ትድግፍ ከም ዝነበረት ተገሊጹ ኣሎ።

    ሰበ-ስልጣን ነቲ ናይ ፈለማ ምስልታት ድሕሪ ምግምጋም፡ ካብዚ ሓደጋ'ዚ ዝደሓነ ሰብ ከም ዘየሎን እቲ ሓደጋ ብሕይወት ክትሰረሉ ዘይከኣል ምንባሩን ኣረጋጊጾም እዮም።

    እዛ B-52 ዝተባህለት ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣብ እዋን በረራ ነዳዲ ክትመልእ እትኽእል ኰይና፡ እዚ ድማ ኣብ እዋን ዝሑል-ኲናት ንኣመሪካ "ንዩክለሳዊ ጽላል" ፈጢሩላ ነይሩ እዩ።

    ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ዝዀኑ ቪንስ ፎንግን ጄይ ኦበርኖልትን ነዚ ዘሕዝን ሓደጋ ብምግላጽ፡ ነቶም ግዳያትን ስድራቤቶምን ጸሎቶምን ደገፎምን ገሊጾም ኣለዉ።

  6. ሰራዊት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ወፍሩ ከስፍሕ ምዃኑ ገሊጹ

    ሰራዊት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ስርሒታቱ ክቕፅለሉ ምዃኑ ገሊጹ።

    ወተሃደራት እስራኤል ንሩባ ላቲኒ ምስ ሰገሩ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ምቍፅፃሮም ከም ዘስፍሑ ኣፍሊጦም።

    ሰራዊት እስራኤል ንሩባ ላቲኒ ቅድሚ ምሕላፉ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ኣብ ልዕሊ ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህ ከቢድ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣካይዱ ነይሩ።

    እስራኤል፡ ካብ ሩባ ላቲኒ ንደቡብ ንዝርከቡ ዕላማታት ሕዝቦላህ ድሕሪ ምውቃዕ ወፍራ ክተሕይል ምዃና ገሊጻ ዘላ።

    ሓደ ወተሃደር እስራኤል ብድሮን ሕዝቦላህ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ሊባኖስ ናዋፍ ሰላም፡ እስራኤል “ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከባ ከተማታትን ዓድታትን ኰነ ኢላ ብምጥቃዕ፡ ንጹሃት ሰባት ክመዛበሉ ተገድድ ኣላ፡” ኢሉ።

    እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ወሲኹ፡ እስራኤል እተካይዶ ዘላ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ንጸጥታን ምርግጋእን እቲ ዞባ ይዘርግ ከም ዘሎ እውን ገሊፁ።

    እስራኤልን ሊባኖስን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ተራኺበን ብኣንጋድነት ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ክሳተፋ ምዃነን ይግለፅ።

  7. ኢራን፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝዀነ ወተሃደራዊ ምትእትታው ከምዘይትጻወር ኣፍሊጣ

    ኣባላት እዚ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC)

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ቁልፊ ሰብ ዝኾነ ኻታም ኣል-ኣናብያ፡ “ዝኾነ ይኹን ምሕደራ መጻብቦ ሆርሙዝ ንምዝራግ ዝግበር ወተሃደራዊ ምትእትታው”፡ ስጉምቲ ከምዝውሰዶ ኣጠንቂቑ።

    ንሱ፡ “ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ንዘሎ ዋሕዚ ትራፊክ ንምዝራግ ዝኾነ ይኹን ፈተነ እንተተገይሩ”፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC) ወተሃደራዊ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ንደሓር ከምዘይብል ገሊጹ።

    "ኩለን መራኽብን ንግዳዊ ጀላቡን በቲ ዝተመደበለን መስመራት ክሓልፋ ዝኽእላ፡ ብፍቓድ ሓይሊ ባሕሪ IRGC ጥራይ እየን" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

    ዝኾነ ይኹን ምጥሓስ እዚ ሕጊ፡ "ድሕነት እቲ ዞባ ዝርብሽ'ዩ" ኢሉ።

    ኣመሪካን እስራኤልን፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ዳግማይ ምኽፋተን ስዒቡ፡ ቴህራን ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ዘለዋ ቁጽጽር ኣትሪራ ኣላ።

    ገለ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ፡ ብጥቓ ገማግም ባሕሪ ወሽመጥ ዖማን ክሓልፋ ከምዝፈተና ዝተረጋገፁ ፀብፃባት ይሕብሩ።

  8. ባይቶ ጋና ጸረ ሕደጾታን ተዛመድቲ ጉዳያትን ረቂቕ ሕጊ ኣጽዲቑ

    ነቲ ረቂቕ ሕጊ ዘርቀቐ ኣባል ባትቲ ጋና ካህን ጆን ንቲም ፎርድጆር፡ እቲ ሕጊ ኣብ ባይቶ ምስ ሓለፈ ንማዕከናት ዜና መግለጺ ሂቡ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ነቲ ረቂቕ ሕጊ ዘርቀቐ ኣባል ባትቲ ጋና ካህን ጆን ንቲም ፎርድጆር፡ እቲ ሕጊ ኣብ ባይቶ ምስ ሓለፈ ንማዕከናት ዜና መግለጺ ሂቡ

    ባይቶ ጋና፡ ሕደ-ጾታውነትን ምንቅስቓሳት ምስፍሕፋሕ ‘ኤልጂቢቲኪው+’ንገበን ዝገብር ሓድሽ ረቂቕ ሕጊ ኣጽዲቑ።

    መንነት ለዝብያን፡ ገይ፡ ባይሰክሹዋል፡ ትራንስጀንደር ወይ ክዊር ምሓዝ፡ ክሳዕ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ዘቕጽዕ ኰይኑ፡ እቲ ረቂቕ ሕጊ ነቶም ዝተኸልከሉ ተግባራት ናብ ፖሊስ ናይ ምሕባር "ግዴታ" እውን ዘእቱ እዩ።

    መራሕቲ ሃይማኖታውያ፡ ፕረዚደንት ጆንድራማኒ ማሃማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሮም ጸረ ሕደ-ጾታ ሕግታት ከጽንዕ ጸቕጢ ክገብሩ ጸኒሖም።

    እዚ እገዳ’ዚ ብኣህጉራውያን ትካላት ብርቱዕ ነቐፌታ ዝገጠሞ ኰይኑ፡ እዚ ሕጊ ንህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጥራይ ከይኰነ፡ "ዜጋታት ንሓድሕዶም ክሰላለዩን ከቃልዑን ዘተባብዕ እዩ፡" ኢሎም።

    ኣብ ጋና ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም ዝምድናታት፡ ካብ እዋን ብሪጣንያዊ መግዛእቲ ዝነበሩ ሕግታት ጀሚሮም ዝተኸልከሉ እዮም።

  9. ኬንያ፡ ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ብዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ ዝተጠርጠሩ ሸሞንተ ተምሃሮ ተታሒዞም

    ሓንቲ ኣደ ኣፋ ብኢዳ ሒዛ እናበኸየት

    ምንጪ ስእሊ, Andalou via Getty Images

    ኣብ ሓደ ናይ ደቀንስትዮ ቤት ትምህርቲ ብዝተውልዐ ባርዕ ሓዊ ንሞት 16 ተምሃሮን ዕንወትን ዘቃልዐ ሓደጋ ዝተጠርጠሩ ሸሞንተ ተምሃሮ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝወዓሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

    እቲ ሓደጋ ብሓሙስ ንግሆ፡ ካብ ርእሰ-ከተማ ናይሮቢ 120 ኪሎ ሜተር ርሒቃ ኣብ እትርከብ ጊልጊል ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ ኡቱሚሺ እዩ ተፈጺሙ።

    እቲ ሓዊ ነቲ 135 ድርብ ዓራውቲ ዝነበሮ ህንጻ መደቀሲ ክፍሊምሉእ ብምሉኡ ኣዕንዩዎ።

    ብመሰረት ፖሊስ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ምስ ተምሃሮን ሰራሕተኛታትን ድሕሪ ዝተገብረ ዘተን ናይ ስቪቲቪ (CCTV) ምስልታት ምርመራን፡ እቶም ሸሞንተ ተምሃሮ ነቲ ናይ ምቅጻል ስጕምቲ ብምውጣንን ብምትግባርን ከም ዝተጠርጠሩ ገሊጹ።

  10. ሩስያ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ እንታይ በለት?

    ማሪያ ዛካሮቫ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብዛዕባ እታ ኣብ ሮማንያ ዝወደቐት ድሮን ከምዝተሓበሮ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

    ኣባል ኔቶ ዝኾነት ሮማንያ፡ ነቲ ኣብታ ግዳይ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ዝኾነት ከተማ ጋላቲ ዝነበረ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኤምባሲ ሩስያ ብህጹጽ ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣዚዛቶ'ላ።

    ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ እቲ ጉዳይ ኣተኲሮ ንምጥምዛዝ ዝዓለመ'ዩ ክትብል ወቒሳ።

    እቲ "ብዛዕባ እታ ኣብ ሮማንያ [ዝወደቐት] ድሮን ዝግበር ዘሎ ዋዕዋዕ"፡ ኣቓልቦ ዓለም ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ሩስያ ትቆጻጸሮ ምብራቓዊ ዩክረይን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንምእላይ "ብምዕራባውያን" ዝተሃንደሰ ሜላ'ዩ ክትብል ማሪያ ዛካሮቫ ተዛሪባ።

    ሰብመዚ ሩስያ ከምዝብልዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስታሮቢልስክ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ዩክረይን 21 ተመሃሮ ቀቲሉ ነይሩ።

    ኪቭ ግን ንሲቪላውያን ዒላማ ከምዘይትገብር'ያ ትምጉት።

  11. ንሮማንያ ዘለዋ ደገፍ ዝገለጸት ኣመሪካ 'ንዂሉ ስድሪ መሬት ኔቶ' ከምእትከላኸል ፍሊጣ

    ማት ዊትቴከር

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ሮማንያ ዝወደቐት ድሮን ሩስያ ኣብ ሃገራት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ቁጠዐ ኣስዒባ ኣላ።

    ኣምባሳደር ናይታ ኣብቲ ኪዳን መሪሕ ተራ ዘለዋ ኣመሪካ ዝኾነ ማት ዊትቴከር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እታ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ንግዝኣት ሮማንያ ምጥሓሳ ኮኒኑ።

    "ንነፍሲ ወከፍ ስድሪ ግዝኣት ኔቶ ክንከላኸል ኢና" ክብል'ውን ኣጠንቂቑ'ሎ።

    ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጒዳይ ኲናት ዩክረይን ኣንጻር ሩስያ ተሪር መርገጺ የብሉን ተባሂሉ'ዩ ክንቀፍ ጸኒሑ።

    ትራምፕ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ክነጻጸር እንከሎ፡ ምስ ቭላድሚር ፑቲን ዝጠበቐ ዝምድና'ዩ ዘለዎ።

    እንተኾነ፡ ዘይከምቲ ዝሓሰቦ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ከካይዶ ዝጸንሐ ሓያል ጻዕርታት ዛጊት ኣይሰመረን።

  12. ‘ግዲ ኣልቦ ተግባራት ሩስያ ንዅላትና ሓደጋ እዩ’ – ዋና ጸሓፊ ኔቶ

    ሩተ

    ምንጪ ስእሊ, EPA/Shutterstock

    ዋና ጸሓፊ ኔቶ ማርክ ሩተ፡ነቲ “ግዲ ኣልቦ ተግባራት ሩስያ ንዅላት ሓደጋ እዩ፡” ክብል ኰኒኑዎ።

    ሩተ፡ ኔቶ “ንነፍስወከፍ እመት ናይ መሻርኽቲ ሃገራት ግዝኣት ንምክልኻል ድሉው ኰይኑ ከም ዘሎ” ንፕረዚደንት ሮማንያ ኒኩሾር ዴን ከም ዘረጋገጸሉ ገሊጹ።

    ሩተ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ሩስያ “ኣብ መላእ ዩክረይን ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባትን ስቪላዊ ትሕተ-ቅርጽታትን ዒላማ ምግባር፡” ከም ዝቐጸለትሉን “ትማሊ ምሸት’ውን እቲ ዘይሕጋዊ ናይ ወራር ተግባር ሳዕቤኑ ኣብ ዶብ ጥራይ ከም ዘየብቅዕ ዳግማይ ዘርኣየ እዩ፡” ኢሉ።

    ኔቶ ዓቕሚ ምክልኻሉ ምድልዳል ክቕጽል ምዃኑ ዝገለጸ ሩተ፡ ዩክረይን ንወራር ሩስያ ንምምካት ዘኽእላ ደገፉ ከም ዝቕጽል ገሊጹ።

    በዚ መሰረት ሰበስልጣን ኤውሮጳ፡ ነቲ ዓርቢ ንግሆ ኣብ ሮማንያ ዝሰዓበ ናይ ድሮን ሓደጋ ኰኒኖሞ ኣለዉ።

    ሩስያ ክሳብ ሕጂብ ዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝሃበቶ መግለጺ የሎን።

    መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ግና ደገፎምን ሓድነቶምን ንሮማንያ ንእለቱ ገሊጾም ኣለዉ።

    ሓላፊት ፖሊሲታት ወጻኢ ናይቲ ሕብረት ካያካላስ ከምዝገለጸቶ፡ እቲ ናይ ድሮን ምውዳቕ “ንልዑላውነት ሮማንያን ባሕረ-ኣየር ኤውሮጳን ግሁድን ከቢድን ምግሃስ እዩ፡” ኢላ።

    ፕረዚደንት ቤት-ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ኣንቶንዮ ኮስታ ንሮማንያ “ምሉእ ሓድነትን ደገፍን” ገሊጹላ። ብተወሳኺ “እቲ ሩስያ ኣብ ግዝኣት ሕብረት ኤውሮጳ ዝገበረቶ ምስፍሕፋሕ ውግእ ዕቡድን ሓላፍነት ዘይብሉን እዩ፡” ኢሉ።

    ፕረዚደንት ኮምሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ቮን ደር ሌየን ብወገና፡ ወራር ሩስያ “ካልእ ተወሳኺ መስመር ሰጊሩ ኣሎ፡” ኢላ።

    ውግእ ሩስያን ዩክረይንን ካብ ክልተአን ሃገራት ሰጊሩ ኣብ ሓያሎ ዞባታት ናይተን ሃገራት ድሮናት ዝወድቀሉ ፍጻመታት ይኽሰት ኣሎ።

    ብመሰረት ምኒስትሪ ምክልኻል ሮማንያ፡ ሓንቲ ናይ ሩስያ ድሮን ካብ ዶብ ዩክረይን ብዙሕ ርሕቀት ኣብ ዘይብላ ጋላቲ ኣብ እትበሃል ከተማ ሮማንያ ንሓደ መንበሪ ህንጻ ድሕሪ ምውዳቓ ክልተ ሰባት ቈሲሎም ኣለዉ።

    ናይታ ድሮን ተተኳሲ ዝተፈንጀረ ኰይኑ፡ ኣብ መበል 10 ደብሪ ናይቲ ህንጻ ሓዊ ከም ዘናኸሰ ተሓቢሩ።

    ብመሰረት ኣገልግሎት ህጹጽ ሓደጋ ሮማንያ፡ እቲ ሓዊ ክሳዕ ዝጠፍእ ኣስታት 70 ዝዀኑ ሰባት ካብቲ ቦታ ክለቍ ተገዲዶም።

    ምኒስትሪ ምክልኻል ሮማንያ ከም ዝገለጾ፡ ካብቲ ናይቲ ዓዲ ሰዓት ኣቈጻጽራ ንድሕሪ ሰዓት 01:00 ጀሚሩ ክልተ F-16 ጀታትን ሓንቲ ሄሊኮፕተርን ተዋፊረን ነይረን።

    ፕረዚደንት ሮማንያ ኒኩሾር ዴን ከም ዝበሎ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ተወሳኺ ሓደጋ ከይተፈጥረ ነቶም ዒላማታት ንምጥፋእ ምቹእ ኵነታት ኣይነበረን።

    ሩስያ ዛጊትብዛዕባ እቲ ብመራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ከም “ግሁድን ከቢድን ምግሃስ” ተባሂሉ ዝተኾነነ ፍጻመ ዝሃበቶ መግለጺ የሎን።

    ኣብ ልዕሊ ገዛ ድሮን ወዲቓ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ይርኣዩ

    ምንጪ ስእሊ, George Calin/Reuters

  13. ነታንያሁ ወተሃደራዊ ቍጽጽር ቓዛ ክሰፍሕ ኣዚዙ

    ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዘለዎ ቍጽጽር ካብ 60% ናብ 70% ከስፍሕ መምርሒ ሂቡ።

    ናታንያሁ ብሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል “ንሓማስ ካብ ኵሉ ኣንፈት ትጭብጥ” ከም ዘላ ብምግላጽ፡ ሰራዊቱ ድሮ ኣብ ምቍጽጻር ወሽመጥ ቓዛ ካብ 50% ናብ 60% ከም ዝተሰጋገረ ኣረጋጊጹ። እዚ ሓድሽ መምርሒኡ 70% ከም ቀጻሊ ሸቶ ኣቐሚጡ ኣሎ።

    እዚ ኣዋጅ ምስቲ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ጥቅምቲ 2025 ዝተሰማምዓሉ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ብቐጥታ ዝጻረር ኰይኑ፡ ብመሰረት እቲ ውዕል ሓይልታት እስራኤል ናብ ዝተሰማምዕሉ መስመር ዶብ ክስሕቡ ነይርዎም።

    እቲ ተዅሲ ደው ምባል ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ብውሕዱ 738 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐትሉ ምኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር፤ ሕቡራት ሃገራት እዚ ኣሃዛት ከም ዘተኣማምን ይቘጽሮ።

    እቲ ብመንገዲ ብኣመሪካ ዝካየድ ውጥን ሰላም ንምስጓም ዝዓለመ ዝርርብ ገና ዕጽው ኰይኑ ኣሎ። ኣብቲ ውጥን ዝቕጽል ስጕምትታት ሓማስ ዕጥቁ ክፈትሕን ወተሃደራት እስራኤል ክስሕቡን ዝጠልብ እዩ፤ እንተዀነ እቲ ዝርርብ ደው ኢሉ ኣሎ።

    ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ እስራኤል ካዝ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓማስ ንቓዛ ብዝዀነ መልክዕ ከም ዘየመሓድር ፈኪሩ። እቲ ንሱ ዝብሎ "ወለንታዊ ስደት" ፍልስጤማውያን ካብ ቓዛ ኣብ ልክዕ ግዜኡ ከም ዝትግበር ገሊጹ።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ እስራኤል ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ መላእ ቓዛ መጥቃዕቲ ቀጺላ’ላ። ብረቡዕ ኣብ ከተማ ቓዛ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ሓሙሽተ ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ ዓሰርተ ሰባት ተቐቲሎም። ዝተፈላለዩ መጥቃዕትታት እውን ነቲ ሓድሽ ዝተመዘዘ ሓላፊ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ መሓመድ ኦደህ ምስ ኣባላት ስድራኡ ቀቲሉ።

    እቲ ኲናት ኣብ ጥቅምቲ 2023 ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ብውሕዱ 72,742 ፍልስጤማውያን ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 172,000 ድማ ቈሲሎም - ካብዚኦም ልዕሊ 21,000 ህጻናት እዮም።

    ነታንያሁ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  14. ድሮን ሩስያ ንፈለማ ግዜ ንኣባል ኔቶ ሃሪሙ

    ድሮን ሩስያ ኣብ ሮማንያ ኣብ ዝርከብ ሓደ ህንጻ ብምውቃዕ ክልተ ሰባት ተሃሪሙም። እዚ ድማ፡ ኲናት ሩስያ-ዩክረይን ካብ ዝጅምር ዜጋታት ሓንቲ ኣባል ኔቶ ዝዀነት ሃገር ብድሮን ሩስያ ክህረሙ ፈላማይ ምዃኑ ተመዝጊቡ’ሎ።

    እቲ ፍጻመ ሎሚ ዓርቢ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ሮማንያ ምስ ዩክረይን እትርከብ ምብራቓዊት ከተማ ጋላቲ ዘጋጠመ እዩ። ብምሉእ ነታጒት ዝዀነት እታ ድሮን፡ ኣብ መበል 10ይ ደርቢ ናይቲ ህንጻ ብምፍንጃራ እዩ ባርዕ ኣበጊሱ። ክልተ ሰባት ብመጕዳእቲ ኣብ ሕክምና ክእለዩ እንከለዉ፡ ኣስታት 70 ነበርቲ ድማ ካብቲ ቦታ ክግዕዙ ከምዝተገብረ ተገሊጹ።

    ፕረዚደንት ሮማንያ ኒኩሶር ዳን ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ካብ ዝጅምር ንደሓር ንመሬት ሮማንያ ዝጸሉ ዝኸበደ ፍጻመ ብምባል፡ ህጹጽ ኣኼባ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ምክልኻል እታ ሃገር ጸዊዑ።

    ኔቶ ነቲ ሸለልትነታዊ ተግባር ሩስያ ዝበሎ ፍጻመ ክዅንን እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኮምሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ድማ ኲናት ሩስያ ካልእ መስመር ሰጊሩ ከምዘሎ ገሊጻ። ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሮማንያ ከቢድን ዘይሓላፍነታውን ምዕባለ ብምባል፡ ኔቶ መስርሕ ምስግጋር ዓቕሚ ጸረ-ድሮን ከቀላጥፎ ብወግዒ ሓቲቱ።

    እታ ድሮን ምስ ምስ ተለለየት ክልተ ጀት ኤፍ-16 ሮማንያ ከም ግብረመልሲ ብህጹጽ ተላዒለን’ኳ እንተነበራ፡ ሰራዊት ግን ኣብ መንጎ ምልላይ እታ ድሮንን ፍንጀራን ኣርባዕተ ደቓይቕ ጥራይ ከምዝነበረ ገሊጹ። ኣዘዝቲ፡ ዩክረይን ኣብ ኲናት ስለዘላ፡ ናብ ክሊ ኣየር ዩክረይን ከይትኩሱ ከምዝተገደቡ ድማ ኣመልኪቶም።

    ሩስያ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝዀነ ርእይቶ ኣይሃበትን።

    ድሮናት ሩስያ ናብ ሮማንያ ክሰግራ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮነን። እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር 47 ግዜ ኣብ መሬት ሮማንያ ስብርባር ድሮናት ተረኺቡ ኣሎ፣ ካብዚኦም እቶም 12 ኣብዚ ዓመት ጥራይ ዝተረኽቡ እዮም።

    ብኻልእ ፍጻመ፡ ወደባዊት ከተማ ዩክረይን ኢዝማዒል መጥቃዕቲ ድሮናት ክወርዳ እንከሎ፡ ዩክረይን ብወገና ኣብቲ ሩስያ ኣብ እትቈጻጸሮ ምብራቓዊ ዶነስክ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም።

    ዝተሃረመ ህንጻ

    ምንጪ ስእሊ, DSU via Reuters

  15. ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ማእከል ውሸባ ኢቦላ ንኣመሪካውያን ከልኪሉ

    ለበዳ ሕማም ኢቦላ ኣብ ሃገራት ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ምብራቕ ኣፍሪቃን ኣሰካፊ እናዀነ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ነቲ ሎሚ ስርሑ ክጅምር ተሓሲቡ ዝነበረ፡ ንኣመሪካውያን ዘገልግል መወሸቢ ማእከል ኢቦላ ደው ኣቢሉ።

    እቲ ናይሮቢ ዝመደበሩ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ነቲ ምስ ኣመሪካ ዝተኣሳሰረ መወሸቢን መሐከሚን ማእከል ኢቦላ ንምቛምን ስርሑ ንምጅማርን ዝተሓሰበ መደብ ንግዚኡ ደው ክብል ትእዛዝ ኣውጺኡ።

    ዳኛ ፓትሪሻ ንያውንዲ ብ28 ግንቦት ኣብ ዝሃበቶ ውሳነ፡ ነቲ ጉዳይ ህጹጽ ምዃኑ ኣረጋጊጻ። ተወሳኺ መስርሕ ፍርዲ ክሳብ ዝካየድ ከምዚ ዓይነት መሳለጥያ ንምቛም ወይ ንምምራሕ ዝኾነ ይኹን መደብ ደው ዘብል ዓጋቲ ትእዛዝ ኣሕሊፋ።

    ቤት ፍርዲ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ብፍሉይ ንመንግስታዊ ኣካላትን ሰበስልጣን ኬንያ ምስ ኢቦላ ዝተኣሳሰር፡ ውሸባን ሕክምናን ዝምልከት ዝኾነ ይዅን ምስ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ወጻኢን ዝግበር መስርሓት ዝገትእ እዩ።

    ብተወሳኺ እታ ዳኛ፡ ብመሰረት እቲ ምስ ኣመሪካ ክግበር ዝጸንሐ ምድላዋት፡ ምስዚ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ሰበስልጣን ወይ ድማ ንኢቦላ ዝተቓልዑ ወይ ዝተለኽፉ ሰባት ናብ ኬንያ ከይኣትዉ ከልኪላ።

    እቲ ጻውዒት ብኢንስቲትዩት ስቪላዊ መሰላት ዝቐረበ ኮይኑ፡ እቲ እማመ ብዘይ ብዘይብቝዕ መከላኸሊ ትግባረኡ እንተ ቀጺሉ ኣብ ልዕሊ ህይወት ኬንያውያን ሓደጋ ዘውርድ ምዃኑ እዩ ዝምጕት። እቲ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ምጕት እናሃለወ ህዝባዊ ረብሓ ብምቕዳም ግዝያዊ ትእዛዝ ምሃብ ምኽኑይ ምዃኑ ተሰማሚዑ።

    ብመሰረት እቲ ውሳነ፡ እቶም ተማጐትቲ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ወግዓዊ ሰነድ ክሲ ከቕርቡ እዮም፡ እቶም ተኸሰስቲ ድማ መልሲ ክህቡ 48 ሰዓታት ኣለዎም። እቲ ጉዳይ ዝመጽእ 2 ሰነ ዳግማይ ክርአ እዩ።

    እዚ ትእዛዝ ኣብ ኬንያ፡ ኣብቲ ዞባ ንኢቦላ ክቃልዑ ዝኽእሉ ኣመሪካውያን ዜጋታት ዝዓለመ ብኣመሪካ ዝመሓደር መሳለጥያ ባዮ-ኢሶሌሽን ኣብ ኬንያ ክህነጽ ተወጢኑ ከምዘሎ ዝገልጽ ጸብጻባት ድሕሪ ምውጽኡ፡ ህዝባዊ ቍጥዐ እናዓበየ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።

  16. እስራኤል ንርእሰ ከተማ ሊባኖስ ዳግማይ ደብዲባ

    ግዳይ መጥቃዕቲ ዝዀኑ ከባቢታት ቤሩት

    እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተኹሲ ደው ምባል ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ንርእሰ ከተማ ሊባኖስ- ቤሩት ንኻልኣይ ግዜ ደብዲባ።

    እቲ ኣብ ከባቢ ሰዓት 14፡00 (11፡00 GMT) ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ልክዕ ዒላማኡ ከምዝወቕዐ” ዝገለጸ ሰራዊት እስራኤል፡ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።

    ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ስሞም ዘይተገልጸ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ​​ናቝጣታት ሕዝቦላህ ከምዝነበረ ሓቢረን።

    እስራኤል፡ ብሓልዮት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር እትፍፅሞ መጥቃዕቲ ደው ኣቢላ ምፅናሓ ዝዝከር እዩ።

    እዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ ግን፡ ድሕሪ እቲ ትሕተ ቅርጺ ሕዝቦላህ ዒላማ ዝገበረ ማዕበላዊ ደብዳብ እስራኤል፡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ከምዝተፈጸመ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ሓቢሩ።

    እስራኤልን፡ እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሓያል ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህን፡ ብተደጋጋሚ ምጥሓስ ተዂሲ ደው ምባል ነንሕድሕዶም ክካሰሱ ይስምዑ።

    ድሕሪ እቲ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ እስራኤል፡ ኣብታ ኣብ ርእሰከተማ በይሩት ከም ዕርዲ ሕዝቦላህ ኮይና እተገልግል ጽዑቕ ህዝቢ ዝነብረላ ከባቢ ዳሂየህ፡ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ ዒግታ ትኪ ንሰማይ ክዓርግ ተራእዩ።

    ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ኣብ ዝነጥፍሉ እዋን፡ ገለ ነበርቲ ድማ ንጎረባብትን ኣዝማዶምን ድሕንነቶም ንምርግጋጽ ይጓየዩ ነይሮም።

    ብመሰረት ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ​​ምስ ሂዝቦላህ ምሕዝነት ዘለዎ ኢራናዊ ዓሊ ኣል ሑስኒ እዩ።

    ኣብዚ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 11 ሰባት ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ገሊፁ ኣሎ።

  17. ጋና፡ ንይቕረታ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ተቐቢላቶ

    ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ኣፍሪቃዊት ሃገረ ጋና፡ ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ብሰንኪ እቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ታሪኽ ግልያነት ዝነበራ ኣበርክቶ ንዘቕረቡዎ ይቕረታ ብሓጐስ ተቐቢላቶ።

    ኣክራ፡ ነቲ ታሪኻዊ መግለጺ ናይቶም መንፈሳዊ መራሒ “ተግባር ስነምግባራዊ ትብዓት፡” ክትብል ገሊጻቶ።

    ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ግልያነት ቅቡል ኣብ ምግባር ብዝነበራ ግደን ንዘመናት ይቕረ ክትብል ምድንጓያን ክትውቀስ ጸኒሓ እያ።

    ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ኣብቲ ብሰኑይ ንሓደጋታት ኪነታዊ-ብልሒ (AI) ዝምልከት ዝተሓትመ ዓቢ ኣስተምህሮኦም እዮም ንጹር ብዝዀነ ቃላት ይቕረታ ኣቕሪቦም ዘለዉ።

    ጋና፡ መውጽኢ ኣፍደገ ናይቶም ተሃዲኖም ብንግዲ ግልያነት ናብ ካሪቢያንን ኣመሪካ ዝተወስዱ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣፍሪቃውያን ምንባራ ይፍለጥ።ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ይቕረታ ክሕተታን ካሕሳ ክወሃበንን ኣብ ዝግበሩ ጻዕርታት ኣክራ መሪሕ ተራ ክትጻወት ጸኒሓ እያ።

    መንግስቲ ጋና ሰሉስ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣቡነ ሊዮ ነቲ ቃንዛ ዝመልኦ ሕሉፍ ታሪኽ ምእማኖም፡ ናብ ሕውየት፡ ዕርቅን ፍትሓዊ ሕብረተሰብን ንምብጻሕ ኣገዳሲ ስጕምቲ ምዃኑ ሓቢሩ።

    ኣብቲ ሊቃነ-ጳጳሳት “ድንቂ ሰብኣውነት” ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረቡዎ ሰነድ፡ ብስም እታ ቤተ-ክርስትያን ካብ ልቢ ዝመንጨወ ይቕረታ ዘቕረቡ ኰይኖም፡ ሰበስልጣን እታ ቤተ-ክርስትያን ንግልያነት ቅቡል ይገብሩን ኣብያተ ክርስትያን ናይ ባዕለን ግልያታት ከም ዝነበሩወንን ተኣሚኖም።

    ጋና፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጋቢት ንግልያነት ኣፍሪቃውያን “ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝተፈጸመ ዝኸበደ ገበን፡” ክብል ንዘሕለፎ ውሳነ ቀንዲ ደፋኢት'ያ ነይራ። ኣብ ሰነ ድማ ክውሰዱ ንዝኽእሉ ስጕምትታት ንምዝታይ ዋዕላ ከተአንግድ እያ።

    ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጋና፡ እቲ ሰነድ ንታሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብግቡእ ዝምርምርን ኣፍሪቃውያን ዘሕለፉዎ መከራ ብዕምቈት ዘስተንትንን እዩ ኢሉ።

    ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ብሰሉስ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ይቕረታ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ፣ እንተዀነ ይቕረታ ጥራይ እኹል ስለ ዘይኰነ፡ ሓቀኛ ናይ ካሕሳ ፍትሒ ክስዕቦ ከም ዘለዎ ኣስሚርሉ'ሎ።

  18. ኢራን ድሕሪ ዝወረዳ ሓድሽ መጥቃዕቲ ንመደበር ኣመሪካ ዒላማ ከም ዝገበረት ገሊጻ

    እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣመሪካ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ድሕሪ ዘካየደቶ ሓድሽ መጥቃዕቲ፡ ​​ኣብቲ ዞባ ንዝርከብ መደበር ኣየር ኣመሪካ ዒላማ ከም ዝገበረ ገሊጹ።

    ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ እቲ መዓስከር ኣበይ ከም ዘሎ ብወግዒ ኣይገለጸን።

    እንተዀነ፡ እታ መደበር ኣመሪካ እተአንግድ ኩዌት፡ ካበይ ከም ዝመጽኡ ከይገለጸት "ሚሳይላትን ድሮናት፡" ከም ዘምከነት ገሊጻ።

    ኣቐዲሙ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ድሮናት ኢራን ከም ዘውደቐን ኣብ ባንዳር ዓባስ ዝተባህለት ስትራተጅያዊት ወደባዊት ከተማ ወተሃደራዊ ቦታ ከም ዝሃረመን ገሊጹ ነይሩ።

    እዚ ዳግማይ ተጻብኦታት፡ ኣመሪካን ኢራንን ንዝኸተምኦ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

    ኢራን ድሕሪ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣሜሪካ ንመደበር ኣሜሪካ ዒላማ ከምዝገበረት ገሊጻ

    ምንጪ ስእሊ, US Navy via Getty Images

  19. ኬንያ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝተባርዐ ሓዊ ብውሕዱ 16 ተመሃሮ መይተን

    ደሃይ ደቆም ክረኽቡ ኣብ ኣፍደገ ቤት ትምህርቲ ዝተኣከቡ ወለዲ

    ምንጪ ስእሊ, Robert Maina

    ኣብ ማእከላይ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ናይ ደቀንስትዮ ኣሕዳሪ ቤት-ትምህርቲ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ብወሑዱ 16 ተመሃሮ ህይወተን ከም ዝሰኣና ተገሊጹ።

    ኣብቲ ኣብ ጊልጊል (ዞባ ናኩሩ) ዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ተምሃሮ ቈሲለን ኣለዋ።

    ሰበስልጣን መንግስቲ ኬንያ፡ ስድራቤታት ደሃይ ደቀን ኣብ ዝጽበያሉ ዘለዋ እዋን መርመራታት ይቕጽሉ ከም ዘለዉ ገሊጾም።

    እቲ ባርዕ ሓዊ፡ ሓሙስ ንግሆ ኣብታ ካብ ናይሮቢ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ (ኣብ ግሬት ሪፍት ቫሊ) ኣብ ጊልጊል እትርከብ ‘ኡቱሚሺ ግርልስ ኣካዳሚ’ ዝተባህለት ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ደቀንስትዮ እዩ ተወሊዑ።

    ፖሊስ ከም ዝገለጾ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ተምሃሮ ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ኣብ ሆስፒታል ይረኽባ ኣለዋ።

    እቲ መደቀሲ ክፍሊ ኣስታት 200 ተምሃሮ ዘዕቍብ እዩ።

    ኣባላት ህጹጽ ረድኤት፡ ብወተሃደራትን ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊ ናይቲ ዞባን ተደጊፎም ነቲ ባርዕ ክቈጻጸሩዎ ክኢሎም እዮም።

    ዒግታ ትኪ ነቲ ህንጻ ክሽፍኖ ከሎ፡ ገለአን ተምሃሮ ብስንባደ ናብቲ ከባቢ ክሃድማ ክኢለን።

    ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ፖሊስ ማስዑድ ምዊንዪ ከም ዝበሎ፡ ክኢላታት ዕቤት እቲ ሓደጋ ንምግምጋም ገና ኣብ ስራሕ ኣለዉ።

    ሰበስልጣን ናብ ቀጽሪ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ምእታው ምስ ከልከሉ፡ በቲ ኵነታት ዝተሻቐሉ ወለዲ ኣብ ግዳም ተኣኪቦም ኣርፊዶም።

    ጠንቂ ናይቲ ባርዕ ገና ኣይተነጸረን ዘሎ፣ መመራታት’ውን ይቕጽሉ ኣለዉ።

  20. ሰብ መዚ ጋና፡ ዜጋታቶም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ የውጽኡ ኣለው

    ጋና ተወሳኺ ዜጋታት ንምውፃእ መደብ ኣለዋ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሰብመዚ ጋና፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ዜጋታቶም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሃገሮም ክመልሱ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

    ካብቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተመዝጊቦም ኣለዉ ዝበልዎም 800 ዜጋታት፡ እቶም 300 ሎሚ ናብ ጋና ክኸዱ እዮም።

    ቢቢሲ ሎሚ ረቡዕ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሃንስበርግ ኦኣር ታምቦ፡ ኤምባሲ ጋና ካብ ዝተኻረየን ዓሰርተታት ኣውቶቡሳት ተጓዓዝቲ ከውርዱ ተዓዚቡ።

    እዚኦም፡ ኣብ ኩሉ ዕድመ ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እዮም።

    እዚ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደት ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞ ዝስዓበ ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ጽልኢ ወጻእተኛታት ዝፍጸም ዓመጽ ዳግማይ ክለዓል ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ኣስዒቡ ይርከብ።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብገምጋም 25 ሽሕ ጋናውያን ይነብሩ።

    ሰልፈኛታት፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ጸቕጢ የሕድሩ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ነዚ ደው ንምባል ዝያዳ ክሰርሕ ኣለዎ ይብሉ።

    እቲ ሰልፍታት ተቓውሞ፡ "ማርች ማርች" ብዝተባህለ ጉጅለ ዝተወደበ ኰይኑ፡ ንነብሱ ብዜጋታት ዝምራሕ ምንቅስቓስ ጽገና ኢሚግሬሽን ኢሉ ይገልጽ።

    ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ንኽወጽኡ ድማ 30 ሰነ ናይ መወዳእታ ግዜ ኣቐሚጡ ኣሎ።

    ብ2019 ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 12 ሰባት ሞይቶም።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ ተቓውሞታት ኣዳለውቲ ግን ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝነበሩ ገሊጾም።

    ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናብ ወጻእተኛታት ዘቕንዐ ተግባራት ገበናዊ እዩ ብምባል እታ ሃገር ግን ንዘይሕጋዊ ስደት ክትገጥም ከም ዘለዋ ተኣሚኑ።