ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋ ኣብ ማራቶን ለንደን ክብረወሰን ብምምሕያሽ ተዓዊታ

ትእግስት ኣሰፋ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኢትዮጵያዊት ኣትለት ትእግስት ኣሰፋ ብሰንበት 26 ሚያዝያ 2026 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ለንደን ናይ ገዛእ ርእሳ ሰዓት ብምምሕያሽ ተዓዊታ።

ኬንያዊ ሰባስቲያን ሳዌ እውን ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ነቲ ውድድር ብትሕቲ ክልተ ሰዓት ብምዝዛም ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊቡ።

ዓሚ ተዓዋቲ ማራቶን ለንደን ዝነበረ ሰባስቲያን ብ1 ሰዓት 59 ደቒቓን 30 ካልኢትን እዩ ነቲ ውድድር ዛዚምዎ።

ኣብ መበል 46 ማራቶን ለንደን ዝተሳተፈን ኣብ ማራቶን ንፈለማ እዋን ውድድር ዝገበረን ኢትዮጵያዊ ዮሚፍ ቀጀልቻ፡ ትሕቲ ክልተ ሰዓት ብምእታው ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ።

ትእግስት ኣሰፋ ነቲ ውድድር ክትዛዝም 2 ሰዓት 15 ደቒቓን 41 ካልኢትን ዝወሰደላ ኮይኑ ክልተ ኬንያውያን ተቐዳደምቲ ድማ ደድሕሪኣ ካልኣይን ሳልሳይን ኣትየን።

ኣትሌት ትእግስት ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መበል 45 ውድድር ማራቶን ለንደን፡ ብ2 ሰዓት 15 ደቒቓን 50 ካልኢትን ብምዝዛም ካልኣይ ዝቐልጠፈ ግዜ ከምዘመዝገበት ይዝከር።

ኣብ መበል 46 ውድድር ማራቶን ለንደን፡ ክብረወሰን ዓለም ክትሰብር ከምዝዓለመት ቅድሚ ውድድር ንቢቢሲ ገሊጻ ነይራ።

ኣብ ለንደን ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ኣብዚ ውድድር ዳግማይ ክትዕወት ትምኒታ ከምዝዀነ እያ ሓቢራ።

ነቲ ውድድር ጽቡቕ ምድላዋት ከም ዝገበረት ዝገለጸት እታ ኣትሌት፡ "ዳግማይ ብምዕዋት ሓጐስ ክረክብ እደሊ" ኢላ።

ቅድሚ ሕጂ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብ ውድድር ማራቶን ለንደን ብምዕዋታ ኣዝያ ከምዝተሓጎሰት ገሊጻ ነይራ።

"ማራቶን ለንደን ዓቢ ውድድር'ዩ። ኣብኡ ሻምፕዮን ምዃን ማለት ድርብ ሻምፕዮን ምዃን'ዩ" ኢላ።

"ኣዝዩ ክብሪን ሓጎስን እዩ ተሰሚዑኒ። ተዓዋቲት ኰይነ ምምጻአይ ብዙሕ ርእሰ ተኣማንነትን ዓቢ ብልጫን ክረክብ ገይሩኒ ኣሎ" ክትብል ድማ ኣብቲ ዝተኻየደ ውድድር ክትዕወት ዘለዋ ርእሰ ተኣማንነት ገሊጻ።

ትዕግስት ኣሰፋ ኣብ መድረኽ ፍሽኽ ኢላ ትርአ

ምንጪ ስእሊ, London Marathon

መግለጺ ስእሊ, ትዕግስት ኣሰፋ ኣብ ታሪኽ ካልኣይቲ ዝቐልጠፈት ጓል ኣንስተይቲ ጎያዪት ማራቶን እያ

ትዕግስት ሓንቲ ካብተን ኣብቲ ውድድር ማራቶን ለንደን ንምዕዋት ቀዳምነት ዝተዋህበን ኣትሌታት እያ ነይራ።

ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ማራቶን ለንደን ክትሳተፍ ምዃና ኣብ ዘፍለጠትሉ እዋን፡ "ዓሚ ኣብ ውድድር ማራቶን ለንደን ምዕዋተይን ክብረወሰን ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ምምዝጋብን ኣብ ህይወተይ ካብ ዘኹርዓኒ ህሞታት ሓደ እዩ ነይሩ፡ ሎሚ ዓመት ድማ ክደግሞ እምነ" ኢላ።

"እዚ ንምግባር ከም በዓል ፔረዝን ሲፋንን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሻምፕዮናት ክስዕር ከም ዘለኒ እፈልጥ እየ። ንዓይ ከበድቲ መወዳድርቲ እየን ነይረን። ሎሚ ዓመት ኣብ ቅድሚት ክወጽእ ተስፋ እገብር" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

ብዓርቢ [ቅድሚ ውድድር] ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ "ዓለም ፍሽኽታይን ሰሓቐይን ትጽበ ምህላዋ ኣምላኽ ስለዝፈልጥ፡ ሓጎሰይ ንስድራይን ኣብ ለንደን ንዝርከቡ ኣፍቀርቲ ስፖርትን ከካፍል እየ" ኢላ።

ኣብ 2016 ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ፡ ትዕግስት ብልዕሊ 2 ደቓይቕ ክብረወሰን ዓለም ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ብምስባር ከምዝተዓወተት ይዝከር።

እታ ኣትሌት፡ ዓሚ ኣብ ውድድር ማራቶን ቺካጎ ብኬንያዊት ሩት ዝተመንጠለቶ ክብረወሰን ክተምልስ ዕላማ ከምዘለዋ'ውን ተዛሪባ።

"ካብ ሕጂ ንደሓር ዕላማይን ዒላማይን ክብረወሰን ዓለም ምስባር'ዩ" ኢላ።

"ድማ ክፍጽሞ እየ፤ ጻዕራም ሰራሕተኛ እየ። ጽቡቕ ስነ-ምግባርን ጽቡቕ ጥዕናን ሒዘ ምስ ኣምላኸይ ልምምድ ገይረ እየ መጺአ። ነቲ ክብረወሰን ዳግማይ ናባይ ክመልሶ ተስፋ እገብር።"

ንሆላንድ እትጎይይ ሻምፕዮን ማራቶን ኦሎምፒክ ሲፋን ሃሰንን ከምኡ'ውን ኬንያውያን ፐርስ ጀፕቺርቺር፡ ጆይሰሊን ጄብጎስኪን ሄለን ኦብሪን ካብተን ኣብ ለንደን ከቢድ ውድድር ከካይዳ ትጽቢት ዝተገበረለን ኣትሌታት እየን።

ትዕግስት ኣሰፋ ቅድሚ ሕጂ ሃገራ ወኪላ ኣብ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለምን ጸወታታት ኦሎምፒክን ተሳቲፋ ብሩር መዳልያ ተዓዊታ እያ።

ኣብ 2024 ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ብ2፡11፡53 ብምዝዛም ክብረወሰን ዓለም ሰይራ ነይራ።