ራእሲ ኣስራተ ካሳ፡ ኣብ መንጎ ንጉሳዊ ውርሻን ስትራተጅያዊ ብድሆታት ኤርትራን

ምንጪ ስእሊ, DM
ኣብ መንጎ ልኡላዊ ክብሪ ንግስነትን ቃልሲ ሓርነት ኤርትራን ተወጢሩ ዝነበረ ራእሲ ኣስራተ ካሳ፡ ኣብ ታሪኽ ምምሕዳር ኤርትራን ዳሕረዎት ዓመታት ስርዓት ሃይለስላሰን ስትራተጅያዊ ጽልዋ ካብ ዝነበሮም ሰበስልጣን እቲ ቀንድን ወሳንን ነበረ።
እዚ ብ1 ግንቦት 1922 ኣብ ፈቸ (ኣምሓራ) ዝተወልደ ብርቱዕ ጽልዋ ዝነበሮ ፖለቲከኛ፡ ብ23 ሕዳር 1974 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መበል 52 ዓመት ዕድሚኡ ብመርሸንቲ ደርግ ዓረፈ።
ራእሲ ኣስራተ ካሳ ምስቶም ደርግ "ኢትዮጵያ ትቕደም - ብዘይ ገለ ደም" እናበለ ንህዝቢ ብምጥላም መዓት ደም ዘፍሰሰሎም 60 ሹመኛታት ንጉስ ሃይለስላሰ ሓደ እዩ ነይሩ።
ብዓልቲ ቤቱ ልእልቲ ዙርያነሽወርቅ ገብረእዚኣቢሄር (ጓል ጓላ ንእተጌ መነን) ድማ ድሕሪ መርሸንቲ ሰብኣያ ን14 ዓመታት ብደርግ ብጽኑዕ ተኣሲራ ከም ዝነበረት ይፍለጥ።
ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ቀዳማይ ኣማኻሪ ጃንሆይ
ካብ ክልተኡ ዘርኢ ንግስነት ኢትዮጵያ (ጎንደር/ላስታን ሸዋን) ዝተወለደ ራእሲ ኣስራተ ካሳ፡ ወዲ ራእሲ ካሳ ሃይሉ ዘዳርጌ ኰይኑ፡ ቀረባ መቕርብ ንጉስ ሃይለስላሰ ነበረ።
ምስ ወድ-ንጉስ መኰነን ሃይለስላሰ ሓቢሩ ኣብ ቤተመንግስቲ ዝተማህረ ኰይኑ፡ ጣልያን ንኢትዮጵያ ምስ ወረራ (1935) ድማ ምስ እንዳ ጃንሆይ ሓቢሩ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተዓቝበ።
ኣብቲ እዋን ኰተቴ ብምንባሩ ትምህርቱ ኣብኡ ቀጸለ፤ ጸኒሑ ድማ ንኢትዮጵያ ሓራ ኣብ ዘውጽአ "ሓይሊ ጊደዎን" ብመዓርግ ታሕተዋይ መኰነን ተሰሊፉ ተዋግአ።
ድሕሪ ኲናት፡ ናይ ኮሎኔል መዓርግ ተዋሂብዎ ብመሳልል ስልጣን ቀልጢፉ ክድይብ እኳ እንተ ከኣለ፡ ናብ ስቪላዊ ህይወት ተመሊሱ ኣማሓዳሪ ወለጋ፡ ኣርሲ፡ በጌምድርን ሸዋን ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ።
ብ1960 ንዝተፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ብምምካቱ ኣብ ቅድሚ ጃንሆይ ዓቢ ክብሪ ዝረኸበ ራእሲ ኣስራተ ካሳ፡ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣክሊሉ ሃብተወልድ ብውድድርን ቅንእን ይነሓናሕ ነበረ።
እዚ ድማ ብዓይኒ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያንን ንጉሳዊ ቤተሰብን ሓለፋ ስለ ዝነበሮ እዩ፤ ምስ ወራስ-ዙፋን ልኡል ኣስፋ-ወሰን'ውን ጽኑዕ ምሕዝነት ከም ዝነበሮ ተመራማሪ ፖል ሀንዝ ኣብ 'Layers of Time' ይገልጽ።
ብ1957 ቦታ ኣቦኡ ብምውራስ ቀረባ ኣማኻሪ ጃንሆይ ኰነ፤ ኣብ ሰነት እናገልገለ ድማ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ናይ ገዛእ-ርእሳ ኢትዮጵያዊ ፓትሪያርክ ንኽህልዋ ዓቢ ተራ ተጻወተ፤ ብ1964 ድማ ከም እንደራሴ ተሸይሙ ናብ ኣስመራ ገዓዘ።
ምምሕዳር ኤርትራ፡ ዲፕሎማስያዊ ሜላን ተግባራዊ ጭካኔን
ኣስራተ ካሳ እንደራሴ ኤርትራ ዝዀነ ድሕሪ ዓቢዪ ኣበበ እዩ፤ ብ1966 ድማ መዓርግ ራእሲ ተቐበለ።
ብዘመኑ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ለውጥታት ተኣታተወ፡ ኢትዮጵያዊ ተመራማሪ ሺፈራው በቀለ፡ "ኣብ ምምሕድራዊ ጽግና ዝኣምን ሊበራላዊ ኣተሓሳስባ ዝነበሮ ኣማሓዳሪ" ክብል እኳ እንተ ገለጾ፡ ኤርትራውያን ግን ንምምሕዳሩ ምስ ጭካነ እዮም ዘተኣሳስርዎ።
ራእሲ ኣስራተ ካሳ ንህዝቢ ኤርትራ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክገዝእ ኣይደልይን ነይሩ ዝብሉ ወገናት እኳ እንተለዉ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ሓለፍቲ ወተሃደራት ግን በቲ "ዲፕሎማስያዊ" ዝበሃል ስልቱ ሕጕሳት ኣይነበሩን።
ዶክተር ሺፈራው፡ "ብፖለቲካዊ ኣገባብ ፍታሕ ከምጽእ ይፍትን ነይሩ፡" እኳ እንተ በለ፡ ብተግባር ግን ሓይልን ተበላሓትነትን ዝተሓወሶ ስልቲ ይጥቀም ነበረ።
ዳን ኮኔል ከም ዝገለጾ፡ ስልቲ ኣስራተ ካሳ ንህዝቢ ፈላሊኻ ብውዲትን ኣድልዎን፡ ንኽርስትያን ሓባቢሉ ጸግዒ ኢትዮጵያ ንኽወስዱ፡ ንኣስላም ከኣ ንኽዋሰኑ ዝዓለመ ነበረ።

ምንጪ ስእሊ, DM
ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናትን ፕሮፓጋንዳን
ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣስራተ ካሳ ቈላሕታኡ ኣብ ልዕሊ ኣስላም ኤርትራ ኣቕንዐ።
ምስ ኢትዮጵያ ዝጸጋጋዕ ኤርትራዊ ክርስትያናዊ ሃገራውነት ንምፍጣር "ኤርትራ ንኣዕራብ ኣይትሽየጥን" ዝብል መሪሕ ሓሳብ ተጠቒሙ ሰላማዊ ሰልፍታት ሆ! ኣበለ፤ ነቲ ምስ ኣዕራብ ዝነበረ ሃይማኖታውን ባህላውን ርክባት ንምብታኽ ድማ ጽዓረ።
ምስልምናን ቋንቋ ዓረብን ኣብ ኤርትራ ግኑንን ወሳኒ ተራን ኣለዎም። ኣለሳንድሮ ጎሪ ዝተባህለ፡ ብእስላማዊ ስነ-ጽሑፋዊ ባህሊ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመራመር ምሁር (ዩኒቨርሲቲ ኮፐንሃገን - ደንማርክ) ርክባት ምስልምናን ዓረብኛን ምስ ኤርትራ ብኸመይ ከም ዝተኣሳሰሩ ኣብ ኢንሳክሎፒድያ ኤትዮፒካ ኣስፊሩዎ ይርከብ።
ሙፍቲ ሸኽ ኢብራሂም ኤል-ሙኽታር ኣህመድ እብን ዑመር (1909-1969) ምስ ሞቱ'ውን ካልእ ሙፍቲ ንኸይትካእ ከልከለ።
ኣብ ጋዜጣታት ኢትዮጵያን ኤርትራ፡ ራድዮን ተለቪዥንን፡ ኣብ ፈቐዶ ከተማታት "ኤርትራ ኣትሸየጥም ኣትለወጥም" እናተባህለ ጽዑቕ ጐስጓስን ሰላማዊ ሰልፍታትን ይካየዱ ነበሩ።
ነቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዘጓነፈ ዘይምስምማዕ - 'ኣስላም ንክርስትያን ይሃድንዎም ኣለዉ' እናተባህለ - ኣብ ራድዮን ጋዜጣን ብዝተጋነነ ቋንቋ ይቃላሕ ነበረ።
ኢዶም ንዝሃቡ ተጋደልቲ ከኣ ከም ጀጋኑ ተቘጺሮም ዛንትኦም ኣብ ጋዜጣታት ብምሕታም ጽዑቕ ፕሮፓጋንዳ ይካየድ ነበረ።
ተጋዳላይ ወልዳይ ካሕሳይ፡ ኣዛዚ ሓሙሻይ ክፍሊ ዝነበረ፡ ምስ ሰዓብቱ ምስ ሰለመ ጋዜጣ ሕብረት፡ ናይ መንግስቲ ጋዜጣ፡ ንሰሙናት ብዛዕባኡ ጸሓፈ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ስራሕ ፖሊስ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣስራተ ካሳ ምስ ኣተወ፡ ሓያሎ ኢትዮጵያውያን ኣባላት ጸጥታ ተሓወሱ።
ሽዑ ማእሰርትን መቕዘፍትን ገነነ። ብዙሓት እሱራት ዛንትኦም ኣብ ጋዜጣ ብምቅላሕ ንኽንደይ ዓመታት ንኽእሰሩ ከም ዝተፈርዱ - ህዝቢ ዛንትኦም ኣንቢቡ ትምህርቲ ንክዀኖ ተባሂሉ - ብብዝሒ ኣብ ጋዜጣ ሕብረት ይወጽእ ነበረ።
ብኣሽሓት ዝቝጸራ ኣደታት ደድሕሪ እሱራት ደቀን ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኮለል ዝብላሉ እዋን ከም ዝነበረ ዝገልጹዎ ሰባት ኣለዉ። ናይ ዓዲ ቀይሕ፡ ኣቑርደት፡ ከረን እሱራት ናብ ኣስመራ እናምጽኡ ይፈርዱዎም ስለ ዝነበሩ ስድርኦም ምስኦም ሓጸልጸል ይብሉ ነበሩ።
ወተሃደራዊ ውርሻ፡ ምስንዳእ ሓይሊ "ኮማንዲስ"
እቲ ዝዓበየ ስትራተጅያዊ ስጕምቲ ኣስራተ ካሳ፡ ብእስራኤላውያን ዝሰልጠኑን ብገንዘብ ኣመሪካ ዝተመልመሉን "ኮማንዲስ" ዝፍለጡ ሓይልታት ምድላው ነበረ።
እዞም ክርስትያን ጥራይ ዝዀኑ ወተሃደራት፡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ክጭክኑ ተመሊሚሎም ዘርእይዎ ዝነበሩ ጭካነ ሓያል ምንባሩ እዩ ዝግለጽ።
እቶም ኮማንዶ ቍጽሮም ኣስታት 1,000 ኰይኑ ኣብ ትሽዓተ ሓይልታት ተኸፊሎም ኣብ ጸግዒ ፖሊስ ኰይኖም ይሰርሑ ነበሩ።
ጀነራል ጎይትኦም ገብረዝጊ ኣዛዚኦም እኳ እንተ ነበሩ (ንሶም ጸኒሖም ናብ ሜዳ ተሓዊሶም)፡ እቲ ስልቲ ግን ንልቢ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንምርሓቕ ጥራይ እዩ ኣገልጊሉ።
ኮማንድስ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዘካይድዎ ዝነበሩ ዕዉት ሃድናት ኣብ ጋዜጣታት ክንገረሎም ጀመረ። ይዅን'ምበር፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዓሪዱ ዝነበረ ካልኣይ ክፍለሰራዊት ኢትዮጵያ ዳርጋ ከም ድላዮም ኣብ መታሕት ይዕንድሩ ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ኣስራተ ካሳ ብናቶም ስትራተጂ ክበጽሕዎ ዝደልዩ ዝነበረ ሽቶ ይዕንቅፎ ነበረ።
ምስኡ ኸኣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣስላሙ ክርስትያኑ፡ በቲ ካልኣይ ክፍለሰራዊት ዘርእዮ ዝነበረ ጭካነ ብምዕዛብ ልቡ ናብ ደቁ (ተጋደልቲ) ከደ።
ኣብ መወዳእታ፡ ስልቲ ኣስራተ ካሳ ከም ዘይሰርሐ ዝተረድአ ጃንሆይ፡ ሓሳብ ኣክሊሉ ሃብተወልድ ተቐቢሉ ህጹጽ ኣዋጅ ኣወጀ።
ኵነታት ኤርትራ ምስ ተባርዐን ጀነራል ተሾመ እርገቱ ብ21 ሕዳር 1970 ኣብ መንገዲ ከረን ብተሓኤ ምስ ተቐትለን፡ ኣስራተ ካሳ ብ1970 ተጸዊዑ ንኣዲስ ኣበባ ተመልሰ፤ ቦታኡ ድማ ብጀነራል ደበበ ሃይለማርያም ተተክአ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcstreaming.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


