ጀነራል ዮሃንስ መዲድ ተማሪኹ ድዩ ኢዱ ሂቡ - ሓይልታት ትግራይ እንታይ ይብል?

ዮሃንስ ወ/ጊዮርጊስ
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣዛዚ እዚ ግንባር ደቡብ ዝዀነ ሜጀር ጀነራል ዮሃንስ ወ/ጊዮርጊስ ፡ ንሰራዊት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ንዝዀኑ ሓይልታት ሰላም ትግራይን ኢዱ ከምዝሃበ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ፡ ኣብ ሞግዚት ምምሕዳር ትግራይ ዋና ኣካያዲ ጸጥታን ሰላምን ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ቅርበት ዘለዎም ክልተ ምንጪታትን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ ርእሲ'ዚ ቢቢሲ ካብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ እውን ሓበሬታ ረኺቡ'ሎ።

ጆን መዲድ ብዝብል ዝፍለጥ ሜጀር ጀነራል ዮሃንስ፡ ኣብ ርእሲ ኣዛዚ ግንባር ደቡብ ምዃኑ፡ ኣባል ሴንትራል ኮማንድን ኣባል ወተሃደራዊ ኮማንድን ሓይልታት ትግራይ እዩ ነይሩ።

ብሰኑይ ኣብ ዞባ ማእከል፡ ወረዳ ራማ፡ ቁሸት ስምረት ኣብ ዝተብሃለት ከባቢ፡ ጆን መዲድ ምስ ሓለውቱ፣ ካልኦት ኮሎኔል መዓርግ ዘለዎም ምዃኖም ዝተገልጸ ሸውዓተ ኣዘዝትን፡ ብሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ተኸቢቡ ምንባሩ፡ እቶም ምንጭታት የመልክቱ።

ብወገን ሓይልታት ትግራይ ግን "ንዑኡን ንብጾቱን መንገዲ ተኸፊቱሎም ከም ዝነበረ" እዩ ዝግለጽ።

መዲድ ድሕሪ ምትሓዙ፡ ብኡ ንብኡ ናብ ከተማ ዓድዋ ከምዝኣተወ'ውን ሓደ ካብቶም ምንጪታት ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዅን ህወሓት ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እዚ ተረኽቦ ዝወጽአ ወግዓዊ መግለጺ የለን፤ ቢቢሲ'ውን እቲ ኵነታት ዛጊት ብነፃ ኣካል ኣየረጋገጾን።

ኣዛዚ ሰራዊት ሓይልታት ሰላም ትግራይ፡ ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ ግን፡ ጀነራል ዮሃንስ "ኢዱ ከምዝሃበ" ንቢቢሲ ብምርግጋፅ፡ ትማሊ ብተሌፎን ከም ዘዘራረቦ ሓቢሩ።

ንሱ፡ ጆን መዲድ መቓልስቱን ብፃዩን፡ ከምኡ'ውን ናይ ቀደም ሓላፊኡ ምንባሩ ብምግላፅ፡ "ብህይወት ስለዝተረፈ ኣዝየ ሕጕስ እየ" ኢሉ።

ቅድሚ ኢዱ ምሃቡ ድማ ውግእ ከምዝነበረን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ምንጪ ሓይልታት ትግራይ ግን ኣብታ ዝተታሕዘላ ህሞት ውግእ ከምዘይነበረ እዩ ዝሕብር።

እንተዀነ ከምቲ ብኽልቲኡ ወገን ዝተባህለ ኣብቲ ቦታን ዕለትን ውግእ ብዛዕባ ምንባሩን ዘይምንባሩን እውን ቢቢሲ ዛጊት ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ኣዛዚ፡ እዚ ግንባር ደቡብ ሜጀር ጀነራል ዮሃንስ ወ/ጊዮርጊስ
መግለጺ ስእሊ, ኣዛዚ፡ እዚ ግንባር ደቡብ ሜጀር ጀነራል ዮሃንስ ወ/ጊዮርጊስ

ሓይልታት ትግራይ ከ እንታይ ይብል?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ ስሙ ክዕቀብ ዝሓተተ ቢቢሲ ዘዘራረቦ፡ ካብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሓይልታት ትግራይ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ "እመስለኒ ትኽክል እዩ" ክብል ነቲ ምትሓዙ ኣመልኪቱ ዘለዎ ሓበሬታ ሂቡ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ወተሃደራዊ ምንጪ ሓይልታት ትግራይ፡ መዲድ ካብቲ ዝነበሮ ግምባር "ተቐይርኻ ኢኻ ናብ ማእኸል ተጠርነፍ" ተባሂሉ ኣብ ማእኸላይ ኮማንድ ተመዲቡ ነይሩ እዩ።

እንተዀነ ጆን መዲድ፡ ናይ ግምባር ርኽክብ ወዲኡ - ግን፡ በቲ ዝተነገሮ ናብ ማእኸላይ ኮማንድ እንከይኣተወ "ንዓጀብቱ ሓዊሱ ዝተወሰነ ሓይሊ ሒዙ " [ከባቢ ዓዴት] ከም ዝፀንሐ ሓቢሩ።

ካብቲ ዝነበሮ ዓዴት ዝተባህለ ዓዲ ድማ ናብቲ ማእኸላይ ኮማንድ ዝርከበሉ ቦታ ንኽኣቱ፡ "ኣባላት ኣርሚ 60 ናይ ሓይልታት ትግራይ ውግእ ገይሮም መንገዲ ፀሪጎምሉ" ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ ናብቲ ዝተነገሮ ቦታ እንከይበፅሐ ግን ከም ዝተታሕዘ ገሊፁ።

ሜጀር ጀነራል ዮሃንስ ወልደጊዮርጊስ - ጆን መዲድ ኣብ ዞባ ማእከል ትግራይ ዓዴት ኣብ ዝበሃል ዓዲ ተወሊዱ ከም ዝዓበየ ይፍለጥ።

ንኣተሓሕዙ ኣብ ዝነበረ ህሞት ኣመልኪቱ እቲ ምንጪ፡ "ጆን መዲድ እንከይተዋግአ እዩ ተታሒዙ" ብምባል፡ "መንገዲ ምስ ተፀረገሉ ዝተወሰነ ምስ ተጓዓዘ 'በዚ ክሓልፍ ኣይክእልን ውሑስ ኣይኰነን' ብምባል ከም ዝኣበየ" እቲ ምንጪ ሓይልታት ትግራይ ወሲኹ ተዛሪቡ።

"ኣቐዲሙ ድርድር ነይርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ" ብምባል ዝኸሰሰ እቲ ምንጪ "ኣብ መንጎ ተዅሲ ምስ ተኸፈተ ኢዱ ሂቡ" ኢሉ። ቢቢሲ ነዚ ክሲ ካብ ነጻ ወገን ይዅን ካብ ባዕሉ ካብ ጀነራል ዮሃንስ ዛጊት ኣየረጋገፆን።

ኰሎኔል ሓጎስ ገብረእግዚኣብሄርን (ዘመቻ)፡ ሓላፊ ክፍሊ ፋይናንስ ግምባር ደቡብ ኣብርሃለይን ምስ ጆን መዲድ ካብ ዝተትሓዙ ላዕለዎት ኣመራርሓ ከም ዝኾኑ እዚ ምንጪ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ኲናት ዳግማይ ድሕሪ ምውልዑ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝነበረ ውግእ ሓይልታት ትግራይ ካብ ሰለስተ ግምባር ናብ ሓሙሽተ ግምባር ምትዕርራይ ከም ዝተገበረ ቢቢሲ ካብ ምንጭታቱ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ጀነራል ጆን መዲድ ድሕሪ እቲ ኣብ ኲናት ደቡብ ትግራይ ዝነበሮ ሓላፍነት መዝነት ኣዛዚ ደቡብ ግምባር ንብ/ጀ ኣብርሃ ተስፋይ (ድንኩል) ከም ዘረከበ፣ ኣብዚ እዋን ካብ ውሱናት ሓይልታት ወፃኢ እዚ ዝበሃል ሓይሊ ከም ዘይነበሮን ናብቲ ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ማእኸላይ ኮማንድ ክኣቱ ከም ዝተሓበሮን ምንጭታት ይሕብሩ።

ከም ብሓድሽ ብሓሙሽተ ግምባራት ዝተወደቡ ሓይልታት ትግራይ ብጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ (ፍስሃ ማንጁስ) ዝምርሑ ክዀኑ እንከለዉ፡ ምክትል ኣዛዚ እቲ ሰራዊት ድማ ብ/ጀ ሃይለስላሰ ግርማይ (ወዲ እምበይተይ) እዩ።

ውሳነታት ዘፅድቕን መደባት ዘውፅእን እቲ ማእኸላይ ኮማንድ ድማ ብኣቦወንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል እዩ ዝምራሕ።

 ጆን መዲድ ምስ ሓለውቱ፡ ካልኦት ኮሎኔል መዓርግ ዘለዎም ሸውዓተ ኣዘዝቲ ዝርከቡዎም፡
መግለጺ ስእሊ, ጆን መዲድ ምስ ሓለውቱ፡ ካልኦት ኮሎኔል መዓርግ ዘለዎም ሸውዓተ ኣዘዝቲ ዝርከቡዎም ካልኦትን፡

እታ ጆን መዲድ ዝመርሓ እዚ -ግንባር ደቡብ፡ ኣርሚታት 24 [ኣብ ኣላማጣ ዝነበረት]፡ 26 [ኣብ ሳምረ ዝነበርት] ፡ 22 [መቐለ] ፡ 44 [ ዓዲ ጉደም] ከምኡ'ውን 43 [ኣብ መዀኒ ዝነበረት] ዝሓቘፈት እያ ነይራ።

ኣዛዚ ግንባር ቅድሚ ምዃኑ፡ ኣዛዚ ኣርሚ 2 ምንባሩ ካብ ምንጭታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ቅድሚ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምፅኡን ህወሓት ናብ መቐለ ምድፍኡን፡ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ልዑል ሓላፍነት ዝነበሮ ጆን መዲድ፡ ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ቅድሚ ብጥሮታ ምውፅኡ፡ ዋና ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ከምዝነበረ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ኲናት ትግራይ ኣብ 2013 ዓ.ም.ግ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣብ ምውዳብ ሰራዊት ትግራይን ኣብ ምምራሕን ዕዙዝ ተራ ከምዝነበሮ ይንገረሉ።

ከምኡ ድማ ኣብ ኲናት ትግራይ ከም ነጥቢ መቐይሮ ተገይሩ ዝውሰድ ውግእ ወርቀዲኖ፡ ምስ ጀነራል ተኽላይ ኣሸብር [ወዲ ኣሸበር] ብሓባር ኰይኖም ነቲ ውግእ ከም ዝመርሕዎ ይግለፅ።

ኣብ 13 መስከረም 2019 ዓ.ም.ግ ምውላዕ ዳግማይ ውግእ ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ስዒቡ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ዶባት ኤርትራ ዝተደፍኡ ዀይኖም፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ሰላም ትግራይን፡ ንርእሰ ከተማ ትግራይ- መቐለ ሓዊሱ፡ ንዝበዝሑ ከባብታት ትግራይ ተቘፃፂሮም ይርከቡ።

እዚ ውግእ ዝተወልዐ፡ ህወሓት፡ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ (ኣፋብን)ን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ሓዊሱ ሸውዓተ ዕጡቓትን ፖለቲካውያን ውድባትን ጥምረት ከም ዝመስረቱ ድሕሪ ምእዋጆም ኣብ ሒደት መዓልታት እዩ።

ቤት ምኽሪ ምኒስተራት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ንኽልል ትግራይ ንዝቕጽል ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብላዕለዋይነት ዘመሓድር 'ሞግዚት ምምሕዳር' ከም ዘቘመ ይፍለጥ።

ንኣስታት 50 ዓመታት ኣብታ ክልል ኣብ ብሃገር ደረጃ ድማ ንኣስታት 30 ዓመታት ፖለቲካ እታ ሃገር ዓብሊሉ ዘመሓደረ ህወሓት፡ ኣብ ዝተፈለለየ ከባቢታት ይዋጋእ ከም ዘሎን እቲ ኲናት ተንቀሳቓሲ ብምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብ ቀዳሞት መዓልታት ናይዚ ኲናት ውሽጣዊ ድኽመታት ከምዘጓነፎም ብምእማን፡ ዝነበረ ጸገማት ኣተዓራርዮም፡ ናብ ሓድሽ መድረኽ ከም ዝተሰጋገሩ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።

መራሕቲ ኢትዮጵያ ግን ህወሓትን ሓይልታቱን ተዳኺሙ ይበታተን ከምዘሎን ዝተረፉ ሰራዊት ትግራይ ኢዶም ክህቡን እዮም ዝጽውዑ ዘለው።