እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ርክብ ዝነበሮም ሰባት ተሻቒሎም
Published
ጣሊባን ንርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ዝኾነት ካቡል ድሕሪ ምቁጽጻሩ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ይሰርሑ ዝነበሩ ዜጋታት ብዛዕባ መጻኢኦም ተሻቒሎም ይርከቡ። ኣብ ካቡል ኣብያተ መግብን ድኳናትን ተኸፊቶም ስሩዕ መነባብሮ’ኳ ይጅመር እንተሎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጎደናታት ብብዝሒ ኣይረኣያን ዘለዋ።