ትራምፕ፡ ኣብ እማመ ስምምዕ ኣመሪካን ኢራንን ክልወጥ ዝደለዮ እንታይ እዩ?

መግለጺ ቪድዮ, ኣመሪካን ኢራንን ዳግም ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ተቓሪበን ድየን?
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ዝጀመረ ውግእ ማእከላይ ምብራቕ ንምውዳእ ዝዓለመ ስምምዕ ኣመሪካን ኢራንን፡ ለውጢ ክግበረሉ ከም ዝሓተተ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ሓቢረን።

እቲ ለውጢ፡ ምስ መጻብቦ ሆርሙዝን ኣዝዩ ዝተሃብተመ ዩራንየም ኢራንን ዝተኣሳሰር ምዃኑ፡ ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ዜና ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።

ዋይት ሃውስ ንዝቐረበሉ ሕቶ ርእይቶ መልሲ ኣይሃበን።

ዋና ተደራዳሪ ኢራን መሓመድ ባገር ጋሊባፍ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መሰላት ኢራን ምሉእ ብምሉእ እንተዘይተረጋጊጹ፡ ቴህራን ዝዀነ ስምምዕ ከም ዘይትቕበል ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንትን ላዕለዎት ሓገዝቱን ብዓርቢ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ኢራን ዝተገብረ ተኹሲ ደው ምባል ንምንዋሕ "ናይ መወዳእታ ውሳነ" ክህቡ'ኳ መደብ እንተነበረ፡ እቲ ኣኼባ ዝቕጽል ስጕምትታት ከየነጸረ ተዛዚሙ።

እቲ ዳሕረዋይ እማመ ናይቲ ስምምዕ፡ ን60 መዓልታት መጥቃዕቲ ምቁራጽ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ምኽፋትን ኣብ ኒዩክለራዊ ፕሮግራም ኢራን ድርድር ዳግማይ ንምጅማር ዝሕግዝ ማዕቀፍን ከም ዘጠቓልል ሲቢኤስ ሓቢሩ።

ዲፕሎማሲ ክስጕም እንተኽኢሉ፡ እቲ ስምምዕ ንኢራን ብቢልዮናት ዝቑጸር ዝተዓጽወ ንብረት ክትረክብ ዘኽእላ ናይ እገዳ ምሕረት እውን ከም ዘጠቓልል ይንገር ክብል ሲቢኤስ ገሊጹ።

ብሰንበት፡ ትራምፕ ተወሳኺ ኣርትዖት ክግበር ምሕታቱ፡ ኣብ መንጐ ዋይት ሃውስን ቴህራንን እቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ንምቁራጽ ዝዓለመ ስምምዕ ዝምልከት ንመዓልታት ዝቐጸለ ድርድር ካብ ዝጅመር ንድሓር ዝተራእየ ምዕባለ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብሓሙስ፡ ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ክልቲአን ሃገራት ምጽዳቕ - ትራምፕን መሪሕነት ኢራንን ኣብ እቲ ሰነድ ምርድዳእ ንምጽዳቕ ከም ዝተሰማምዓ ገሊጾም።

ትራምፕ፡ "እቲ ሓደ ክህልወኒ ዘለዎ ውሕስነት፡ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከም ዘይህሉ'ዩ። በዚ ተሰማሚዖም'ዮም፡ ጽቡቕ'ዩ፡" ክብል ንሰበይቲ ወዱ ላራ ትራምፕ ብሓሙስ ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ ውዕል ንምግባር "ከም ዘይህወኽ" ነጊርዋ።

ቅድሚ እቲ ብዓርቢ ምስ ላዕለዎት ሓገዝቱ ዝተኻየድ ኣኼባ፡ ትራምፕ ነቲ ስምምዕ ናብ ምቕባል ገጹ ይጽጋዕ ከም ዘሎ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ሓደ በዓል ስልጣን ዋይት ሃውስ፡ ድሕሪ እቲ ኣኼባ "ፕረዚደንት ትራምፕ ንኣመሪካ ዝረብሕን ንቀይሕ መስመራቱ ዘዕግብን ስምምዕ ጥራይ እዩ ክገብር። ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ክትውንን ፈጺማ ኣይትኽእልን እያ፡" ኢሉ።

ትራምፕ ኣብቲ ብዓርቢ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብቲ ስምምዕ ሓያሎ ምምሕያሻት ክግበር ከም ዝሓተተ ኣክሲዮስ ጸብጺቡ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቲ ፕረዚደንት ተወሳኺ ለውጢ ክግበር ዝሓተተ ይመስል።

ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሲንጋፑር ኣብ ዝገሸሉ ዝነበረ እዋን፡ ምስ ኢራን ዝተገብረ ስምምዕ ትጽቢት እቲ ፕረዚደንት እንተዘይኣማሊኡ፡ መጥቃዕቲታት ዳግማይ ክጅመር ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ሰበስልጣን ኢራን ግን ኣብ ልዕሊ መልእኽቲ ዋይት ሃውስ ጥርጣረታት ኣስሚዖም ኣለዉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ "ክሳብ ኣብ ንጹር መደምደምታ ዝብጻሕ... ኩሉ እቲ ሕጂ ዝዝረብ ዘሎ ግምታት እዩ፡" ክብል መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ይሕብር።

ኣብቲ ብጽሑፍ ዝግበር ዘሎ ምምልላስ "ዝቐፀለ ኰይኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ብቐጻሊ ናይ ምምሕያሻት ሓሳብ የቕርቡ ኣለዉ፡" ይብል ማዕከን ዜና ታስኒም።

ኢራን ብተወሳኺ ንኑክሌራዊ መደባታ ዝምልከት ንዋታዊ ዝርርብ ቅድሚ ምቕጻሉ ኣብ ልዕሊ ንብረታ ዝተገብረ እገዳ ክለዓል ከም እትደሊ ገሊጻ ምህላዋ ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን።

ፓኪስታን፡ ኣብ መንጐ ሰበስልጣን ኣመሪካን ኢራንን ንዝካየድ ድርድር ክትሽምግል ጸኒሓ እያ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ልዕሊ እማመ ኣመሪካ ለዉጢ ክግበር ዘቕረቦ ጠለብ ኣርትዖት ድማ ሳልሳይ ዙርያ ምዃኑ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።

እቲ ተኹሲ ደው ምባል ካብ 8 ሚያዝያ ተግባራዊ ካብ ዝኸዉን ንደሓር፡ ትራምፕ ብተደጋጋሚ ኣመሪካን ኢራንን ናብ ስምምዕ ከም ዝቐረባን'ኳ እንተገለጸ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ወግዓዊ ስምምዕ ኣይተበጽሐን።