'ዝተሓድገት ሱዳን' - ሕቡራት ሃገራት ዘመሓላለፎ ሓድሽ መጠንቀቕታ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኲናት ሱዳን ሳልሳይ ዓመቱ ዛዚሙ ናብ ራብዓይ ዓመቱ ኣብ ዝሰጋገረሉ ዘሎ እዋን፡ እታ ሃገር ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ "ዘስካሕክሕ ግፍዕታት" ኣብ ኣፍደገ ምሉእ ምፍራስ ከም እትርከብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።
ብ15 ምያዝያ 2023 (ልክዕ ከምዛ መዓልቲ) ኣብ ካርቱም ዝተወልዐ ግጭት፡ ናብ መላእ ሃገር ልሒሙ ደማዊ ኲናት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ንሱዳን ካብቲ ኣሕዲራትሉ ዝነበረት ተስፋ ደሞክራስያዊ ስግግር ኣንደልሂጹ ናብ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ሸሚሙዋ ይርከብ።
ላዕለዎት ልኡኻት መርመራ ጭብጢታት ናይ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብ13 ምያዝያ 2026 ብሓባር ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ፡ እቲ ኲናት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ሰብኣዊ ጥሕሰትን ዓሌታዊ ጽንተትን ዓሪጉ ምህላዉ ገሊጾም።
እቲ ኲናት ሰለስተ ዓመት፡ ነታ ሃገር ኣብ ክልተ ዝመቐላ ኰይኑ፡ ክልተኦም ሓይልታት እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ምሉእ ብምሉእ ዘየሰንፈሉ ደረጃ በጺሖም ይርከቡ። እዚ ድማ ነታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ተመቒላ ክትጸንሕ ከገድዳ ይኽእል እዩ።
"ኣብ ሰለስተ መዓልታት 6,000 ሰባት ተቐቲሎም"
ሰብኣዊ ጉዳያት ሱዳን እተወሃህድ ደኒዝ ብራውን፡ ንዅነታት ሱዳን ካብቲ "ዝተረስዐ ቅልውላው" ዝብል ልሙድ ኰይኑ ዝጸንሐ መጸውዒ ወጺኣ፡ "እዚ ዝተሓድገ ቅልውላው እዩ፡" ክትብል ንማሕበረሰብ ዓለም ወቒሳ።
ብራውን ኣብ ከተማ ኣል-ፋሽር ጥራይ ዘጋጠመ ህልቂት ብምጥቃስ፡ "ብመሰረት ዘረጋገጽናዮ ሓበሬታ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ጥራይ 6,000 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ፤ እቲ ሓቀኛ ቍጽሪ ግና ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ይኽእል እዩ፡" ክትብል ስግኣታ ገሊጻ።
መጽናዕቲ መርማሪ ጭብጢታት ሕቡራት ሃገራት፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ጥቅምቲ 2025 ንኸተማ ኣል-ፋሽር ኣብ ዝተቘጻጸርሉ እዋን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ዓሌታት ዛጋዋን ፉርን ዝተፈጸመ ግፍዒ፡ "ሓደ ብሄር ንምጽናት ዝዓለመ ምዃኑ ዘርእዩ ኵሎም ረቛሒታት ዘማልአ እዩ፡" ክብል ኣመልኪቱ።
"ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት"

ምንጪ ስእሊ, UN
እቲ ግጭት ብ15 ምያዝያ 2023 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ክሳዕ መጀመርታ መጋቢት 2026 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ልዕሊ 12.6 ሚልዮን ሱዳናውያን ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም።
ካብዚኦም እቶም 8.6 ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ሃገር ክመዛበሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 4 ሚልዮን ድማ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም።
መርመርቲ ጭብጢታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኡዎ ጸብጻብ፡ ክልተኦም ተናሓናሕቲ ወገናት ማለት ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ገበናት ኲናት ከም ዝፈጸሙ ገሊጾም።
ብፍላይ ዳዕመ-ሰሪዕ፡ "ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ብምጥቃም፡ ንህዝቢ መግቢ፡ መድሓኒትን ሰብኣዊ ሓገዝን ብምኽልኻል ከጽንት ይጽዕር ኣሎ፡" ክብሉ ወቒሶም።
ጸብጻባት ከም ዘመልክቱዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ጥራይ ኣስታት 2,500 ዝዀኑ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ክረኽቡ ክኢሎም ኣለዉ።
ዲፕሎማስያዊ ደውታን ብኩራት ክልከላ ኣጽዋርን
ደኒዝ ብራውን ኣብ መግለጺኣ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቶም ነቲ ኲናት ዘሳውሩ ዘለዉ ሓይልታት፡ ብፍላይ ድማ ዋሕዚ ኣጽዋር ደው ንምባል ዝግበር ጻዕሪ ደስኪሉ ምህላዉ ነቒፋ።
"[ማሕበረሰብ ዓለም] ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ምስ ተፈጸመ እዩ ኮፍ ክብልን ኣቓልቦ ክህቦን? ፖለቲካዊ መፍትሒ ኢና ንደሊ፡" ክትብል ጻውዒት ኣቕሪባ።
ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ፤
ኲናት ደው ምባል፤ ኲናት ብቐዋምን ብህጹጹን ደው ንምባል ስምምዕ ክግበር፣
እገዳ ኣጽዋር ዳርፉር፡ ኵለን ሃገራትን ኩባንያታትን ብቤትፍርዲ ባይቶ ጸጥታ ንዝተወሰነ እገዳ ኣጽዋር ከኽብራ፣
ተሓታትነት ክነግስ፤ ነቲ ኲናት ነዳዲ እናወሰኸ ዘቐጽሎ ዘሎ "ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ባህሊ" ደው ንምባል፡ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበን ዝገብሮ ጻዕሪ ደገፍ ክግበረሉ።
"ታሪኽ ይድገም ኣሎ"
ሱዳን ሕጂ እውን ብሰንኪ ሕጽረት ፋይናንስ ኣብ ጸገም ትርከብ። ኣብ 2026 ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ካብ ዝተሓተተ 2.8 ቢልዮን ዶላር፡ ክሳዕ ሕጂ 16 ሚእታዊት ጥራይ እዩ ተረኺቡ።
ደኒዝ ብራውን ከም ዝበለቶ፡ "ኣብ ሱዳን ታሪኽ ይድገም ኣሎ - ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ግፍዒ፡ ብተደጋጋሚ ዝርአ መከራ። ረድኤት ጥራሕ መፍትሒ ኣይኰነን፣ ፖለቲካዊ ስጕምቲ የድሊ ኣሎ።"
ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸመ ሕማቕ ታሪኽ፡ ተማሂርናሉ ኣብ ክንዲ ደው ዝብል፡ ዳግማይ ከምቲ ዝነበሮ ይድገም ኣሎ።
ኲናት ሱዳን ናብ ራብዓይ ዓመቱ ኣብ ዝሰጋገረሉ ዘሎ እዋን፡ ኵሎም ኣባላት ሃገራት ብህጹጽ ጣልቃ ክኣትዉን ንህዝቢ ሱዳን ካብ ምጽናት ከድሕኑን ሕቡራት ሃገራት ጻውዒቱ ኣቕሪቡ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcstreaming.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


