ቅትለት ኢትዮጵያውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ - መንግስቲኸ እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዙሓት ኢትዮጵያውያን፡ መንግስቲ ሃገሮም ብዛዕባ እቶም ፍጻመታት ንመንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሓትትን ስጕምቲ ክውስድን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክጠልቡ ጸኒሖም።
ነዚ ስዒቡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ብዝምልከት "ህጹጽ ስጕምቲ ክወስድን "ኣብ ተቓላዕቲ ከባቢታት ፍሉይ ሓለዋ ክገብርን" ጸዊዑ ኣሎ።
እቲ ኤምባሲ ብ 21 ሚያዝያ 2018 (ግ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብ"ዓመጽቲ ገበነኛታት" ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዝፍጸም ዘሎ "ከቢድ ቅትለትን ግህሰትን" ኣመልኪቱ "ዓሚቝ ሓዘን" ከም ዝተሰምዖ ሓቢሩ።
ኣብ ጆሃንስበርግ 'ሲቢዲ' ብዝብል ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ብዝተፈጸመ ዝተፈላለየ ፍጻመታት፡ ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ድሕሪ ምቕታሎም እቲ ኤምባሲ ነዚ መግለጺ ከም ዘውጸአ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ደቡብ ኣፍሪቃ ኣመልኪቶም።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተለጠፈን ብናይ ጸጥታ ካሜራ ዝተቐድሐን ቪድዮ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ጽዑቕ ዕዳጋ እናተጓዕዘ ኣብ ጥቓ ሓደ ድኳን ደው ኢሉ ኣብ ዝነበረ ሰብ ሽጉጥ ብምውጻእ ነቲ ሰብኣይ ካብ ቀረባ ርሕቀት ኣብ ርእሱ ብጥይት ብምትኳስ ክቐትሎ ከሎ የርኢ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ዝወደቐ ሰብ ብተደጋጋሚ ተኲሱ ክኸይድ እንከሎ እውን ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ተራእዩ።
ኣዲስ ስታንዳርድ፡ ኣብ ፕሪቶርያ ንዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ከምዘረጋገጸ ብሰሉስ ጸብጺቡ።
ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ክንደይ ዜጋታቱ ከም ዝተቐትሉ ኣይገለጸን።
ይዅን'ምበር፡ ኣብ ልዕሊ "ገበነኛታት እቲ ቅትለት" ዝበሎም ውልቀ ሰባት "ህጹጽ ሕጋዊ መርመራ ክካየድ" ናብ "ዝምልከቶ መሓውር ጸጥታ ደቡብ ኣፍሪቃ" ከም ዝጸሓፈ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ እቲ ኤምባሲ፡ ውጽኢት እቲ መርመራ "ብቕልጡፍ ንህዝቢ ክግለጽ" ተማሕጺኑ።
እቲ ቅትለት ምስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ጸረ-ስደተኛታት ስምዒት ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል እውን ኣመልኪቱ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን "ጸረ-ስደተኛታት" ወፍርታት ከምዝወሰኸን ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት "ኣብ ቀረባ እዋን ብሰፊሑ ይዝርጋሕ" ከምዘሎን ይጠቅስ።
ቅድሚ ሕጂ "ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣካላዊ፡ ንዋታውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጉድኣት ከም ዝበጽሖም" እቲ ኤምባሲ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብቲ እዋን፡ መንግስቲ "ነዚ ኣጸጋሚ ጉዳይ ኣቓልቦ ክህቦን ግቡእ ሓለዋ ክገብርን" ሓቲቱ ምንባሩን "ንሓይልታት ጸጥታ መምርሒ" ከምዝተወሃቦምን ኣዘኻኺሩ።
እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጸመ ቅትለት ስዒቡ፡ "ተወሳኺ ክሳራ ህይወት ንምክልኻል ጸገማት ኣብ ዝረኣየሉ ከባቢታት ፍሉይ ሓለዋ ክግበር" ከም ዝሓተተ እውን ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, BBC / Thuthuka Zond
እቲ ኤምባሲ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ክተሓባበሩ፤ ንነብሶምን ንብረቶምን ክከላኸሉ ከምኡ'ውን ምስ ሓይልታት ጸጥታ ብቐረባ ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ።
ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዘመልክትዎ፡ ጠንቂ ቅትለት ኢትዮጵያውያን ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን።
እንተኾነ እቶም ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ብጥይት ዝተቐትሉ ኢትዮጵያውያን ምስ ዝተወደበ ገበን፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ምዝማትን ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም እዩ ዝእመን።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብር ኢትዮጵያዊ "ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሰባት ቈጺሮም የቕትሉ ኣለዉ" ብምባል፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን "ሓድሕድ" ዘጋጥም ዘሎ ተግባር ምዃኑ ኣኣንፊቱ።
ቢቢሲ ግን ነዚ ብናጻ ኣካል ኣይረጋገጸን።
ይዅን'ምበር ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጸረ-ስደተኛታት ተቓውሞታት ክካየድ ምጽንሑ ዝፍለጥ'ዩ።
ኣብታ ሃገር፡ ጕጅለታት ጸረ-ስደተኛታት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሓያሎ ዜጋታት ኣፍሪቃ ተቐቲሎም እዮም።
ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶርያ ዝነብሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ኣብ እዋን ተቓውሞታት ጸረ-ስደተኛታት መጥቃዕቲ ከይበጽሖም "ኣብ ልዑል ንቕሓት" ክጸንሑ ከምዘለዎም ብትካላት ሃገሮም መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኣሎ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcstreaming.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


