ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቕርጺ ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣመሪካ-እስራኤል እንታይ ይመስል?

ምንጪ ስእሊ, Tasnim
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ምስ ኣመሪካን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምቍራጽ "ቅቡል" ስምምዕ እንተዘይበጺሓ፡ ኣብ መላእ ትሕተ ቅርጺ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከም ዝፍጸም ከፈራርሕ ጸኒሑ እዩ።
ትራምፕ ነታ ሃገር "ናብ ዘመነ እምኒ ክትምለስ፡" ብምባል ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ መላእ ኢራን ንዝርከቡ ድልድላትን መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ዒላማ ከም ዝገብሩ ገሊጹ።
ስምምዕ እንተዘይተገይሩ "ምሉእ ስልጣነ ክዓኑ'ዩ፡" ክብል ብሰሉስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፉ።
እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ልዕሊ ንተራ ኢራናውያን ወሳኒ ዝዀኑ ትሕተ ቅርጺ መጥቃዕትታት ከም ዝተፈጸመን ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ሃሰያ ከም ዝወረዶምን ይግለጽ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ን10 "ቀንዲ" ክፋላት መንገዲ ባቡር ኢራን ብቦምባ ከም ዝደበደ'ውን ገሊጹ።
ቢቢሲ ቨሪፋይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ብውሕዱ ክልተ ፋብሪካታት ሓጺን፣ ሰለስተ ድልድላትን ሓደ ፋብሪካ ፋርማሲን ዒላማ ከም ዝተገብሩ ኣረጋጊጹ።
ገለ ኣባላት ዲሞክራት ኣብ ኮንግረስ ኣመሪካን ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራትን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መጥቃዕቲታት ገበናት ኲናት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቘም።
ትራምፕ ግን ነዚ ስክፍታታት ይነጽጎ።
መጥቃዕቲ ዝወረዶም ትሕተ ቅርጺ
ብሓሙስ፡ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ከተማ ኻራጅ ኣብ ህንጸት ኣብ ልዕሊ ዝጸንሐ ድልድል መጥቃዕቲ ፈጺመን።
ሰበስልጣን እቲ ከባቢ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 13 ሰባት ከም ዝቐተለ ገሊጾም።
ብቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተረጋገጸ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ እንተወሓደ ኣብቲ ድልድል ክልተ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ይሕብር።
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ድልድል ዓቢ ክፍተት ይርአ፤ ብኽልቲኡ ሸነኹ ድማ ናይ ህንጻ ክሬናት ይረኣያ።
ድሒሩ ትራምፕ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝገልጽ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብኢንተርነት ብምክፋል፡ "እቲ ዝዓበየ ድልድል ኢራን ይፈርስ ኣሎ፣ ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ኣይውዕልን፣ ብዙሕ ተወሳኺ ክስዕብ'ዩ፡" ክብል ጽሒፉ።
ብርክት ዝበሉ ትካላት ሓጺን እውን ዒላማ ተገይሮም እዮም። ብ27 መጋቢት፡ ዝተረጋገጸ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ካብ ኩባንያ ሓጺን እስፋሃን ሞባራከህ ትኪ ክወጽእ ተራእዩ፤ በዚ ሰራሕተኛታት ስርሖም ከቋርጹ ከም ዘገደዶም ንምርዳእ ተኻኢሉ።
እቲ ዝዓበየ ኣፍራዪ ሓጺን ኢራን ዝዀነ ፋብሪካ ካብ መጋቢት 2025 ክሳብ ጥሪ 2026 ኣስታት 860 ሚልዮን ዶላር ናብ ወጻኢ ከም ዝሰደደ ምስቲ ኩባንያ ምትእስሳር ዘለዎም ጸብጻባት የመልክቱ።
ብተወሳኺ ኣብ ኩባንያ ሓጺን ኩዘስታን - ካልኣይ ዝዓበየ ኣፍራዪ እታ ሃገር - ዕንወት ክበጽሕ ተራእዩ።
ሰበስልጣን እቲ ከባቢ፡ በቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ፋብሪካ ዝወረደ ጉድኣት ንምጽጋን ክሳብ ሓደ ዓመት ክወስድ ከም ዝኽእል ሓቢሮም።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ እቲ መጥቃዕቲ ክሳብ 70% ናይ ኢራን ዓቕሚ ምፍራይ ሓጺን ከም ዘበላሸወ ገሊጹ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ፍሎሪዳ ዓለምለኻውን ሃገራውን ድሕነት ትካል ተመራማሪ ኣርማን ማሕሙድያን እቲ ጉድኣት ኣብ ቍጠባ ኢራን ከቢድ ጽልዋ ከሕድር ከም ዝኽእል ገሊጹ።
"ሓጺን እምነ ኩርናዕ ናይቲ ካብ ነዳዲ ወጻኢ ዘለዋ ቁጠባዊ ዓቕሚ ኢራን'ዩ፡" ኢሉ።
"መጥቃዕቲታት እስራኤል ብሓቂ ኣስታት 70% ናይ ኢራን ዓቕሚ ምፍራይ ሓጺን እንተድኣ ኣፍሪሱ፡ እዚ ንኣስታት 20 ሚልዮን ቶን ፍርያት ኣብ ሓደጋ ከእቱ'ዩ፡ እዚ ድማ ኣስታት 3–3.5% ካብ ውሽጣዊ ፍርያት ኢራን ክጸልዎ ይኽእል'ዩ።"
ማሕሙድያን ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ኢንዱስትሪ መድሃኒት ኢራን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ንስርዓት ክንክን ጥዕና ዓበይቲ ጉዳያት ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ።
ብ31 መጋቢት፡ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቶፊግ ዳሩ ሪሰርች ኤንድ ኢንጅነሪን ካምፓኒ - ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ኩባንያታት መድሃኒት ኢራን ኰይኑ፡ መደንዘዚን መድሃኒታት መንሽሮን ዘፍሪ - መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ገሊጹ።
እቲ ሰራዊት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኩባንያ "ንመጽናዕትን ምምዕባልን ከሚካላዊ ኣጽዋር ዝውዕል ፈንታኒል ሓዊሱ ከሚካላዊ ንጥረ ነገራት፡" ከም ዘሰጋገረ ገሊጹ። ቢቢሲ ነዚ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክእልን እዩ።
ኣቑሑት መድሃኒት ንውሑድ ክፋል ቍጠባ ኢራን ጥራይ ክውክሉ እንከለዉ፡ ማሕሙድያን ኣብ ልዕሊ እቲ ዓውዲ ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ኣብ እዋን ኣድላይነት ኣብ ተበጻሕነት መድሃኒት ጽልዋ ከሕድርን "ሕክምናዊ ናጽነት" ቴህራን ከዳኽምን ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ።
ማዕከናት ዜና ኢራን ቅድሚ ሕጂ ልዕሊ 90% መድሃኒታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም ዝፈርዩ እኳ እንተገለጻ፡ ቢቢሲ ቨሪፋይ ግን ነዚ ከረጋግጽ ኣይክእልን።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት፡ ትካላት ትምህርቲ ብኸቢድ ከም ዝተሃስዩ ዝተረጋገጹ ተንቀሳቓሲ ስእልታትን ስእልታትን ይሕብሩ።
ብቀዳም ኣብ ቴህራን ኣብ ከባቢ ደጋዊ ሸነኽ ዩኒቨርሲቲ ሻሂድ በሄሽቲ ፍርስራስ ከም ዝነበረን ገለ ክፋል ናይቲ ህንጻ ከም ዝዓነወን ምስልታት የርእዩ።
ብሰኑይ ኣብ ቴህራን ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሸሪፍ ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ ጉድኣት ከም ዝበጽሐ እውን ምስልታት ኣርእዮም።
ሃይማኖታዊ ህንጻታት እውን ተሃሪሞም ኣለዉ።
ኣብ ማእከላይ ከተማ ዛንጃን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንገለ ክፋል መስጊድ ሑሴንያ ከም ዝሃሰየ ስእልታት ይሕብሩ።
ሰበስልጣን እቲ ከባቢ፡ በቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ዝርከብ ክሊኒክን ቤተ መጻሕፍትን ዘዕነወ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢሮም።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ን10 "ቀንዲ" ክፋላት መንገዲ ባቡር ኢራን ብቦምባ ከም ዝደበደ'ውን ገሊጹ። ካብ ማእከላይ ኢራን እትርከብ ቁሸት ኣሚናባድ ዝተረጋገጸ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ብሰንኪ እቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ዝፈረሰ ድልድል ባቡር ኣርእዩ።
ካልእ ብቀይሕ ወርሒ ኢራን ዝተለጠፈን ዘረጋገጽናዮን ቪድዮ፡ ሰብሞያ ንሓደ ዝተጎድአ ሰብኣይ ተሰኪሞም ኣብ ጥቓ ኻራጅ ካብ መስመር ባቡር ርሒቖም ክኸዱ ዘርኢ እዩ። ጠንቂ እቲ መጕዳእቲ እንታይ ምዃኑ ግን ንጹር ኣይኰነን።
ኣብ ቴህራን ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ሰራሕተኛ መንገዲ ባቡር፡ በቲ ኣብ መስመራት ባቡር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተሰምዖ ሕርቃን ገሊጹ።
"ሓዚነ እየ፤ ኵሉ ነገር ይፈርስ ኣሎ።"
እዚ መጥቃዕቲታት፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብሰሉስ ኣጋ ምሸት ንኢራናውያን ከይገሹ ድሕሪ ምጥንቃቑ'ዩ ተፈጺሙ።
ብቋንቋ ፋርሲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝጠቅዖ ጽሑፍ፡ ሲቪላት "ኣብ ባቡራትን ኣብ ጥቓ መስመራት ባቡርን ምህላዎም ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፡" ምዃኑ ኣጠንቂቓ።
እዚ ከም ገበን ኲናት ክቑጸር ድዩ?
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቢቢሲ ቨሪፋይ ኣብ ዩኔስኮ ዝሰፈረ ሓድጊ ዓለም፡ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታልን ካብቶም ብቦምባታት ዝተሃስዩ ቦታታት ምዃኖም ኣረገጊጹ ነይሩ።
ክኢላታት ሕግን ገለ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን፡ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ገበናት ኲናት ክኸውን ይኽእል ድዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ኣለዉ።
ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ኣብ ሲቪላዊ ቦታታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ኣብ ውሱናት ኩነታት ንውሱን ወተሃደራዊ ረብሓ ኣብ ዝውዕሉሉ ኵነታት ከም ዝፍቀድ፡ ወተሃደራዊ ጠበቓ ኣመሪካ ነበር ፕሮፌሰር ራቸል ቫንላንዲንግሃም ንቢቢሲ ቨሪፋይ ገሊጻ።
ዝዀነ ይዅን ዝውሰድ ስጕምቲ ግን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት "ካብ መጠን ንላዕሊ" ጉድኣት ከስዕብ ከም ዘይክእል ኣስሚራትሉ።
ኣክለድ - ንጽልዋ ግጭታት ዝከታተል ናጻ ትካል - ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሲቪላዊ ጉድኣት ብዓቢኡ ኣብ ዙርያ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ወተሃደራዊ፡ ጸጥታውን ምስ መንግስቲ ዝተኣሳሰሩ ቦታታትን ተሓጺሩ ከም ዝጸንሐን፡" ገሊጹ።
ተንተንቲ እቲ ትካል፡ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ብ28 ለካቲት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ 40 ድርብ ኣጠቓቕማ ዘለዎም ቦታታት - ሲቪላውን ወተሃደራውን ፍርያት ዘፍርዩ መሳለጥያታት - ከም ዝተሃስዩ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ ግን "ካብ መጠን ንላዕሊ ሃንደበታዊ ሲቪላዊ ጉድኣት" ኣብ ዘብጽሓሉ መጥቃዕቲ ክልኩል ምዃኑ ገሊጹ።
ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኰነ ኢልካ ንሲቪላትን ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጽን ምጥቃዕ ገበን ኲናት'ዩ፡" ብምባል፡ እቶም ተሓተትቲ ድማ ተሓተትቲ ክዀኑ ምዃኖም ገሊጹ።
ሰር ጀፍሪ ኒስ - ዓቃቢ ሕጊ ሄግ ነበር - ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ልዕሊ ከም መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ትካላት ማይን ዝኣመሰሉ ትሕተ ቅርጺ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ዘይመጣጠን ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ።
"ኣብ ዝዀነ ኲናት ዘሎ ሲቪላዊ ህዝቢ ብግቡእ ክሕሎ መሰል ኣለዎ፡ ኣብ መሰረታዊ መነባብሮ ጣልቃ እንተኣእቲኻ ድማ... ኣብ መወዳእታ ብጥሜትን ሕማምን ሓዊሱ ፍጹም ዘይተመጣጠነ ጉድኣት ናይ ምፍጣር ከቢድ ሓደጋ ኣለካ፡" ኢሉ።
ትራምፕ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝነበሮ ስክፍታታት ብምንጻግ፡ ንመሳለጥያታት ጸዓት ንምውቃዕ ዝገበሮ ምፍርራሕ፡ ገበናት ኲናት ክኸውን ይኽእል ድዩ ዝብል ሕቶ ምስ ተሓተተ "ብዛዕባ እዚ ኣይጭነቕን" ኢሉ።
"ገበን ኲናት ትፈልጡ ዲኹም? እቲ ገበን ኲናት ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ክህልዋ ምፍቃድ'ዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


