ዓሊ ሱሌማን ዝደመቐሉ ግጥም ኤርትራን ኢስዋቲንን

ምንጪ ስእሊ, Ali Suleman/Social media
ኤርትራ፡ ኣብ ቅድመ መጻረዪ ግጥማት ናይቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝእንገድ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ንኤስዋቲኒ ብድምር 4ብ1 ረቲዓታ።
ኣብ ላዕለዋይ ዲቪዥን ግብጺ ምስ ካህራባ [ኤለክትሪክ] እስማዒልያ ተሰሊፉ ዝጻወት ኣጥቃዓያ ዓሊ ሱሌማን፡ ኣብ ክልተ እግሪ 3 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኮኾብ ኰይኑ ደሚቑ።
ብመምዘኒታት ዓለምለኸዊ ደረጃ ኵዕሶ እግሪ ዝጸደቐ ስታድዩም ብዘይምህላዉ፡ እታ ብኣግማል ቀይሕ ባሕሪ እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ፡ እቲ ኣብ ሃገራ ከተአንግዶ ዝግባእ ጸወታ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ሞሮኮ ክትጻወት'ያ ተገዲዳ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ እግሪ ርክበን ብሳላ ሸቶታት ዓሊ ሱሌማንን ኣብ ካልኣይ ደረጃ እንግሊዝ ምስ ሸፊልድ ዩናይትድ ዝጻወትን ዕባይ ኣካዳሚ ማንቸስተር ዩናይትድ ነበርን ሴም እዮብ ኣብርሃን ኣብ ልዕሊ ኢስዋቲኒ 2ብ0 ተዓዊታ ምንባራ ይዝከር።
ነዚ ስዒበን ኣብ ኤስዋቲኒ ኣብ ዘካየድኦ ናይ ካልኣይ እግሪ፡ ዓሊ - ብፍላይ እታ ኣብ መበል 50 ደቒቕ ብኣክሮባቲክ [ኣራበሽቶ] ጥበብ ተገምጢሉ ዘእተዋ እትድነቕ ቀዳመይቲ ሸቶ፡ ኣብ መበል 57 ካልኣይቲ ደጊሙላ ጸወታ ብዓወት ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ 2ብ1 ተዛዚሙ፤ ኢስዋቲኒ መጸናንዒ እትዀና እንኮ ሸቶ ኣብ ተወሳኺ ግዜ ኣብ መበል 96 ደቒቕ ዘመዝገበታ እያ።
ኣብ ደረጃ ሃገራውያን ጋንታታት ዓለም ብመለክዒታት ፊፋ፡ ንኣርባዕተ ሃገራት ጥራይ በሊጻ ኣብ መበል 184 ተሰሪዓ ዘላ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ብኣጻብዕ ዝቝጸራ ጸወታታት ጥራይ እያ ኣካይዳ።
እቲ ዝገርም፡ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ኣፍኮን ንመወዳእታ ግዜ ዝተጻወተትሉ ኣብ መስከረም 2007 ኣንጻር ኤስዋቲኒ ምዃኑ እዩ።
ካልኦት ሓሙሽተ ሃገራውያን ጋንታታት - ኢትዮጵያ፡ ብሩንዲ፡ ለሴቶ፡ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ መስከረም ዝጅምር ናይ መጻረዪ ምድብ ጸወታታት ከም ዝሓለፋ ኣረጋጊጸን ኣለዋ።
ኣፍኮን 2027፡ ሃገራት ኬንያ፡ ታንዛንያን ኡጋንዳን ሰለስቲአን ብሓባር ኣአንገድቲ ሃገራት ኰይነን ናብቲ ውድድር ብቐጥታ ሓሊፈን ኣለዋ።
ኤርትራን ኢስዋቲኒን ኣብ ታሪኸን ምስዚ ናይ ትማሊ ጸወታአን ንራብዓይ ግዜአን'የን ዝራኸባ ዘለዋ።
ኣብ ጥቅምቲ 2006 ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየዳኦ ግጥም፡ ብዘይ ሸቶ 0ብ0 እየን ተፈላልየን።
ብተመሳሳሊ 9 መስከረም 2007 ኣብ ምባባን ርእሰ ከተማ ኢስዋቲኒ ኣብ ዘካየደኦ ጸወታ'ውን 0 ን 0 ተፈላለየን።
ኣብዚ ድሒረን ዝገጠማሉ ክለተ ጸወታታት ከኣ ኣብ ቀዳማይ እግሪ ኤርትራ ክልተ ንዜሮ ክትዕወት እንከላ ኣብዚ ናይ ትማሊ ጸወታ ከኣ ኤርትራ ካብ ኢስዋቲኒ ክልተ ንሓደ ስዒራ።
ነዊሕ ብኵራት ካብ ኣህጉራዊ ውድድራት

ምንጪ ስእሊ, ENFF
ኤርትራ ኣብ 1993 ካብ ኢትዮጵያ ብወግዒ ናጽነት ካብ እትረክብ ንደሓር ንኣፍኮን በቒዓ ኣይትፈልጥን።
ኣብ መጻረዪ 2008 ተሳቲፋ ዝነበረት ኰይና፡ ኣብ ምድባ ካልኣይቲ ኮይና ዛዚማ፤ ብኣርባዕተ ነጥቢ ነታ ቀዳመይቲ ዝዀነት ኣንጎላ ድሒራ፡ ንኬንያን ኤስዋቲንን ድማ ቀዲማ ነይራ።
ካብ ሽዑ ጀሚራ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተመደበላ መጻረዪ ጸወታታት ከይተሳተፈት ወይ ዕጫ ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ መወዳእታ ሰዓታት ካብ ውድድር ብምእላይ ንኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ተደጋጋሚ ጸገም ምፍጣራ ይጥቀስ እዩ።
ድሕሪ'ቲ ኣብ ጥሪ 2020 ኣንጻር ሱዳን ዘካየደቶ ምሕዝነታዊ ጸወታ፡ ክሳብ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት ምስ ኒጀር ክልተ ምሕዝነታዊ ጸወታታት ዘካየደትሉ ግዜ ኣይተጻወተትን።
ኣብ ሕዳር 2024 ኣብ መጻረዪ ሻምፕዮን ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ መወዳድርታ ኢትዮጵያ ክትገጥም'ውን መደብ ተታሒዙላ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ መወዳእታ ሰዓታት ግን ካብቲ ውድድር ስሒባ።
ሓደ ዓቢ ምኽንያት ናይዚ ተደጋጋሚ ካብ ውድድራት ምስሓብ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ተጻወትቲ፡ እታ ጋንታ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክትገይሽ እንከላ፡ ምስ ወጽኡ ኣይምለሱን እዮም ዝብል ስግኣት እዩ። እዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2019 ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ዞባዊ ውድድር ሓዊሱ ብተደጋጋሚ ኣጋጢሙ እዩ።
ኤርትራ ልዑል ወተሃደራዊ ኣተሓሕዛ ዝኽተል ሓደ ሰልፊ ዘለዋ ሃገር እያ። ድሕሪ ናጽነት፡ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ምስ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ ኲናት፣ ውሽጣዊ ዓፈናን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ወጥሪ ዝመልኦ ዝምድናን እዩ ዘለዋ።
ይዅን እምበር፡ እታ ኣብ ኵዕሶ እግሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ታሪኽን ዝናን ዘለዋ ከዋኽብቲ ዘፍረየት ኤርትራ፡ ኣብ 1990 ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ዝተጻወተ ግብጻዊ ሄሻም ያካን ከም ኣሰልጣኒ ድሕሪ ምምዛዛ፡ ናብ ኣህጉራዊ ኩዕሶ እግሪ ተመሊሳ ኣላ። እዛ ናይ ሕጂ ጋንታ ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ ድማ ተጻወትታ ካብ ውሽጢ ዓድን 'ዲያስፖራን 'ዝሓቘፈት እያ።
ዕጫ ምድብ መጻረዪ ኣፍኮን 2027 ዝካየደሉ ዕለት ክሳብ ሕጂ ብካፍ ኣይተገልጸን።
ድምር ውጽኢት ክልተ እግሪ ውድድራት ቅድመ መጻረዪ ኣፍኮን 2027
- ኤርትራ 4-1 ኢስዋቲኒ
- ሳኦ ቶመን ፕሪንቺፐን 0-4 ኢትዮጵያ
- ጅቡቲ 1-4 ደቡብ ሱዳን
- ቻድ 0-8 ብሩንዲ
- ሶማልያ 0ብ0 ሞሪሸስ (4-2 ብፍጹም ቅላዕ)
- ሲሸልስ 1-2 ለሴቶ











![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


