ሕጽረት ነዳዲ ነፈርቲ ኣብ ኤውሮጳ፡ በረራታት ክስረዙ ይኽእሉ ድዮም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤውሮጳ ዘለዋ ቀረብ ንነፈርቲ ዝኸውን ነዳዲ፡ "ምናልባት ንሽድሽተ ሰሙን ጥራይ ዝኣክል እዩ፡" ክብል ሓላፊ ዓለምለኻዊ ትካል ጸዓት (IEA) ኣጠንቂቑ።
እቲ ትካል ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ፡ ኤውሮጳ ካብ ማእከላይ ምብራቕ እተእትዎ ነዳዲ እንተ ወሓደ ፍርቁ ክትትክኦ እንተ ዘይክኢላ፡ ክሳዕ ሰነ ቀረብ ነዳዲኣ ናብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ደረጃ ክወርድ እዩ።
ንቐረብ ነዳዲ ወሳኒ ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ከም መልሰ-ግብሪ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ብኢራን ካብ ዝዕጾ ልዕሊ ሽዱሽተ ሰሙን ኰይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ዋጋ ነዳዲ ክንህርን ሕጽረት ከጋጥም ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ክሰፍንን ገይሩ ይርከብ።
ፈጻሚ ዳይረክተር ዓለምለኻዊ ትካል ጸዓት ፋቲህ ቢሮል ንማዕከን ዜና ኤፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ዕጽዋ እንተ ቀጺሉ ኣብ ቀረባ እዋን በረራታት ክስረዙ ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ።
ን32 ኣባል ሃገራት ብዛዕባ ቀረብን ድሕነትን ጸዓት ምኽሪ ዝህብ ዓለምለኻዊ ትካል ጸዓት፡ ኣብ ወርሓዊ ጸብጻቡ ከም ዝሓበሮ፡ ካብ ወሽመጥ ዓረብ ዝለኣኽ ነዳዲ፡ ንዓለምለኻዊ ዕዳጋ ነዳዲ ነፈርቲ ዝዓበየ ምንጪ እዩ።
ከም ደቡብ ኮርያ፡ ህንድን ቻይናን ዝኣመሰላ ካልኦት ነዳዲ ዘለኣኸለን ሃገራት'ውን፡ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝወስድኦ ድፍድፍ ነዳዲ ኣዝየን ዝተመርኰሳ እየን።
በዚ ምኽንያት፡ እዚ ቅልውላው፡ "ኣብቲ ንቡር ኣሰራርሓ ዕዳጋ ነዳዲ ነፈርቲ ዓቢ ዕንቅፋት ፈጢሩ ኣሎ፡" ይብል እቲ ጸብጻብ።
ወሃብ-ቓል መንግስቲ ብሪጣንያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሰባትን ንግዳዊ ትካላትን ከይተዓናቐፉ ምእንቲ ክቕጽሉ፡ ምስ ኣቕረብቲ ነዳድን ትካላት ነፈርትን ብምትሕብባር ይሰርሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
መተካእታ ምድላይ
ኤውሮጳ ክሳዕ ሕጂ ን75% ናይ ነዳዲ ነፈርቲ ጠለባ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም እትምርኰስ እቲ ትካል ኣዘኻኺሩ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ ካብ ወሽመጥ ዓረብ ዝመጽእ ዝነበረ ቀረብ ካብ ካልኦት ሃገራት ንምትካእ ይጋደላ ኣለዋ። ተንተንቲ ከም ዝሕብሩዎ ድማ መተካእታኡ ካብ ኣመሪካን ናይጀሪያን ይመጽእ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ካብ ኣመሪካ ዝለኣኽ ነዳዲ ነፈርቲ ብቕልጡፍ ከም ዝወሰኸ እቲ ትካል ገሊጹ።
ይዅን እምበር፡ እዚ ኵሉ ዝለኣኽ ዘሎ ነዳዲ ናብ ኤውሮጳ እንተ በጽሐ እኳ፡ ነቲ ዝተዓግተ ቀረብ ፍርቁ ጥራይ ክትክእ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
እቲ ትካል ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ብምትንታን ከም ዝሓበሮ፡ ኤውሮጳ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ናይቲ ካብ ማእከላይ ምብራቕ እተእትዎ ነዳዲ ክትትክኦ እንተ ዘይክኢላ፡ "ኣብ መዓርፎ ነፈርቲታት ጭቡጥ ሕጽረት ከጋጥም፡ በረራታት ክስረዙን ጠለብ ክጐድልን ይኽእል እዩ።"
ሰለስተ-ርብዒ ቀረብ ዋላ እንተ ተተክአ፡ እቲ ጸገም ንግዜኡ ክሳዕ ወርሒ ነሓሰ ከጋጥም ከም ዝኽእል ይገልጽ።
"ስለዚ፡ ኣብ ክረምቲ እኹል ቀረብ ነዳዲ ንምዕቃብ፡ ዕዳጋታት ኤውሮጳ ካብ ካልእ ቦታታት መተካእታ ጽዕነታት ንምርካብ ዝያዳ ክጽዕሩ ክግደዱ እዮም፡" ይብል እቲ ትካል ወርሓዊ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ።
ናይ ኣርጉስ ሜድያ ክኢላ ዋጋ ነዳዲ ነፈርቲ ኤውሮጳ ዝዀነ ኣማር ኻን፡ እቲ ካብ ወሽመጥ ዓረብ ዝመጽእ ቀረብ ኣብ ቀረባ እዋን ዋላ እንተ ጀመረ፡ ኣብቲ ሰባት ዝበዝሕሉ ወቕቲ ክረምቲ ሕጽረት ከጋጥም ከም ዝኸእል ይኣምን።
"ኣብ ገለ ከባቢታት ኤውሮጳ ብዝተወሰነ ደረጃ ሕጽረት ከጋጥም ምዃኑ እናተረጋገጸ ይኸይድ ኣሎ - ዋላ'ኳ ግምት እንተዀነ። ከም ሂዝሮው ዝኣመሰሉ ዓበይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ልዕሊ'ቶም ንኣሽቱ ቀዳምነት ክወሃቦም ይኽእል እዩ። እቲ ቀረብ ዋላ እንተ ጀመረ፡ ናባና ክበጽሕ ካብ ሓሙሽተ ክሳዕ ሽዱሽተ ሰሙን ክወስድ እዩ፡" ክብል ይገልጽ።
ሓያሎ ትካላት ነፈርቲ ዓለም፡ ነቲ ካብ 20% ክሳዕ 40% ወጻኢታተን ዝሽፍን ዋጋ ነዳዲ ንምምካት ስጕምቲታት ህጹጽ እዋን ክወስዳ ተገዲደን ኣለዋ።
ኣብ መጀመርታ ምያዝያ፡ ዋጋ ሓደ ቶን ነዳዲ ነፈርቲ ኤውሮጳ 1,838 ዶላር ብምብጽሑ ክብረ-ወሰን ዝሰበረ ኰይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ቅድሚ እቲ ኲናት ካብ ዝነበረ 831 ዶላር፡ ብዕጽፊ ዝዛየደ እዩ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcstreaming.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


