ኣመሪካ ብኸመይ ንደሴት ኻርግ ኢራን ንምቍጽጻር ክትፍትን ትኽእል?

ኣብ ደሴት ኻርግ ዘሎ ኣጋንእን መስመር ነዳድን ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣስታት 90 ሚእታዊት ሰደድ ኢራን ብደሴት ኻርግ ይሓልፍ
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ንእትርከብ ቀንዲ መደበር ነዳዲ ሰደድ ኢራን ንዝዀነት ደሴት ኻርግ ንምቍጽጻር ሰራዊት ከዋፍር ከም ዝኽእል ተዛሪቡ። ብድሕሪ'ዚ ዘረባኡ እንታይ ኣሎ፣ ብኸመይ ክኸውን ይኽእልን እንታይ ሓደጋታት ኣለዎን?

ደሴት ኻርግ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ቀንዲ ባብ ሰደድ ነዳዲ ኢራን ኰይና ጸኒሓ እያ። ገማግም ናይታ ደሴት፡ ነተን ኣስታት ክልተ ሚልዮን በርሚል ክሕዛ ዝኽእላ መራኽብ ንምጽዓን ዘኽእል እኹል ዕምቈት ማያት ኣለዎ። ኣስታት 90 ሚእታዊት ካብ ሰደድ ነዳዲ ኢራን ከኣ ብኻርግ ይሓልፍ።

እታ ደሴት፡ ኣብ 1980ታት ኣብ እዋን ኲናት ኢራንን ዒራቕን ብተደጋጋሚ ብሓይሊ ኣየር ዒራቕ ከም ዝተደብደበትን ኣመሪካ ብ13 መጋቢት ናይዚ ዓመት ን90 ወተሃደራዊ ዒላማታት ዝበለቶ ወቒዓን። እቲ መሰረተ-ልምዓት ነዳዲ ግን ካብ መጥቃዕቲ ድሒኑ እዩ።

ኣመሪካ ንደሴት ኻርግ ክትወርር እንተ ወሲና፡ ንኢራን ጸቕጢ ንምግባር ዝዓለመ ናይ ሓጺር ግዜ ስጕምቲ ክኸውን ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። እቲ ዕላማ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣንቢራቶ ዘላ ዕጽዋ ንምግታእን ጠለባት ዋሽንግቶን ንምምላእ ክሳዕ ትሰማማዕ ሰደድ ነዳዲ ኢራን ደው ንምባልን ክኸውን ይኽእል እዩ።

መኸተን ብድሆን ኢራን ኣብ ግምት ብምእታው ግን እዚ ስጕምቲ'ዚ ክሰርሕ ድዩ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ እዩ።

ኣፈጉባኤ ፓርላማ ኢራን መሓመድ ባቕር ጋሊባፍ፡ ሓይልታት ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ወረርቲ ሓይልታት ኣመሪካ "ሓዊ ከዝንቡ" ምዃኖም ኣጠንቂቑ። ኢራን ኣብታ ደሴት ዘለዋ ሓይሊ ምክልኻል ኣደልዲላቶ ምህላዋ ይግመት።

ኢራን፡ ኣመሪካ በቲ ሓደ ወገን ንዘተ ሰላም ጻውዒት እናኣቕረበት በቲ ካልእ ወተሃደራት ምልኣኻ ከሲሳ። እቶም ዝተላእኩ ወተሃደራት፡ 5,000 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ፣ ከምኡ'ውን 2,000 ኣየርወለድ ኮማንዶን እዮም።

እዚ ድማ ሓደኦም ወይ ክልተኦም ንደሴት ኻርግ ንምቍጽጻር ክዋፈሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል ሰፊሕ ግምታት ኣስዒቡ ኣሎ።

ብደረጃ ክልሰ-ሓሳብ ክርአ እንከሎ፡ እቶም ኣየርወለድ ኮማንዶ ኣብታ 20 ትርብዒት ኪሎሜትር ጥራይ ዝስፍሓታ ንእሽቶ ደሴት ገዛኢ ቦታታት ንምሓዝ ብለይቲ መጥቃዕቲ ክፍንዉ ይኽእል እዮም።

ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ካብተን መራኽብ ኣብ መሬትን ማይን ዝዓልባ ነፈርቲ ከዋፍር ይኽእል እዩ። እንተዀነ እተን መራኽብ፡ መጀመርታ በቲ ኢራን እትቈጻጸሮ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ከምኡ'ውን ሕቡእ መወንጨፊ ድራናትን ሚሳይላትን ሓሊፈን ክሳብ ወሽመጥ ዓረብ ክጓዓዛ ኣለወን።

ኢራን ብኣየር ይዅን ባሕሪ ንዝግበር ምንቅስቓስ ብጸረ-ሰብ ነተጕትን ዕስለ ድሮናትን ምላሽ ክትህበሉ ትጽቢት ይግበር። ኣመሪካ ኣብ ስርሒታት ሓይሊ ባሕሪ ልዑል ዓቕሚ ስለ ዘለዋ ክትዕወት ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል እኳ እንተዀነት፡ ከቢድ ክሳራታት ግን ከስዕበላ ይኽእል እዩ።

ኣመሪካ ነቲ ቦታ ንዘይተወሰነ እዋን ዋላ እንተ ሓዘቶ፡ ንደብዳባት ኢራን ስለ እትቃላዕ ክትጽገም ትኽእል እያ።

ተመሳሳሊ ኣብነት ናይዚ፡ ኣብ ጸሊም ባሕሪ እትርከብ ደሴት ስኔክ ዩክረይን እያ። ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ዘካየደቶ ወራር ፈለማ ሒዛታ እኳ እንተ ነበረት፡ ድሒራ ግን ዩክረይን ካብ መሬት ብእትፍኑዎ ደብዳብ ተጠቒማ ንሩስያ ክትደፍኣ ክኢላ።

ኣብ ውሽጢ ኣመሪካ'ውን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ንገለ ካብ ግዝኣት ኢራን ምሓዝ ተቐባልነት ኣይህልዎን። እቶም ትራምፕ ኣብ ዝዀነ ግጭታት ከም ዘይኣቱ ንዝሃቦ መብጽዓ ደጊፎም ዝመረጹዎ ከይተረፉ'ውን ዝቕበሉዎ ኣይኰኑን።

ንመጻብቦ ሆርሙዝን ደሴት ኻርግን ዘርኢ ካርታ